2015-04-30 17:05:00

ምስክርነት ጣዕሚ ቃልኪዳን ንዘሎ ቅልውላው ሥድራቤት ከሸንፎ ይኽእል፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብቲ ልᎀድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ እንክኸውን፤ ከም ወትሩ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሮማን ከባብን ብዝመጹ ምእመናን ዓድን ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ብዝመጹ ነጋድያንን ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኡ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅድሚ ትምህርቲ ብማእከል እቲ ሕዝቢ ብምዝውዋር ንገሊኦም ብማዕዶ ንገሊኦም ከአ ብቀረባ ሰላምታ እንከቅርቡ ንሕጻናትን ሽማግለታትን ግን ሓቍፎም እናሰዓሙ ባሪኾም፣

ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝጀመርዎ ብዛዕባ ሓዳርን ቃል ኪዳንን ሥድራቤትን ዝምልከት አስተምህሮኦም ብምቅጻል አብቲ ኢየሱስ አብዚ ምድሪዚ አገልግሎቱ እንክጅምር መኽፈቲ ምልክት ክብሩን ግርማኡን አምላኽነቱን ዝኾነ ቀዳማይ ተአምር ቃና ዘገሊላ ብምትኳር ነቲ ኢየሱስን አዲኡ እኖና እግዚእትነ ማርያምን ቀዳሞት ተኸተልቱን ዝተረኽቡሉ ዕድለኛን ምሩቅን መርዓ ብምጥቃስ ምስቲ አብ ዝኃለፈ ሳምንታት አብ ኦሪት ዘፍጥረት እግዚአብሔር ኩሉ ፍጥረት ምስ ፈጸመ ነቲ ዝለዓለ ፍጡር ማለት አዳም ከምዝፈጠረ ተባዕታይን አንስታይን ገቢሩ ከአ ከምዝፈጠሮ እዚ ከአ ሰብአይን ሰበይትን ተማላላእቲ ከምዝኾኑ ከምዘመልክት ምስ ዘስተምሃርዎ ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ አቅርቦም፣

ቅዱስነቶም አብ ዘሎናዮ ህልው ኩነታት ሓዳርን ናብራን ብምትኳር ብቀንዱ እቶም ተካእቲ ወለዶን አውሓስቲ ኅብረተሰብን ክኾኑ እንምነዮም መንእሰያት ካብ መርዓ መህደሚኦም እንታይ ኮን ይኸውን? እቶም ቁሩብ ቍራቦ ሰብ ቃል ኪዳንን ሓዳርን እውን ክፋትሑን ክፈላለዩን ዝረአዩሉ ምኽንያት ከ እንታይ ኮን ይኸውን? ቢሎም ይሓቱ እሞ ርግጽ ካብቲ ብዙኃት ዝብልዎ ቍጠባዊ ቅልውላውን ካልእ ጸገማትን ይብሉ፣ እንተኾነ ሽሕኳ ቍጠባዊ ጸገም ካብቲ ጸገማት ሓደ ክኸውን እንተኻአለ እቲ ቀንዲ ጸገምሲ ካብ ጐይታ ምርሓቅ ኢዩ፣ ብስም ጐይታ ዝተገብረ ቃል ኪዳን ውሕስነት ስድራቤትን ማኅበረሰብን መላእ ዓለምን ኢዩ፣ ንጐይታ ከምቲ አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ ምስ አዲኡ ክንዕድሞ የድሊ፣  አብ ስድራቤትና እውን ከሰንየናን ክሕግዘናን ምሳና ክጐዓዝን እንተዘይዓዲምናዮ ክንዕወት አይንኽእልን፣ ካልእ ብዙኃት ከም ምኽንያት ናይ ፍትሕን ዘይምስምማዕን ዝምልከትዎ ጉዳይ ማዕርነት ደቂ አንስትዮ እንክኸውን በንጻሩ ከአ ነዙይ ዝጻባዕ ተባዕታዊ ልዕልነት ዘመልክት አብ ኅብረተሰባን ዝዝውተር ካብ ዘይተማዓራረየ ደሞዝ ጓል አንስተይትን ወዲ ተባዕታይን ጀሚርካ ክሳብ ባርነታዊ አተሓሕዛ ዘመልክት ኩነታት ከምዘሎ ከአ ዘይምዝንጋዕ የድሊ፣ ስለዚ ኩሉ ብዓይኒ ፍትሒ ብምምልካት ንማዕረ ሥራሕ ማዕረ ደሞዝ ክግበር ሓደራ ምስ በሉ አደራዕ ናይ ፍትሕን ሳዕቤናቱን ዝወርዶምን ዝሳቀዩን ግን እቶም ፍረ ስድራቤት ዝኾኑ ተአፈፍቲ ሕጻናት ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቲ ዝገደደ በሰላ ከአ እዞም ንጹሓት ሕጻናት እዚኦም ካብዞም ከምዚ ዓይነት ወለድን ኅብረተሰብን ዝመሃርዎ ቃል ኪዳን ንግዜኡ ክሳብ ዝጠዓመካ ኃቢርካ እትነብሮ ዝብል ስእሊ ስለዘስርጹ ዳርጋ ናይ ግዝያውነት ባህሊ ዝዓበለሎ ወለዶ ክፈሪ ይከአል፣ ስለዝኾነ ከአ ክሳብ ዝተሰማምዕናን ነገራት ከም እንደልዮ ዝኸዱን ብሓንሳብ ንነብር እንተዘየሎ ንፋታሕ ዝዓይነቱ ባህሊ ሰሪጹ አሎ፣ ቢሎም፣

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ስለዚ ብዙኃት መንእሰያት እዚ ኩነታት እዚ ስለዘፍርሖምን ከይጋገዩ ስግአት ብምሕዳርን ነባሪ ቃልኪዳንን ሓዳርን ገሮም ሥድራቤት ክምስርቱ አይደልዩን፣ ወረ ገሊኦምሲ አይሓስብዎን እኳ፣ እዚ ፍርሂ እዚ ከአ ነቲ ሕያው ቃል አምላኽ ሰሚዖም ልቦም ከይትንከፍን ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ተስፋ ማለት ምሥጢረ ቃል ኪዳን ንሓድነት ሰብአይን ሰበይትን ዘጽንዕ ክሳብ ጊዜ ሞት ንስድራ ቤት ዝጠምር ጸጋ ከምዝህብ ይዝንግዑ፣ ምስ በሉ እቲ እንኮ ፍታሕ ቃልኪዳን ክርስትያን ብጣዕሚ ምቍርን ሕይወትን ታሕጓስን ዝህብን ምዃኑ ምምስካር ኢዩ፣ እዚ ምስክርነት እዚ ጥራሕ ኢዩ ነዞም ንሓዳርን ቃልኪዳንን ሥድራቤትን ተሓሪሞም ዘለው መንእሰያትና ክስሕቦም ዝኽእል፣ ብ እግዚአብሔር ዝተባረኸ ቃልኪዳናዊ ሥድራቤት ከምቲ እግዚአብሔር አብ መጀመርያ ፍጥረት ነቦና አዳምን ሔዋንን ክፈጥሮም እንከሎ ዝባረኾ ምንጪ ሓጐስን ሰናይ ነገርን ናይ ሓዳርን ስድራቤትን ይኸውን፣ ማዕርነት ሰብአይን ሰበይትን እውን የረጋግጽ፣ ከመይ ሥርዓተ ተክሊል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቃና ዘገሊላ ባሪኹ ምስ አሓደሶ አብተን ቀዳሞት ናይ ክርስትያን ምስክርነት ከምእረኽቦ ነቲ አብ ኦሪት ሙሴ ብሰንኪ ትሪ ልቦም አፍቂድሎም ንዝነበረ ሰብአይ ብብዙኅ ምኽንያት ንሰበይቱ ዝፈትሓሉ ንዝነበረ ሕጊ ስዕሪዎ ንርኢ፣ ጐይታ ባዕሉ እውን ነቲ አብ ኦሪት እግዚአብሔር ዝበሎ ሰብአይን ሰበይትን ሓንሳብ ምስ ተጻመሩ ሓደ ሥጋ ይኾኑ እግዚአብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ አይፍለዮ ብማለት ፍጽምና ንዝሃቦ አብ ግብሪ አውዒሎሞ፣ በዚ ከአ እንኮ ፍታሕ ናይዚ አንጸላልዩና ዘሎ ፍርህን ምጥርጣርን መንእሰያትና ብዛዕባ ሓዳርን ስድራቤትን ከምኡ እውን ነዚ ዓብሊሉና ዘሎ ባህሊ ግዝያዊነት ማለት ቃል ኪዳን ከይአሰርካ ንግዚኡ ብሓባር ተአኻኺብካ ምንባርን ውሕስነትን ጽንዓትን ጸጋ ምሥጢረ ተክሊል ዘዘንግዕ ኩነታት ክአልየልና ዝኽእል ቃልኪዳናዊ ሓዳር ክርስትና ምዃኑ ምግንዛብን እቶም ድሮ ነዚ ዝበቅዑ ከአ ጣዕሚ ናይ ቃልኪዳናዊ ሓዳርን ሥድራቤትን ክምስክሩ እንከለው ኢዩ ክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.