2015-05-14 16:18:00

ሃገረ ቫቲካን፣ ቅዱስ አቦና፦ ሙዚቃ የሕብር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቕራቦም ዕለት 14 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብናይ ኢጣሊያ ከተማ ሳሌርኖ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ጉጅለን ብዳኒኤል ኦረን ብዝምራሕ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ መዘምራን ንድኻታት ብፍሉይ ዝቐርብ ናይ ውሁድ ሙዚቃ ምርኢት ኣሰናዳእንትን ሓለይትን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

ናይቲ ናይ ውሁድ ሙዚቃ ምርኢት ክቡራት ዕዱማትን ኣብቲ ናይ ክብሪ ቦታ ተዓዘብቲ ዝቕመጡ ድኻታት ክፍሊ ሕብረሰብ ከምዝዀኑን እንክፍለጥ ነቶም ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህላዌናን ዝርከቡ ግቡእ ክብሪ ምሃብ ገዛእ ርእስኻ ምኽባር ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣሰናዳእትን ሓለይትን ነቲ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብኽብሪ ዝዓደመ መደብ ምርኢት ውሁድ ሙዚቃ ምስንዳዎም ኣመስጊኖም ሙዚቃ ዘሕብርን ዓንዳዊ መንፈስ ዝዓሰሎን ነቲ ኣብ ምዃን ሰብ ዘሎ ደላይ ልዑልን ፍጹምን ባህርይ ዝገልጽን ካብ ጓሂ ዘላቕቕ እዩ፣  እቲ ብሙዚቃ ዝግለጽ ዘሕዝን እውን ዝመስል ቅንይት ኣብ ሕሰምን መከራን ክንረክብ እንከለና ናይ ምጽንናዕ ሓይሊ ዘለዎ እዩ፣ ብሓቂ ኣብቲ ተርባጽን ሸበድበድን ኣብቲ እውነተይና ሃሴት ካባና ዘርሕቕን ንታሕቲ ከነንቆልቁል ዝድርኸና ብግኡዝ ሃብቲ ንምድላብ ኣብ ዝጓየ ዓለም  ነቶም ድኻታትን ጽጉማትን ማእከል ዝገበረ ከምዚ ዓይነት መደብ ምቕራብ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሰብኣውነት ምዃን ዝምስክር እዩ እሞ ነዚ መደብ ብምስንዳውኩም አመስግነኩም፣ ንዅላትና ዘፍቅረናን ብፍቕሩ ኣቢሉ ድማ ናይ ሕውነት መንፈስ ዝመርሓናን ዝድግፈና ኣቦ ከምዘሎና ኣይንረስዕ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

እቲ መደብ ምርኢት ውሁድ ሙዚቃ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓዋርያዊ ሓልዮን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽርን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ንዝኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ቫን ቷን ዝቖመ ቅዱስ ማቴዎስ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ደገፍ ዝዓሰሎን እቲ ምርኢት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ዝእከበ ምጽዋት ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ግብረ ሰናይ መደብ መሳለጢ ዝውዕል ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 750 ልደት ዳንተ ኣሊጊየሪን ካብ ድርሰታቱ ዝተወስዱ ግጥምታትን ከምኡ እውን ናይ ፋሲካ መግለጺ ዝኾነ ተስፋን ሓጎስን ዘቃልሕ ብናይ ሙዚቃ መምህር ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ፍሪሲና ዝተደርሱ ሙዚቃዊ ቅንይት እውን ከምዝቐረበ ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣብ ልቢ ድኻታትን ተስፋ ዘበራብር እዩ ከምዝበሉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.