2015-05-02 15:39:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናብቶም ርሑቕ ናብ ዝርከቡ ነብል


ዕለት 1 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረ ክርስቲያን ኩርሲሎስ ማለት ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ግስጋሰ ክርስቲያን ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ ቐትሪ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ  ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ቅዱስነቶን ነቶም ኣብ ኣርባዓታት ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ማዮርካ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብመንእሰያት ክርስቲያን ዜጋታት ስፐይን ዝቖመ ካብ 1970 ዓ.ም. ንነጀው ድማ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝሰፍሔን ኣብ ኢጣሊያ ካብ ዝኣትው ድማ መበል 50 ዓምቱ ዘቑጽር ዘሎ ንማሕበረ ክርስቲያን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕኡ ከለልይ ምድጋፍ ዝብል መፍንፈሳዊ ዕላማ መሰረት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ምዃኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ኣስዒበን፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ካብቶም ነቲ ማሕበር ዝመስረቱ ኤድዋርዶ ቦኒን ኣግዪሎን ኣብ ማዮርካ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ሀርቫስ ይ በነት ጠቒሶም ከይፈርሑ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብኣኽብሮትን ብክርስትያናዊ ፍቕሪ እናቐረቡ ኣብ ጉዕዞ እምነት እናሰነዩ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጸዋዕታኡ ከለልይ እናደገፉ ኣብዚ ልዑል መንፈሳዊ ዕላማ ማሕበረ ክርስትያንን ቤተ ክርስቲያንን ዘገልገሉ እያቶም፣ ሎሚ እቶም ናይቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሖም ነቲ ማሕበር ዝመስረቱ ዘመሓላልፍዎ መፍነሳዊ ውርሻ ናቶም ገይሮም ኣብቲ መንፈሳዊ ዕላማ ተጸሚዶም ዘገልግሉ ዘለዉ ሎሚ ከም ቀደም ካልእ ሃይማኖቱ ክቕይር እትሰብኩ ዘይኰነስ መሰኻኽር እምነት ብቓልን ሕይወትን ኢኻትኩም ከምዝበሉ ሓቢረን።

ከይደኸምኩም ወትሩ ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ህላዌናን ኣብሉ፣ ኣብቲ ናብ ዝብል ተልእኾኹም ሓደራ ኣይትድከሙ፣ ካልኦት ኣብ እምነት መታን ክዓብዩ ወትሩ ካብ ገዛእ ርእስኹም ወጺእኩም ናብ ካልኦት ናይ ምባል ተልእኾኹም ብጸሎት ኣሐይሉ፣ ናይቲ ሸርፊ ወይ ድማ ቅያር ዘይሓተና ኩሉ ብናጻ ዝዕድለና እግዚኣብሔር ለውሃትን ሓልዮትም መስክሩ ከምዝበሉ ሮበርታ ጂሶቲ ገሊጸን።

ብርግጽ በቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘለኩም ውዕዉዕ ዕርክነት ድማ በሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዓለም ኣብ ሕይወት እምነት ክዓብዩ ደጊፍኩምን ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ረአዩለይን ስምዑለይን ከይበልኩም ነቶም በቲ ናይ ሎሚ ዓለም መለለይኡ እናዀነ ዘሎ ምንጻልን ምውጋድን ዝብል ባህሊ ተጠቒዖም ተነጺሎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ተሓዲጎም ናብ ዝነብሩ ዜጋታትን ኣባይቲ ስድራን ቀረባ ብምዃን ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ መሰረት ገይርኩም እትፍጽምዎ እንጋደ ዝነኣድ እዩ ኢሎም፣ ሓደራ ኣብ ገዛእ ርእስኹም ኣብቲ ውሑስ ኰይኑ ዝስመዓና ጉጅለኣውነት ከይተዓጸና ናብቲ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ዓቐን ክፉታት ንኹን፣ ንኻልእ ምድጋፍ ክንደይ ደስ የብል፣ ኣብ ጉዕዞ እምነት እውን ድኻም ይሃሉ ወትሩ ምስታ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ርክባትኩምን ኣብኣ ምንባርን ኣተባብዑን ንበሩን ከምዝበሉ ጂሶቶ ሓቢረን።

ነቶም ርሒቖም ዝርከቡ እናቐረብኩምን ብዘይ ግብረ ኣስዳዕነት ካብቲ ውልቃዊ ጣዕምን ምቹእነትን ወጺእኩም ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ህላዌናን ኣብሉ ብዙሕ ጊዜ ደጋጊመ ዘቕርቦ ምዕዳን እዩ። እቲ ግስጋሲኹም እውን ናብ ክርስቲያን ስድራ ዘብል ክኸውን ኣለዎ፣ ስለምታይ እቲ ክርስቲያን ባህሊ ናብ ኢክርስቲያንነት ብዝመርሕ ዘሎ ባህሊ ዝተጠቕዔ ብምዃኑ ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ትጉሃት ኩኑ፣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ተኣመኑ፣ እምነት ኣብ ቅዱስ መንፈስ ይሃልኹም፣ ድልያ ካልእ ሃይማኖትን ካልእ ርእየት ዓለምን ዝኣመሰለ ፈተና ከጋጥም ዝከኣል ኢዩ፣ ኢየሱስ ግና ንበይንኹም ኣይክሓድገኩምን እየ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ክልእኸልኩም እየ ኢሉና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነዘቕርበልና ሕዳሴ ክፉታት መታን ክንከውን ጸላያን ንኹን፣ ለምኑ ዃሕኩሑ ሕተቱ ኢሉና እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ክምልሰልና እዩ፣ ብዘይ ጸሎት ኣብ ክርስትና እምነት ምንቅስቓሳት ቤተ ክርስቲያን እውን እንተዀና ንቕድሚት ክብላ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ርስኻ ሓይሊ ምትእምማን ውድቐት እዩ፣ ናይቲ ዘድሕንን ትርጉም ሕይወት ዝዀነን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምብሳር ክንደይ ባህ የብል እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ሮበርታ ጂሶት ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.