2015-04-28 16:25:00

ዮሓንስ መበል 23 ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ዝዓሰሎም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ


ዕለት 27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ናይቶም ሕያዋይ ር.ሊ.ጳ. ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ዮሓንስ መበል 23 ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቢላ ዝሰመየትሎም መበል ቀዳማይ ዓመት ኣዋጅ ቅድስናኦም ከምእተብዓለ ክሕበር እንከሎ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ማኅበር ኣቦ መንበር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ቁምስና ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ኮልቺኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት በዛ ዓባይ ዕለት ምኽንያት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ታሪኽ ዘዘንትው ምርኢት ኣሳእል

ከምዝቐረበን ብፍላይ ድማ ኣብታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ቅዱስ ኣባና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዮሓንስ መበል 23ን ቅድስና ዝኣወጁላ ዕለት ዘዘንትው ናይ ስእሊ ምርኢት እውን ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ሓቢሮም፣  ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፍቃር ዓቢይን ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስን እንክብሉ ምስ ገለጽዎም እታ ሰላም ኣብ ምድሪ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም እዋናውነታ ኩሉ ዝምስክሮ ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ እቲ ዝነበሮም ነቢያዊ ጸጋ ዝሕብር እዩ ኢሎም።

ኣብ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 መንፈሳዊ ንግደት ንዝፍጽሙ ምእመናን ዝእንገድሉን ምስ መንፈሳውነት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝላለይሉን ኣብዚ መዳይ ዝድግፎም ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት እውን ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣመልኪቶም ዕለት 17 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣባላት ካህናትን ኣሓውን ማሕበረሰብ ታይዘ ኣብታ ቁምስና ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 መንፈሳዊ ንግደት ከካይዱ ምዃኖምን እዚ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ምስ መንፈሳውነት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዘለዎ ርክብን ሓደኣውነትን ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ዮሓንስ መበል 23 ተኣዛዚ ቤተ ክርስቲያንን ብፍቅሪ ቤተ ክርስቲያን ዝተቓጸሉ ከም ካህን ጳጳሳን ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያን ዘገልገሉ እዮም፣ ባዕሎም ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሓደ ቅዱስ ከምቲ ብብሔር መልክዕ ዝግለጽ ጅግና ተባዕ ማለት ዘይኰነስ ምሉእ ተኣዝዞን ተኣማንነትን ንቤተ ክርስቲያን ዝነብርን ኩለ መናኡ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘወፍይ ማለት እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ሎሚ ክንዝክር እንከለና ብሓቂ ኣብኦም ዝተነብረ ናይ ቅድስና ሕይወት ምዃኑ ነስተውዕል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.