2015-06-02 16:01:00

ብፅዕ ካርዲናል ኮማስትሪ፦ ኣኽብሮት ንማርያም ወንጌላዊ እዩ


ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ወርሒ ግንቦት ማርያማዊ መንፈሳውነት ዝነበረሉ ወርሃ ማርያም ተባሂሉ ዝጽዋዕን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ኣብ ማርያማዊ መንፈሳውነት ብዕምቆት ዘድህብሉን ጥልቂ ትርጉም ተልእኾ ማርያም ኣብ መደብ ድሕነት ዝስትንተነሉን ምስትውዓሉ ዝሕደሰሉ ወርሒ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይዚ ማርያዊ ወርሒ መዕጸዊ ሊጡርጊያዊ መደብ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ከምእተኻየደን፣ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ተበጊሱ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ በዓቲ ዝተዛዘመ ብመቕጾሪያ ጸሎት ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንግደት ከምእተፈጸመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ነቲ ናይ ማርያማዊ ሊጡርጊያዊ ጸሎት ዝመርሑ ናይ ሃገረ ቫቲካን ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ወርሒ ግንቦት ወርሒ ማርያም እዩ። ማርያም ሕርያ እግዚኣብሔር እያ፣ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ድልያ ሰብኣዊ ፍጡር ንሱ ድማ መደብ ድሕነት ተሓባባሪት ክትዀኖ ባዕሉ ዝሓረያ እያ። እቲ መደብ ድሕነት ድሮ ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸምን እዩ፣ ኣብቲ ድሮ ክውንን ገና ዝኸውንን ከይዲ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ማርያም ዓቢይ ተራ ኣለዋ። ስለዚህ ኣብቲ ገና ኩነት ምድሓን ተሓባባርነታ ዝቕጽልን ኣገዳስን እዩ። ስለዚህ ንማርያም ዘሎና ኣኽብሮት ወንጌላዊ እዩ፣ ቀዳማይ ሰጋድን ኣኽባርን ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ። ቀጺላ ድማ ቅድስቲ ኤሊዛቤጥ እያ። ሎሚ ድማ ሕዝበ እግዚኣብሔር።

ንማርያም ዘሎና ፍቕሪ ከምቲ ሓደ ውላድ ንዲኡ ዝነብሮ ፍቕሪ እዩ። ኣብ ጉዕዞና እተሰንየና ኣደ እያ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ነቲ ናታ ኣማላድነትን ኣብ ጎድንና ኰይና ናብ ወዳ ብምምራሕ ንሱ ዝበለኵም ግበሩ እናበለት ንሱ ዝበለና ምግባር ብቓልን ሕይወትን ዝሃበቶ ኣብነት እነስተንትነሉን ንሱ ዝበለና ንምግባር ኣሚትና ኣብ እንፍጽሞ ጉዕዞ እምነት ሓይሊ እግዚኣብሔር ከይፍለየና ብጸጋ ኣማላድነታ ተሰንየና። ንማርያም እነመስግነሉ ወርሒ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 31 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ማርያም ዘእንግዱ ማሕበረሰብ ንኹን፣ ዘእንግዱ፣ እዚ ማለት ድማ ትሑት ልብን ሓላይን ምዃንን ከምቲ ንሳ ዝበልካዮ ይኹነለይ ቢላ ኣብ ከርሳ ወልደ እግዚኣብሔር ዘእንገደት፣ ከምኡ ድማ በቶም ብድኽነት ዝተጠቕዑን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ሕብረተሰብ ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ዝተረስዑን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ብዝነብሩ ኣቢሉ ዝግለጽ እግዚኣብሔር ከነእንግድ ዘተሓሳስብ ምዕዳን ምዃኑ ገሊጾም፣ ልባትናን ማዕጾናን ንዝኩህኩሑ ርህው ክንግበር ዘተባብዕን ንኢየሱስ ኣብ ምፍላጡን ምስዓቡን ንኽንዓቢ ዘተባብዓና ማርያማዊ መንፈሳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ መገዲ እንነብረሉ ወርሒ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.