2015-05-21 19:11:00

አንቱም ዝተፋታሕኩም ንደቅኹም ጅሆ ናይ ቈይቁኹም ከይትገብርዎም ሓደራ፤


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንክኸውን ነቲ ቅድሚ ሳምንታት ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል “ናይ ወለዲ ባህርያዊ ጸዋዕታ ደቆም ምዅስኳስ ኢዩ፣ እዚ ኵስኰሳ እዚ ንኩሉ ዘጠቃለለ ምህሮን ተመክሮን ኢዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን ነቶም ዚዓብዩ ናይ ገዛእ ርእሶምን ናይ ካልኦትን ሓልፍነት ለቢሶም ሓላፍነታውያን ከምዝኾኑ ይገብሮም” እንክብሉ ነቲ “መጀመርያ ቤትምህርቲ ናይ ኩሉ ማለት ምውሳእ ፍቅሪ ኃልዮት ወዘተ ስድራቤት ኢያ” ንዝበልዎ አስሚሮምሉ፣

ሥነ መዕበያ ውሉድ ክንብል እንከሎና ባህርይን ባህልን ዘሸክመና ዓቢ ኃላፍነት ናይ ወለዲ ኢዩ፣ ዝበሉ ቅዱስነቶም ግዜ ብዝፈጠሮን ሰብ ብዝገበሮን ወለዲ ዳርጋ ሸፊቶም ወይ ተሰዲዶም ስለ ዘለው ደቆም ንክሕብሕቡን ክምህሩን ክኹስኵሱን አቦታትን አደታትን ካብዚ ስደትዚ ተመሊሶም ኃላፍነቶም እንደገና ብምሽካም ንደቆም ዝግባእ ሥነ መዕበያ ብምብርካት መናእሰይና ኃላፍነታውያን ኮይኖም ኪዓብዩን ኃላፍነት ገዛእ ር እሶምን ካል ኦትን ክሽከሙ ይኰስኵስዎም ቢሎም፣ ቅድሚ ትምህርቲ ክርስቶስ ምቅራቦም አብ ቅር ዓት ቅ.ጴጥሮስ ካብ ጻት ንጻት መሊኦም ንዝነበሩ ም እመናንን ነጋድያንን ሰላምታን ቡራኬን አብ ዘቅረቡሉ ጊዜ ብዙኃት ሥድራቤታት ምስ ደቆም ብምር አዮም ባህ ስለዝበሎም አብ መኽፈቲ ትምህርቶም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንክብሉ ዕቅበቶምን ሓጐሶምን ምስ ገለጹ ሥነመዕበያ ጥበብ ኢዩ! ሚዛናዊ ርክብ ወለድን ውሉድን ኢዩ፣ ውሉድ ንወለዶም ክ እዘዙ ከለው እግዚአብሔር ባህ ይብሎ፣ ውለዲ ከአ ንውሉዶም ክሕግዝዎም ከታትይዎም እምበር ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ክገብሩ ከይሓትዎም ከመይ እዚ ከሰልችዎም ወይ ተስፋ ከቍርጾም ይከአል፣ ምስ በሉ ናብ ዘሎናዮ ኩነታት ምልስ ይብሉ እሞ አብ ዘመንና ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተሎ እቲ ቀንዲ ግን ወለዲ ሠራሕተኛታት ኮይኖም አብ ዝወዓልዎ ውዒሎም ደቆም ዝር እዩላ ምሸት እዩ፣ እንተኾነ አብዚ ጊዜ እዚ ብሥራሕ ደኺሞም ስለዝመጹ ምንም ክገብሩ አይክእሉን፣ ዝገደደ ከአ ዘመን አምጸኦ ፍትሕ ተጋኒኑ ይረኤ፣ አብዚ እቲ ቀንዲ ግዳይ ፍትሕ ኮይኖም አደራዕን ሕሰምን ናይ ምፍልላይ ዝስከሙ ውሉድ እዮም፣ ምናዳ ኸአ እቶም ወለዲ እቲ ሓደ አንጻር እቲ ክላእ ሕማቅ ክዛረብ እንከሎ ነቲ ውሉድ ጅሆ ናይ ጽልኦም ይገብርዎ፣ አቦ ብዛዕባ አደ ሕማቅ እንተተዛሪቡ አደ እውን ብወገና ብዛዕባ አቦ ሕማቅ ተዛሪባ አብ ሥነመዕበያ ብዙሕ ሃስያ አለዎ፣ ሓደራኹም ንቈሉዑ መውጽኢ ቂምታኹም ብምግባር ጅሆ ከይትሕዝዎም፣ አቦ ብዛዕባ አደ ጸጽቡቁ እናተዛረበ አደ እውን ብወገና ብዛዕባ አቦ ሠሠናዩ እናተዘረበት እናሰምዔ ዚዓቢ ሕጻን ዕድለኛ ኢዩ፣ እንክብሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝፋትሑ ንደቆም ክከናኸኑ ሓደራ ቢሎም፣

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ ነገር ናይ ዘመንና ኅብረተሰብ ብስም ሥልጣኔን ደሞክራስን ማዕርነትን መንጎ ኅብረተሰብን ሥድራቤትን ዝነበረ ርክብ ሥነመዕበያ ቈልዑት ሓማሚስዎ ይርከብ፣ ቅድሚ ሕጂ ማኅበረሰብን ሥድራቤትን ብሓባር ናይ ውሉድ ኵስኰሳ ይተሓሓዝዎ ስለዝነበሩ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይጐዓዙ ነሮም፣ እንተ ሎሚ ፈላጣት ኢና በሃልቲ ሓዲስ ሥርዓተ መዕበያን ሥርዓተ ትምህርትን ብምህንዳስ ነቶም ቀንዲ ተኸናኸንቲ ውሉዶም ክኾኑ ንዝነበሮም ወለዲ አፎም ከትሕዝዎም ይረአዩ፣ መሠረት ኩሉ ዝኾነ ሥድራቤት ያኢ ከም ገበነኛ ተቈጺሩ ወለዲ ክኽሰሱን ቆልዑት አብ ትሕቲ ፍሉያት ናይ ማኅበረሰብ መዕቆቢታት ክተሓዙን ዝገደደ ከአ ወለዲ አብ ሥነመዕበያ ደቆም እዞም ሊቃውንቲ እዚኦም ንዘስተምህርዎ ነገር ጽን ቢሎም ክሰምዑ ዳርጋ ብዘይ ሕቶን ብዘይ ርእይቶን ንደቆም ንክምህርዎ ቀጥ ቢሎም ክመሃርዎ ክለማመድዎ እናአገደዱ ይርከቡ፣ አብቲ ተአፋፊ ዝኾነ ነገራት እውን ከይተረፈ እዞም ሊቃውንቲ እዚኦም ንወለዲ ተኪኦም ያኢ ብዛዕባ ጾታን ካልእ ነገራትን ክምህሩን ይረአዩ፣ ወለዲ ክቀጽዑስ ይኹን ክገንሑ ከምዘይክእሉ ምናልባት እንተፈቲኖም ብሕግን ፖሊስን ክተሓዙን ክቅጽ ዑን ከምዝኽ እሉ ብምፍርራህን አብ ተግባር ብምውዓልን ወለዲ ንደቆም ክ እርሙሉ አብ ዘይከአለሉ ደረጃ በጺሕና አሎና፣ በዚከምዚኸስ ወለዲ ዳርጋ ካብ ውሉዶም ናይ ምግላል ሓደጋ የንጸላልዎም አሎ፣ እንክብሉ ወለዲ ከም መሠረት ሥነመዕበያ ውሉድ ባህርያውን ባህላውን ሕጊ ዘልብሶም ሓላፍነት ምዃኑ ገሊጾም፣

ወትሩ ከም ዝገብርዎ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ግደ ወለዲ አብ ሥነመዕበያ አብ ሕይወቶም ዘጋጠሞም ከም አብነት እንክጠቅሱ አብ ቍልዕነቶም አብ ቤት ትምህርቲ ንመምህሮም ሕማቅ ዘረባ ምስ ተዛረቡ አዲኦም አብ ቤት ትምህርቲ ተጸዊዓ እቲ ጉዳይ ምስ ተነግረን ብፍሉይ ጥበብን ክእለትን ነታ መምህር ይቅርታ ክሓቱ ከምዝገበራ አብ ገዛ ከአ ዝግባእ መቅጻዕትን ትምህርትን ከምዝተቀበሉ ይገልጹ እሞ፣ ሎሚ በንጻሩ ሓንቲ መምህር ከምዚ አጋጢሙ እንተትብል ክልቲኦም ወለዲ ሽምጦም ሒዞም ክቋየቁን ውሉዶም ክከላኸሉን ይረአዩ ምኽንያቱ ከአ እዞም አብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ሊቃውንቲ ዘመንና ነቲ ናይ ቀደም ብሂል ቆርበት ብርሑሱ ቆልዓ ብንኡሱ ዝብል ጸቂጦም ቈልዑት ብምንም ተአምር ክግንሑ የብሎምን ዝብል አምር ስለዘስፋሕፍሑ ኢዩ፣ እንክብሉ ዘሎናዮ ዘመን አብ ሥነመዕበያ ብዙኅ ይጋገ ስለዘሎ ምናልባት አብቲ ናይ ቀደም ኩነታት እንተንምለስ ምሓሸ ከመይ ብዙሕ ግዜ ብፍቅሪ ውሉድ ተደፊኦም ወለዲ ጥራይ ክምህርዎ ዝከአል ከማኡ እውን ወለዲ ጥራይ ክእርምዎ ዝከአል ጉዳያት ስለዘሎ ምልስ ንበል፣ ቀንዲ ጸገም ዚአክል ጊዜ መንጎ ወለድን ውሉድን ክፍጠር ክከአል አለዎ ክትሰምዖም ከተዘራርቦም ፍቅርኻ ክትገልጸሎም ጊዜ የድሊ እንተኾነ ናይ ሥራሕ ባራዩ ብምዃን እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ዝሕሰበሉ አይመስልን እሞ አብ ሓቀኛ ኩነት ሕይወት ተመሊስና ከምቲ ክርስቶስ አብ ትሕቲ ቅድስቲ ሥድራ ብጥበብን ዕድመን ጸጋን ዝዓበየ ደቅና እውን እዚ የድልዮም ርግጽ ነዚ ክትገብር ብዙሕ ትዕግሥቲ የድሊ ግን ግድን ክግበር አለዎ እንክብሉ ድሕሪ ተማሕጺኖም ንዝመጽእ ኪዳነምሕረት አብ ቻይና ንትዝከር ማርያም ሸሻን ናይ ሻንጋይ ብምዝካር ም እንቲ ቻይና ክጽለ ሓድራ ብማለት ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.