2015-04-30 16:21:00

ሃገረ ቫቲካን፦ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰነድ ጸረ ንግድ ሰብ


ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ብእዋናውን ሓድሽ ግሊያነትን ዝፈጥሮ ስቓይ ዘማከለ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰነድ ጸረ ንግድ ሰብ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮን ዋና ጸሓፊኦም ሚከል ሮይ ብዝሃብዎ መገልጺ ብወግዒ ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

እቲ ሰነድ ናይ ክርስቲያን ጻዕርን ኣገልግሎትን ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ እንታይ ከምስልን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ዘነጽርን ሰብ ክሽየጥን ክልወጥን የብሉን፣ ሰብ ግኡዝ ነገር ኣይኰነን ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ዘማከለ ሰነድ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስቓይን መዓትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወርድ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጠሪሹ መታን ክጠፍእ ኩሉ ድላዩን ዓቕሙን ኣዋዲዱ ክቃለስ ይግብኦ። ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ግና ሸለል ምባሉ ናይ ሓደ ስልጡን ሕብረተሰብ መግለጺ ኣይኰነን። ጸያፍ ተግባር ክውገድ ማሕበረ ክርስቲያን ሓይሉ ከበርትዕ ይግብኦ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን እዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ኣብ ዓለም ጠሪሹ ከይህሉ ንእትካይዶ ጻዕሪ መርሕ ከምዝዀነ እውን ክፍለጥ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ኣብ ዓለም በቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝተጥቕዑን ኣብ ሓድሽ ግሊያነት ዝወደቑን ዜጋታት በሸሓት ዝቑጸሩ ምዃኖም እንክፍለጥ፣ ብትኽክል ድማ 2 ሚሊዮን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ከምዝዀኑን ንግድ ሰብ ዘካይዱ ገበነይናታት ንምቁጽጻርን ንፍርዲ ንምቕራብን ዝግበር ጻዕሪ እዚዩ ድኹም ከምዝመስል እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጸብጻብ የረጋግጾ።

ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ነጻነቶም ተነፊግዎም ንዝተፈላለየ ጸያፍ ተግባር መሳለጥያ ንኽኾኑ ከም ግኡዝ ንነር ዝሽየጡን ብሓድሽ ግሊያነት ተግባር ዝጥቅዑን በስገዳድ መጋበሪያ ጸያፍ ተግባር ኰይኖምን ኣብ ጽንኩር ጸረ ሰብኣዊ ዕዮ ዝትዋፈሩን ብሓፈሻኡ እቶም ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ዓመት ብጠቕላላ 32 ሚልያርድ እቶት ከምዝረኽቡን እዚ ጸያፍ ተግባር’ዚ መላእ ሃገራት ዓለም ክቃለስኦን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን ኣስፊረን ተሓታቲ ንግቡእ ፍርዲ ኣብ ምቕራብ ተግባር ክተግሃ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ንግድ ሰብ ሰነድ ከምዘተሓሳስቦ ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ኣቢቲ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ንግድ ሰብ ከም ልሙድ ዝቕበል እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ሽለልተይና ባህሊ ክውገድ መላእ ሃገራት ዓለም ካብቲ ዘይምጋድስ ባህሊ ክላቐቓን እቲ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ኰይንካ ምንበር ክውገድ መታን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያንን ማሕበራዊ መዳያትን መራኸቢ ብዙሓንን ሕንጸት ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ክሰፍሕን ክቃላሕን ኣብ ምቅላሱን ምውጋዱን ናይ ኵሉ ጻዕሪ ክዋደድ ዘብቕዕ መደብ ሕንጸት ክሰፍሕ ዝብል ሓሳብ እውን ሰፊሩ ከምዘሎን ነዚ ጸያፍ ተግባር ንምውጋድ ዓውሎማዊ መስርሕን ሕግን ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ ዝብል ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና  ጂሶቲ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ይብሉ ቅድም ቀዳድም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኩለን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ናይ ገዳማውያን ማሕበራትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ምንቅስቓስ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ምቅዋም ጸረ ንግድ ሰብ ክተግሃ መታን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰነድ ጸረ ንግድ ሰብ ዘማእከለ ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ ብምቕራብ ክምርሓ ከምዘለወን ገሊጾም፣ ኩሉ በቢ ሞያኡን በቢ ሓላፍነቱን ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ክዋፈር መታን ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ተቛማታን ማሕበራታን ኣቢላ ከምእተነቓቕሕን ኣብ ምኻባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምእተሓንጽን ከምዘረጋገጹ ጁሶቲ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.