2015-05-07 13:52:00

ዝተመርዓዉ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ዘፍቀራ ክፋቀሩ አለዎም!


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ  ንምእመናን  ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ   ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽቡ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን  ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም። አብዚ ትማሊ  ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ  አብ ክርስትያናዊ ቃል ኪዳን  ዘድሀበ ከም ዝኾነ  ክፍለጥ እንከሎ፡ ዝተመርዓዉ  ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን  ዘፍቀራ  ክፋቀሩ  አለዎም ቃል ኪዳን ክአ  ክቡር ሚስጢር  ኢዩ ኢሎም።

ፍቅሪ ሰብ ቃል ኪዳን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ  ነታ ባዕሉ ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ዘርአዮ ፍቅሪ ዘንጸባርቅ ከም ዝኾነ   አገንዚቦም። ሰብ ቃል ኪዳን ነንሐድሐዶም  ከም ርእሶም ክፍቀሩ  ክልተ ፍጡራት አብ  ሐደ አካል ከም ዝኾኑ ክግንዘቡ  አድላዪ ከም ዝኾነ አተሐሳሲቦም። ርእሲ ኹሉ  ክአ ብቃል ኪዳን ዝተአሳሰሩ ሰብአይን ሰበይትን ማዕረ ከም ዝኾኑ ብምግንዛብ  ሰብአዊ ክብሮም  ዝተሐለወ ከም ዝኾነ ሐደ  ሰብአይ ካብ ሰበይቲ  ከም ዘይበልጽ በቲ ሐደ ወገን ክአ ከምኡ ስለ ዝኾነ ፆታዊ ፍልልይ  ጠርናፊ አካቢ  መተሐቋቁፊ ከም ዝኮነ ምርዳእ ከም ዘድሊ  አመልኪቶም።

ብዓይኒ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን  ሚስጢረ ቃል ኪዳን ፍቅርን እምነትን ዝጠመረ  ዓቢ ሚስጢር ከም ዝኾነ  አመልኪቶም  ክርስትያናዊ ቃል ኪዳን ክፍሊ ሐዋርያዊ ተልእኾ   ከም ዝኾነ ምርዳእ ከም ዘድሊ  አገንዚቦም። ሰብ ቃል ኪዳን  ተቢዖም  አብ ሚስጢር ቃል ኪዳን ክጸንዑ  ዘለዋ ሀረርታን ተስፋን  ልዑል ከም ዝኾነ ዘምልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ሚስጢረ ቃል ኪዳን  ጸጋ እግዚአብሔር  ከም ዝኾነ   ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽበ  ህዝበ ክርስትያን ገሊጾምሉ ።

ጥምረት ቃል  ኪዳን ስሩዕ  ሰብአዊ  ምድራዊ ሕይወት ብእግዚአብሔር  ዝተዋህበን ዝተፈቀደን  ክቡርን ሀብቲ ቤተ ክርስትያን  እዩ”ሞ  ሰብ ቃል ኪዳን  ነዚ ሚስጥር”ዚ ከኽብሩን ክዕቅቡን  ከም ዝግባእ   ነጊሮም። ድሕሪ ፋጽሜ ትምህርተ ክርስቶስ ክአ ካልአይ ውግእ ዓለም ዘብዓቀሉ መበል ሰብዓ ዓመት ዘኪሮም ሰብአዊ  ሕብረተ ሰብ ዓለም፡  ካብቲ ቅድሚ 70  ዓመት  ዝተኻየደ ካልአይ ውግእ ዓለም  ዝተግበረ ጌጋን  አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብን ንብረትን ዘኸተሎ ዕንወት ተማሂሩ  ባህሊ ሰላም ከማዕብል ይምሕጸን ኢሎም፡ አተሐሒዞም ክአ አብዚ  እውናዚ”ውን እንተኾነ አብ ዝተፈላላዩ ኩርንዓት ዓለም  ዝርኤ ዘሎ ህውከትን ግጭትን  አብ ልዕሊ ህዝቢ ስቃይን መከራን የስዕብ ስለ ዘሎ  ዝምልከቶም አካላት ክገትእዎ  ተላብዮም። አብ መወዳእታ  ምስ ምእመናን  ሐቢሮም ሥርዓተ  ጸሎት ፈጺሞም ንምእመናን  ሰናይ መዓልቲ ተመንዮምን ተፋንዮምዎም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.