2015-05-02 15:44:00

ሃገረ ቫቲካን፦ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ንስኡናት ኣዴታት መዕደል ሰብኣዊ ደገፍ


መእለይ ቆልዑ ድኻታት ኣዴታት እነሆ ብዝብል ስም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ነተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልየን ኣዴታት ማእከል መዕደል ደገፍ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርግዝን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኒስ ላህዚ ጋይድ ኣብ ዝተሳተፍሉ ስነ ስርዓት ተመሪቑ ከምእተኸፍተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣባይትን ተቛማታን ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዘይምግዳስ ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዓለም ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ደሴት ዝዀነ ንኻልእ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሕሱም ድኽንት ንዝርክበ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ንምዃን ዘተባብዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰንና ዝምስክር ቤት መእንገዲ ንድኻታት ኣዴታት ክምዝዀነ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝቖመ ሓድሽ መእለዪ ቆልዑ እነሆ እተሰምየ ንድኻታት ኣዴታት መእንገዲ ማእከል ሓላፊት እናቴ ኣንቶኔታ ኮላኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት፦ እቲ መእለይ ቆልዑ እተሰምየ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝቖመ መእለይ ኣዴታት ንሓንቲ ኣደን ውላዳን ዘድልይ ክንክን ጥዕና መውሃብን መሰረታዊ ሕክምና ጥራሕ ዘይኰነስ ኩሉ ፍሉዩ ዘድሊ ዓይነት ኣግልግሎት ሕክምና ንጓል ኣንስተይቲ ዝወሃበሉን ንሓንቲ ኣደ ዘድሊ ሕክምና ዝቀርበሉ እዩ። ኣብዚ ዝቖመ መእለይ ቆልዑን ኣዴታትን ማእከል ግብረ ሰናይ ንመጻኢ ናይ ክትባት ኣገልግሎት እውን ናይ ምቕራብ መደብ ክልዎ ምዃኑ ድሮ ተሓሲቡ ኣሎ ኢለን።

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቨርገዝ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብቲ ናይ ምረቓ በዓል ተሳቲፎም ነቶም ኣብቲ መዕደል ኩለ መዳያዊ ደገፍ ንዴታት ተዋፊሮም ነኸገልግሉ ስንድዋት ንዝዀኑ ወለንተይናታት ኣመስጊኖም ንሕጻናትን ትሑታትን ምግልጋል ንኢየሱስ ምግልጋል እዩ፣ እምነት ብቓልን ሕይወትን ንምምስካር ዘተባብዕ ኣገልግሎት እውን ምዃኑ ገሊጾም እዚ ሓድሽ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝቖመ መእለይ ሕጻናትን ኣዴታቶምን ነቲ ኣብ ከባቢ ቅዱስ ጴጥሮስ ብደቂ ማድረ ተረዛ ዝቖመ መበል 90 ዓመቱ ዘቑጸረ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዘሕይል ከምዝኾነን ኣብቲ ናይ ደቂ ማድረ ትረዛ ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል ዝሓለፈ ዓመት 500 ሕጻናት ኩለ መዳያዊ ደገፍ ከምእተገበረሎም ዘኪሮም፣ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ወለንተይናታት ዘዋፈረ ከምዝኾነን ዕለት 14 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ደቂ እናቴ ተረዛ ናይ ግብረ ሰናይ ማእከል ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣክይዶም ከምዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.