2015-04-30 16:25:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ኣብ ዒራቕ


ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ ዕለት 5 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ቡራኬ ንዒራቓውያንን ዒራቕን ከምኡ እውን መንግስቲ ዒራቕ ንኢራቓውያን ማሕበረ ክርስትያን ጸጥታን ድሕነት ውሕስነት ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምስጋና ንኸብጽሑ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዕለት ሓደ ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ባግዳድ ኣብ እትርከብ ከለዳዊት ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ምስቶም ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ተዓቝይቦም ምስ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቓውያን ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቀጺሎም ኣብ ኩርድስታን ዒራቕ ከባቢ ናብ እትርከብ ከተማ ኤርቢል ክኸዱን ቀጺሎም እውን ኣንካዋ በጺሑምን ካብቲ እስላማዊ ሃገር ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍንዎ ዓመጽን መጥቓዕቲ ጸረ ክርስቲያን ገዛእ ርእሶን ነኽድሕኑ ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ምስ ዝተመዛበሉ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ነነዌ  ምስ ዝርከቡ ማሕበር ክርስቲያን ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዕለት ሓደ ግንቦት 2015 ዓ.ም. ናብ ዒራቕ ቅድሚ ምንቃሎም ዕለት 29 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ “ክርስቲያን ማሕበረሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፦ ኣብ ከመይ ኩነትን መጻኢ? ብዝብል ኣርእስቲ ንዘዳለዎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዘረባ ንኸጀምሩ ኣብታ ከተማ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.