2015-05-21 16:33:00

ኵባ፦ ናይ ምሕረት ልኡኽ


ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ንኸካይድዎ ዝወስንዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ምሕረት ልኡኽ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ምቅርራባት ንኽግበር ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ካብ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሓቅን ተስፋን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ድማ ናይ ፍቕሪ መንፈሳዊ ነጋዲ ብዝብል ተልኾ ኣብ ኵባ ነዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምሕረት ልኡኽ ብዝብል መርሕ ቃል ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝቕጽል ምዃኑ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ድረ ገጽ ሓቢሩ።

ንናይ ምሕረት ዓመት ዘነቓቕሕ

ብፁዓን ጳጳሳት ኵባ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ነቲ ቅዱስነቶም ዝኣወጅዎ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝብገስን ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንዝፍጸም ንናይ ምሕረት ዓመት ለብው ዝብል ጻውዒት ዘቃልሕ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ናይ ምሕረት ልኡኽ ዝብል ኣርእስቲ ከምእተወሃቦ ኣብ ወግዓዊ ድረ ገጽ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተመልኪቱ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ናብ ናይ ኵባ ብፁዓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ናይ ምሕረት ተልእኾ ናይ ሓጎስን ርግኣትን ሰላምን ሰረት እዩ። ልኡካነ ምሕረት ድማ ነዚ ዝገልጹን ዝነብሩን እያቶም እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓሳብ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቒሶም፣ ቤተ ክርስቲያን ኵባ ልእኽቲ ምሕረት እያ ከምዝበሉ ናይ ኵባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ድረ ገጽ ኣፍሊጡ።

ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵባ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵባ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝኸውን እንክዝከር፣ ድሕሪ ኩባ ብምኽንያት ኣቲ ኣብ ፊላደልፊያ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስድራ ቤት ዓውደ ጉባኤ ድማ ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘረባ ከስምዑን ከምዝኾኑን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስ ከምዝበጽሑን፣ ከምኡ እውን ሰነ 6 ኣብ ሳራይቮ ካብ ዕለት 5 ሰነ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኤኳዶርን ቦሊቪያን ፓራጉዋይን ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.