2015-05-21 16:11:00

ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ


ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽ፣ ናይ ምክልኻልን ናይ ምድሓን ኣቃውማ ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ኣብ ፓሪስ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ዘዳለዎ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ድርገት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ኦሊቨር ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ይሳተፉ ከምዘለዎ ልኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ልይዲያ ኦካነ ሓቢረን።

ኣብቲ 250 ናይ ስነ ትሕቲ ዕድመ ጉዳያትን ናይ ስነ ትሕቲ ዕድመ ስነ ልቦና ሊቃውንቲ ኣብ ዘሳትፉ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ብፁዕ ኣቡነ ኦሊቨር ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ድርገት ምስ መላእ ካቶሊካውያን ሰበኻታትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን ምስ በርገሳዊ ተቛማትን ብምትሕብባር ዘካይዶ ዘሎ ዕዮ ብስፊሕ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦካነ ገሊጸን።

ብፁዕ ኣቡነ ኦሊቨር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕርን መደብ ሕንጸትን ኣብዚ መዳይ ዘተኰረ እተነቓቕሖ መደባት ጻዕርታት ኣብ ዓለም ፍሉጥን ኣብነትን እዩ፣ እዚ ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ምዝ ዝተፈላለዩ ኣብ ሓልዮ ሕጻናት ዝዓዩ ናይ መንግስትን ዘይመንግስታውን ተቛማት ኣብዚ መዳይ እተካይዶ ኣብ ብጋሴ ዝርከብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ጳጳሳዊ ድርገት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ እውን እንተዀነ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ኣብ መላእ ዓለም ብተልእኮ ወንጌል ዘገልግሉ ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራት ብምትሕብባር ዝዓዪ ብምዃኑ ናይ ዕዮታቱ ውጽኢት ኵላውነት መልክዕ ክህልዎ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ናይቲ ኣብ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ዝዓዪ ጳጳሳዊ ድርገት ቅዋም ናይቲ ድርገት ኣገልግሎት ቅርጺ ዘልብስን፣ ተልእኾኡን ምስ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣብ ሓልዮ ትሕቲ ዓድመ ነዘቐርቦ ኣገልግሎትን ኣብዚ መዳይ ዝምልከት ንዘዳልዎ ዝተፈላለዩ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትን ቅርጺ ዝህብ እዩ። ንሰለስተ ዓመት መጽናዕቲ ዝተገብረሉን ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝረቐቐ ቅዋም እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጽደቕዎ ቅዋም እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ድርገት ናይ ገዛእ ርእሱ ቅርጺ እውን ምስ ከይዲ ዓለምን ሓደስቲ ብድሆታትን መሰረት እናሐደሰ ኣገልግሎት ዝህብ ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.