2015-05-05 16:19:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ዓለም ሓቆፍ ሱቕታ ስለ ዒራቕ ዳርጋ ክሕደት


ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ቡራኬ ንዒራቓውያንን ዒራቕን ከምኡ እውን መንግስቲ ዒራቕ ንኢራቓውያን ማሕበረ ክርስትያን ጸጥታን ድሕነት ውሕስነት ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ ቃል ምስጋና ንምብጻሕ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ  ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክዝከር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም እቶም ኣደዳ ዓመጽ

ኰይኖም ዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቓውያን ገዛእ ሃገሮምን ቤቶምን ሓዲጎም ክስደዱ ከምእተገዱን ብዙሓት እውን ናይ ደም መስዋዕትነት ይኸፍሉ ከምዘለዉ እንከመልክቱ፣  ነዚ ናይ ዒራቓውያን ስደትን መከራን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብሱቕታ ክምልክቶ ዳርጋ ክሕደት ምዃኑ ኣብ ዱሆቅ ኩርድስታን ዒራቕ ኣብ እትርከብ ናይ ከላዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእምናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝሳቐን ድኻን ኣብራኽና ዓጺፍና ክንብርከኽ ይግባእ እግዚኣብሔር ወትሩ ዘይቕየር ኣሙን እዩ፣ ክሕደት ናይ ሰብ እዩ፣ ሕዝቢ ዒራቕ ዝነብሮ ዘሎ ጽንኩር ህልዉ ኩነት ናብቲ ኢየሱስ ክርቶስ አዚዩ ቀረባ ምዃኑ የረጋግጸልና፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሳል ዝነብር ሕዝቢ ምዃኑ የረጋገጽ ቢሎም፣ ነቶም ምእመናን ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ሓዋርያዊ ቡራኬን ኣቕሪቦም ኣብ ቅድሚ ስቓይኹም ኣብራኽና ዓጺፍና ንንብርከኽ ኣሎና ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ናብቲ ኣብርሃም ድምጺ እግዚኣብሔር ሰሚዑን ነቲ ናይ ልዑል ፈጣሪ ድምጺ ተኣዚዙን ነቲ ዝነበረሉ ስፍራ ሎሚ ንስኻትኩም እትርከብሉ ስፍራ ሓዲጉ ከምዝነገደ ዘኪሮም እዚ ንግደት’ዚ ድማ ሎሚ ንስኻትኩም ኣብ ሕይወትኩም ትምስክርዎ ኣለኹም። እዋናዊ ኩነታት ከባቢኹምን ዕለታዊ ጽንኩር ኩነት ሕይወትኩምን ናይ ምዕራብ ዓለም ሕልና ዘበራብር ሕቶ እዩ፣ ንጐይታ ምሕረትን ይቕረታን ድንጋጼን ብሓባር ንለምን እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.