2015-05-19 16:41:00

በርጠለመዎስ ቀዳማይ፦ ዛዕባ ምህዳር ዝዝትይ ካልኣይ ጉባኤ ጠሊቦም


ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ  በርጠለመዎስ ቀዳማይ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ደሴት ሃልቂ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካይድ ዛዕባ ከባብን ስነ ምህዳርን ዝዝትይ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ከምዝጸውዑ ናይ ቁስጥንጥንይ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ካላእይ ጉባኤ’ዚ እቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብታ መጽሓፈ ራእይ ዝተጸሓፈላ ደሴት ጳጦስ ዝተካየደ ቀዳማይ ናይ ከባብን ስነ ምህዳርን ዓውደ ጉባኤ ዘውጽኦ መግለጺ መሰረት ገይሩ ክንክን ከባብን ስነ ምህዳርን ኣብ ስነ ጽሑፋትን ፍልስፍናንን ሰነ ሓሳብ ዘለዎ ሰረት ኣብቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማይን በቶም ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ ሓደ ናይ ፐርጋሞ ጳጳስ ሜጥሮፖሊታ ዮኣኒስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸዋዕታ ክንክን ተፈጥሮ ዓውደ ጉባኤ ተመልኪቱ ከምዘሎን፣ ዕላማኡ ድማ እቲ ሰብኣዊ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ሳዕቤኑ ብዝተፈላለዩ ስነ ጽሑፋትን ፍልስፍናታት ዝቐርብ መግለጺ ብዕምቆት ንምዝታይ ዝኣመተ ምዃኑ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ሜጥሮፖሊታ ዮኣኒስ ብዘቕርብዎ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ ዝኽፈት ኰይኑ፣ ናይ ስነ ጽሑፍ ሊቅ ተርይ ተምፐስት ዊሊያምስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣንግሊካዊ ቲሞትይ ጎሪንገን ዘረባ ዘስምዕሉ ከምዝኾነን፣ ተፈጥሮ ብምክንኻን ነቲ ህያብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ናይ ስነ ጥበብን ስነ ፍልጠትን እስተንፍሶ ዝኾነ ጽባቔ ምድናቕን ምሕብሓብን ዝብል ጸዋዕታ ብዝተፈላለየ መገዲ ክትንትኑን ከቃልሑን ምዃኖም ገሊጹ፣ እታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስነ ምህዳር ዘማከለት ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ክትበቅዕ ምዃና ኣዘኻኺሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.