2015-05-21 16:30:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ግብረ ሰናይ ብሉጽ መገዲ እዩ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ህላወ ናይቲ ብኣባ ኦሪዮነ ዝተመስረተ ናይ መለኮታዊ ሓልዮ እግዚኣብሔር ተግባር ማሕበር ኣገልግሎት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምኽንያት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቁምስና ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሃና ዕለት 20 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ ቅዱስ ልዊጂ ኦሪዮነ በቲ ግልጽን ንጹርን እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ፍቕሪ ፍጻሜ የብሉን እቲ ዝዓበየን ብፍቕርን ግብረ ሰናይን ብዙሓት ብቤተ ክርስቲያን ክማረኹ ዘብቅዕ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ፍጹም ፍቕሪ ዝቖመ እዩ እንክብል ነዘስተምሃረና ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ብቓልን ሕይወትን ዝነበሩን ዘበሰሩን ምዃኖም ሓቢሮም፣ ማሕበረ ክርስቲያንን ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያንን ዕለት ብዕለት ንዘጋጥሞ ከበድ ሕይወት መፍትሒኡ ካብ ፍቕርን ኣብ ፍቕርን ከምዝኾነ ዘረጋገጹ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣባ ልዊጂ ኦሪዮነ ናብቲ ናይ ክርስቲያን ምዃን እንታይነት ዘተኵርን ንኣኡ ዝነበርን እዩ

ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ዝተወልደ ኣብ መላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለማት ናይ ፍቕሪ ተግባር ወንጌል ኣብሳሪ፣ ሕይወት ዝዘርኤን ኣብ ኢጣሊያን ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንዝፍጽሞ ተልእኾን መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክኽእል መታን ደገፍን ምትሕብባርን ዝተዓደለ እዩ። ከም ቅዱስ ጳውሎስን ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰን ካልኦት ቅዱሳትን ሰጋእ መጋእ ከየበለ ብቐጥታ ናብቲ ናይ ክርስቲያን ምዃን እንታይነት ዘበለ እዩ። ኣባ ኦሪዮነ ፍቕሪ ናይ ህልውናኦም ሕመረት ካብ ዝገበሩ ቅዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሓደ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ማሕበር ኦሪዮናውያን ኣብ ቫቲካን ጽኑዕ ተኣማንነት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ቅዱስ ኦሪዮነ ገና ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ናይ ሕንጸት ክርስትና መውሃቢ ተቛም ዝመስረተን ኣብ 21 ዓመት ዕድሜኡ ድማ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ መውሃቢ ሕንጸት ክርስትና ማእከል ዘቖመ እዩ፣ ገና ኣብ መንእሰይ ዕድሜኻ እትደልዮ ብንጹር ፈሊጥካ እሞ ዓቢይ ነቲ ዝዓበየ ፍቕሪ መግለጺ ዝኾነ ግብረ ሰናይ ንምፍጻም ክትበቕዕ ብሓቂ ትዕድልቲ እዩ። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ኣባ ኦሪዮነ እናሰፈሔን ብፍላይ ድማ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታት ቆይሙ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ምሉእ ሰብኣዊ ሕጽነት ብምቕራብ ካብ ድኽነት ንኽላቐቑ ዘብቕዖም ኩለ መዳያዊ ሕንጸት ክረኽቡ ብምድጋፍ ንድኻታትን ኣብ ድኻታት ንኢየሱስን ቤተ ክርስቲያኑን ዘገልገለ ቅዱስ ኢዩ።

ማሕበር ደቂ መለኮታዊ ሓልዮ መስሪቶም ካብቶም ዓበይቲ ሰለስተ ማሕላ ኣብቲ ብኣኦም ዝተመስረተ ማሕበር ንተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሉእ ተኣማንነት ዝብል ራብዓይ ማሕላ እውን ከምዘሎ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ጠቒሶም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ ፖስታ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ማሕበር እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከተ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.