2015-04-30 16:19:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ድኻ ኣብራኹ ዓጺፉ ይንበርከኽ


ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ለዋህን ሓላይት ንድኻታትን እያ ኣብ ዝብል ዓሚይቕ ድላይ  መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ብራንካቾ ኣዳራሽ ቤት ትያትር ዕለት 29 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ሮማ ናብ ዘዳለዎ ምርኢት ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ንኣኻ እተዘይከውን ነይሩ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተደርሰ ትያትር ጨንፈር ካሪታስ ሮማ ዘሰናደዎ ምርኢት ብተዋሳኢ ካርሎ ደ ጁዲቺ መርሕነት ዝቐረበ ኽከውን እንከሎ ናይቲ ምርኢት ኣታዊ ንመደባት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ምዃኑ ናይ ሮማ ሰበኻ ዝውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፣ ዛዕባ ድኽነት ዘዘንትው ምርኢት እውን እንተዀነ ድኽነት ተመኩሮ ዝገበረ ብዛዕባ ድኽነት ዘዘንትው ትያትር እውን እንተዀነ ሕሱም ናብራን ድኽነትን ግና ልበ ወለድ ታሪኽ ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሕላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ኣፍሊጦም፣ እቲ ንድኽነት ዝዳርግ ኩነትን ከምኡ እውን እቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ዜጋ ዕለታዊ መነባብሮኡን ዕለታዊ ሕይወቱን ዘዘንትው ምርኢት ክኸውን እንከሎ፣ ድኽነት ገጸ ባህርይ ለበስ ዝገበረ ታሪኽ ዘዘንትው ትያትር እውን እንተዀነ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ብጻይካ ኣሕሊፍካ ምሃብን መዓጹ ልብኻን ኣባይትን ንድኻ ምኽፋት ዝብል ክቡር ዋጋ ዘነጽር ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።

መን እዩ ካብ ግዳም ሓደር ዜጋ ትምህርቲ ክቐስም ዝከኣል እዩ ቢሉ ዝሓስብ? ግዳም ሓደር ቅዱስ ክኸውን ዝኽእል እዩ ቢሉ ዝኣምን ኣሎ ዶ? ድኽነት ዓቢይ ትምህርቲ ፍቕርን ዛዕባ ድኻ ዘድልዮን ኣብ ምፍቓር ንኻልእ ዝሃንጽ እዩ፣ ምትሕብባርን ኣብ ድኽነት ፍቕሪ ናይ ኣቦ ብዕምቆት እምነት ንምባር ዘብቅዕ ኵነት እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቓልን ሕይወትን መምህር ናይ ኣካለ ክርስቶስን ናይቲ ናይ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ህላዌን መምህር እዮም። እቲ ትያትር ነዚ ብምቅላሕ ድማ ንድኻታትን ንኣባይቲ ስድራን ንውላድን ዝንበር ፍቅሪ ናይቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ መግለጺ ምዃኑ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ ዘድምዔ እውን ምንባሩ ደ ካሮሊስ ገሊጾም፣ ድኻ ንሕብረሰተብ ከበድ ወይ ድማ ሸኽሚ ዘይኰነስ፣ ናይ ጐይታ ህላዌ እነረኽበሎም ገጽ ጐይታ እነስተውዕለሉ ሰብ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይነ ድሕሪ ዝትሓረኹላ ዕለት ናይቶም ንጐይታ ቀረባ ዝኾኑ ዝተናዕቁን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ጸሎት የድልየኒ እዩ እንክብል ዘቕረብክዎ ሓደራ ናይ ጸልዩለይ መልእኽቲ መልሲ ረኺበሉ እየ። ወትሩ ምእንቲ ድኻታት ስንድው እየ እንክብል ዝገለጽክዎ ሃሳብ ሎሚ እውን ደጊመ የሕድስ፣ ምእንታይ ጸልዩ ጸሎትኩም የድልየኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልእኽቲ እውን ምንባሩ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።

ቤተ ክርስቲያን ሮማ ናይ ምሕረትን ሓልዮትን ለውሃትን መምህር እያ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰማዕት ቅዱስ ሎረንዞ ክሳብ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ናይ ካሪታስ ማሕበር ዘቖሙ ኣባ ልዊጂ ዲ ሊየግሮ ዘኪሮም ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕያዋይ ጓሳ መንፈስ ብቓልን ሕይወት እትነብር እያ። እዚ ድማ ጸዋዕታኣ እዩ። በቶም ግብረ ሰናይ ዘቕርቡ ዜጋታት ኣቢልና ምስቶም ሓገዝን ደገፍን ቅርበትን ዘድልዮም ንራኸብ፣ ፍቕሪ ክንመሃር እንተድኣ ንደልይ ኰይና ገዛእ ርእስና ንኽፈት ንኻልእ ንምቕባልን ምእንጋድን ጽን ምባልን ገዛእ ርእስና ምውፋይን ክንመሃር ይግብኣና ቢሎም፣ ከተማታትና ብዝተፈላለየ ጸገም ንዝስደድን ዝመዛበልን ከርተት ንዝብልን ዘእንግዳ ክዀና እምነይ፣ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ኣላይትን ሓላይትን ድኻታት ምዃና ዕለት ብዕለት እዚ ፍቅሪ ክትነብር ክንደይ ባህ ምበለኒ፣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓደ ድኻ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትው እንከሎ ጐይታ ናብ ቤተ ክርስቲያን ይኣትው ከምዘሎ ኣሚኑ ኣብቲ ድኻ ኢየሱስ ኣለልዩ ኣብ ቅድሚ እቲ ድኻ ተንበርኪኹ ክጽልዩ ይግባእ። ኣብ ቅድሚ ድኻ ኣብራኽና ዓጺፍና ምጽላይ ንመሃር እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.