2015-05-15 19:11:00

ስድራ ቤት ዝተኮረ ትምህርተ ክርስቶስ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ ወትሩ ንምእመናን ትምህርተ  ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ  ትማሊ  ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽቡ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን  ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም። አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ስድራ ቤት ዝተኮረ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፡ አብ ሐንቲ ጽኑዕ ፍቅርን ምክብባርን ዘለዋ ስድራ ሰለስተ ወስነቲ ነገራት አለዉ ንሳቶም ክአ ፐርመሶ ፍቃድ ስኩሳ ይቅሬታ ግራጼ የቀንየለይ ከም ዝኾኑ አገንዚቦም።

አተሐሒዞም አብ ሐደ ስድራ ቤት እግዚአብሔር ወይ ክአ ሰይጣን አሎ አብታ ገዛ ዝነብር ስድራ ምርአይ የድሊ እታ ስድራ ክብራን ክብርትን  ተኸባቢራ ተፋቂራን ተሐላልያን ትነብር  እንተኾይና ሽግር የልቦን  ዘይትኸባበርን  እቲ ሐደ ነቲ ሕደ ሸለል ዝብልን ንኹሉ  ብአሉታዊ ገጹ ጥራሕ  ዝርኤን  ትሕትና እንየዘየልዩ ግን  እግዚኢአብሔር ዘለዋ  ሰላማዊት  ስድራ ቤት  ክብሀል አይክአልን  ኢሎም።

ሐደ ስድራ ቤት አብ ከውሒ ወይ ክአ አብ ሑጻ ዝተምስረተ ክኸውን ይኽእል እቲ አብ ከውሒ ዝምስረት ምክብባር ሕድሕድ ምትሕልላይ ፍቅሪ ፈሪሀ እግዚአብሔር ዘለዎን ብሥነ ሥርዓት ዝነብርን ክኸውን ከሎ እቲ ሕድሕድ ምክብባር ዘይብሉ ሐልዮ ዝውሐዶ ሸለልትነት ዘለዎ ስስዔ ዝተሐውሶ እንተኾይኑ አብ ሑጻ ከም ዝተመስረተ ኢዩ ክብሃል ይክአል እዚ ብቀሊሉ ዝፈርስ ኢዩ ማለት ኢዩ ብማለት ክአ ገሊጾም።

ርክብ ክልተ ዝተፈላለዩ ጾታታት አብ ቃል ኪዳን ዝተመርኮሰ ክኸን ከም ዝግባእ ጠቂሶም እንተኾነው”ን ፈተና አይገጥሞን ኢዩ ማለት አይኮነን ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ መጽሐፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ክአ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክፍትና ከሎ ብጽቡቅ አገባብ ከም ፈላጥ  ሥነ መለኮት  ኮይኑ ከም ዝፈተኖ  አዘኻኺሮምን ጠቂሶምን  ብጽቡቅ አገባብ ግን  እኩይ  ሐሳብ  ከም ዝነበረ  አመልኪቶም።

ስለዚ አብ ስድራ ቤት ትሕትና ሐልዮ ምክብባር ወሰንቲ ከም ዝኾኑን እዚ ሐንቲ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ክትገብሮ ዘለዋ ጉዳይ ከም ዝኾነን እዚ ሐባራዊ ናብራ ከይጉዳእ ከም ዝሕግዝን ክአ አገንዚቦም።

ሰብአይ ይኹን ሰበይቲ ዝኾነ ወላ ቀሊል ዝመስል ነገር ቅድሚ ምፍጻም ብትሕትናን ሥን ስርዓትን ፍቃድ ድዩ ከምዚ ክገብር ኢልካ ምሕታት ምስተፈቅደልካ ክአ እግዚአብሔር ይሃበለይ የቀንየለይ እዚ ቀሊል ዝመስል ግን ወሳኒ ዝኾነ አገባብ ናብራ ኢዩ ብማለት ክአ አተሐሒዞም ነቶም ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ህዝበ ክርስትያን ነጊሮም።

ግራዜ ማለት እግዚአብሔር ይሀበልይ ኢሉ ዘየመስግን ክርስትያን ቋንቋ እግዚአብሔር ዝረስዔ ኢዩ መጀመርያ ሥነ ስርዓት ኢዩ ንሰብ ምምስጋን ምኽባር እንተዘይኮነ ግን ካብ ሰብአዊ መስርዕ ምውጻእ ክኸውን ይኽእል ኢሎም።

አብ መወዳእታ ክአ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ምእመናን ስሩዕን መንፈሳዊ ሕይወትን ክነብሩ፡ ትዕግስተኛታት መስተውዓልቲ አብ እግዚአብሔር ጽኑዕ እምነት ዘለዎምን መሰኻክር መድኅን ጐይታና መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ክኸኑ ተላብዮም ሰናይ መዓልቲ ተመንዮምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮምዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.