2015-05-30 17:05:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሓቀይና እምነት ሰራሕ ተኣምር ደኣ እምበር መሻየጢ ኣይኰነን


ሓቀይና እምነት ንኻልኦትን ንመሓርነትn ክፉት ዝገብርን ሰራሕ ተኣምር እዩ። እምነት ኣብ ፍትወትን ጣዕሚ ነፍስን ንኣይነትን ኣብ ዋጋ ዕድጋን ከይነውድቕ እግዚኣብሔር ይሓልወና። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ግንቦት 2015 ዓ.ም. እቲ ወትሩ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መጽሓፈ ሲራክ ምዕ. 44 ካብ ፍቕዲ 9-13ን ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 11 ካብ ፍቕዲ 11-25 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፦

ኢየሱስ ንመንፈሳዊ ንኣይነት ይኹንን

ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ካብ ሱራ ዝነቐጸትን ፍረ ዘይህብ በለስን ከምኡ ድማ ቤተ መቐደስ መሻየጢ ብዝግበሩን በቲ እምነት ዘለዎን ሰብ ኣቢሉ ሰለስተ ዓይነት ምንባር ከምዘሎ ይሕብረና፣ ብቛንቋ ቅዱስ መጽሓፍ በለስ ናይ መኻንነት ናይ መኻን ሕይወት ምልክት እዩ፣ ዘየፍሪ ሕይወት ሰናይ ናይ ምግባር ብቕዓት ናይ ዘይብሉ እምነት ምልክታ እዩ።

ረጊኡ ንገዛእ ርእሱን ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ዝነበር ፈታው ነፍሲ፣ ሽግር ዘይደሊ። ኢየሱስ ነዚ ዓይነት ተኽሊ በለስ ይረግም። ስለምታይ መኻን እዩ። ፍረ ምሃብ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት መለለዪ ስለ ዘይገበረ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ ሓደ’ኳ ዘይገብሩ ክሳብ ዝጐድሎም ዘይብሎም ወትሩ ምእንቲ ገዛእ ርእሶም ዝነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግና ገዛእ ርእሶም ዘይቆጽጸሩን ኣእምሮኦም ዝተናወጹ ይዀኑ፣ ኢየሱስ ንመንፈሳዊ መኻንነትን ርእሰ ፈታው መንፈሳውነትን ይዅንን። ኣነ ስለይ ይነበር፣ ናይ ካልኦት ብዘየገድስ ንኣይ ግና ዝጐድለኒ ሓደ’ኳ የልቦን በሃልቲ ርእሰ ፈታውነት መንፈሳዊ ዝነበሩ ኢየሱስ ይኹንን።

ሃይማኖት  መሻየጢ ዘይምግባር

እቲ ካልኣይ ዓይነት ምንባር ድማ ናይቶም ኣብ ቤተ መቐደስ መዝምዝትን ተዋገይትን ሸቀጥትን ምንባሮም ዝገልጽ እዩ። ቤተ መቐደስ ቅዱስ ቤተ እግዚኣብሔር ንናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ዘውዕሉ ቤተ መቕደስ ዝምዝምዙ፣ ንመስዋዕቲ ዝቐርቡ እንስሳታት ይሸጡን፣ ገንዘብ ዝልውጡን ዘሽርፉን ነዚ ዓይነት ተግባሮም ዝጣበቕ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበር ዘቖሙ። እዚ ድማ ብካህናት ቤተ መቕደስ ቅቡልን ፍቑድን እዩ ኔሩ። እዚኣቶም እዮም እቶም ሃይማኖት መሸቐጢ ዝገብሩን ሕዝቢ ድማ መስዋዕቲ ከቕርብ ደቂ እቶም ካህናት ከይተረፉ እቶን ነጋዶ መስዋዕቲ ክዕድጉ የተባብዑ ከምዝነበሩ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ይገልጾ። ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ድማ ብሃብቲ ገንዘብ ይድልቡ ካብ ድኻ ከይተፈረ ብመስዋዕቲ ኣቢሎም ገንዘብ ይምንዝዑ። ኢየሱስ ነዚ ምስ ረአየ ተቆጢዑን ቤት ኣቦይ ቤት ጸሎት ክነሱ ንስኻትኩም ግና መሓብኦ ጓሓሉ ቀይርኵምዎ እክብል የስምዖምን ካብ ቤተ መቕደስ ይሰጐም። ምእመናን ናብቲ ቤተ መቕደስ ናይ ጐይታ ቡራኬ ንኽሓቱን መስዋዕቲ ነኸቕርቡን ንዝነግዱ ዝምዝምዙ። እቶም ካህናት ትምህርተ ክርስቶስ ዘይምህሩን ጸሎት ዘይምህሩን፣ ንምእመናን ግና ዝምዝምዙ እያቶም ኔሮም፣ ነቲ ቤተ መቕደስ ቤት ጓሓሉ ዝቐየሩን፣ ናብ ቤተ መቕደስ ናይ መእትዊ ዋጋ ወሲኖም ዘኽፍሉ። ዝኣቱ ይኽፈል ዝብሉ፣ ባዶ፣ ሕይወት ዘይብሉ ሥርዓት ዝፍጽሙ። ናብ ኩነት ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል እንድዒ ከምቲ ኢየሱስ ዝኹንኖ ተግባር ንፍጽም ከይኸውን። ኩነታትና ንመርምር። ጉዳይ እግዚኣብሔር ንናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ነውዕል ከይንኸውን!

ንኻልኦት ዝሕግዝን ተኣምር ዘስርሕ ሓቀይና እምነት

እቲ ሳልሳይ ዓይነት ኣነባብራ ድማ ናይ እምነት ሕይወት ኣማኒ ሕይወት ዝምልከት ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ይሃልዅም ሓቀይና እምነት ዘለዎ ጎቦታን ዘንቀሳቕስን ነቶም ጐቦታት ኣልዕሊ ናብ ባሕሪ ንኽኣትው ዝግበር። ብርግጽ ብልቢ እዩ። ኰይኑ ግና እዚ ብሓይሊ ኣምላኽ ክኸውን ዝኽእል እዩ ቢሉ ዝኣምን፣ ምእማን። እግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ሓደ’ኳ የልቦን ዝብል እምነት ዝኣምን እምነት ብምልኣት ዝነበር። እቲ ኩሉ ብጸሎት ኣቢልኩም እትሓትዎ፣ ድሮ ከምእተጸገውክምዎ ከምዝኸውንን ኣሚንኩን ኣቕርብዎ፣ እቲ ብሓቀይና እምነት ኣቢልና እንሓቶ ኵሉ ዝረጋገጽ እዩ።

ናይ ኣማኒ ሕይወት ዓይነት ኣነባብራ። እዚ ዓይነት ኣነባብራ ኣባይ መታን ክህሉ እንታይ ክግበር? እወ ንጐይታ ሕተትዎ፣ ንሱ ባዕሉ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ንምፍጻም ከብቅዓኵም እዩ። ብእምነት ግና። ቅድሚ ጸሎትካ ምቕራብካ ምሕረትን ይቕረ ምባልን ንበር። ምስ እንምሕርን ይቐረ ምስ እንብልን ምሕረት እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ይበጽሓና። እዚ እዩ እቲ ሳልሳይ ዓይነት ሕይወት። ንኻልኦት ዝሓስብ ዝድግፍን ናብ እግዚኣብሔር ንኽቐርቡ ዘብቅዕ እምነት ብቓልን ሕይወትን ዝነበር። እዚ ዓይነት እምነት እዩ ስራሕ ተኣምር።

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት፦ ነፍሲ ወከፍና መኻን እምነት ከይንነብርን እምነት መሸቐጢ ከይንገብርን እግዚኣብሔር ክሕግዘና ንለምኖ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.