2015-04-28 20:18:00

ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ሰማይ የሰንዩና፣


ልክዕ ዓመት ይገብር ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብልዕሊ ሚልዮን ዝኾኑ ቤተ ክህነትን ምእመናንን ነጋድያንን ተሰዮም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ሥርዓትን ንብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ቢሎም ከምዝ አወጁ እንክዝከር፤ ትማሊ ከአ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት አብ ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኃላፊ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ዝተመርሐ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ዓሪጉ፣

ብፁዕ ካርዲናል እስታኒስላው ዲዊዝ ከአ “ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብ ጉዕዞ እምነትና ተስፋናን ፍቅርናን ካብ ሰማይ የሰንየና አሎ” እንክብሉ ዝሰበኹ እንክኸውን ካብ ናይ ትውልዲ ቦታ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ሰበኻ ዝኾነት ክራኮቭያ ከአ ብዙኃት ወከልቲ ከምዝተሳተፉ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣ ስለዝኾነ ከአ አብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተገብረ ዜማታትን መዛሙርን ካብ ፖሊሽ ቋንቋን ላቲንን ብምብርራይ ነቢሩ፣ እዞም አብ መጀመርያ ጵጵስናኦም ካብ ርሑቅ ዝመጸ ቢሎም አፎም ዝኸፈቱ ቅዱስ እዚኦም ሎሚ ካብ መላእ ዓለም አብ መቃብሮም ንዝሳለም ብወረ ዝፈልጦም ይኹን ነዞም መብዛሕቶኦም መሣርሕቶም ዝነበሩ ትማሊ አብ መንበረ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዅሪ ዓመት ቅድስናኦም ዘዕረጉ ንኩሎም ቀረባን አቦን ዓርክን ጠበቃን ኮይኖም ከምዝረአዩ ብዙኃት ይገልጹ፣ ምናዳ ትማሊ አብቲ አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ መቃብሮም ዝርከበሉ ብስሞም ዝተሓንጸ መንበረታቦት ዝውሕዙ ዝነበሩ ቈጺርካ አይውድኡን፣

አብቲ ብዓቢ መንፈሳውነትን ተመስጦን ዝኽርን ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይዞም ቅዱስ ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ብዓሚቍ ተዘክሮ “ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ጸሎትን ናይ ተግባርን ሰብ ነይሮም፣ ከምቲ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስተምህሮ ከአ እዚኦም ቅዱስ እዚኦም ቅድስና ናይ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ሕዝበ እግዚአብሔር ሓባራዊ ጸዋዕታ ምዃኑ ብምግላጽ ባዕሎም ቀዳማይ አብነት ንክኾኑ ጸሎትን አስተንትኖን ውፉይ አገልግሎትን ብምዃን ብፍቅሪ ክርስቶስ ዝተዓብለሉ በዚ ፍቅሪ እዚ ከአ አብ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ዘይሕለል ጻዕርን አገልግሎትን አካዪዶም” ድሕሪ ቢሎም ናብቶም ነዙ ዝኽሪ ንምግባር ሃገሮምን ሕዝቦምን ሰባኻኦምን ወኪሎም ካብ ክራኮቫያ ንዝመጹ ተወከልቲ ከአ ብናይ ፖልሽ ቋንቋ “ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ መለከታዊ ምሕረት ር.ሊ.ጳ እውን ነሮም፣ እዚ ከአ ምስዞም ዘለው ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ የተአሳስሮም፣ ከመይ ቅዱስነቶም ካብ ዝምረጹ ክሳብ ሎሚ ዓንዲ ማዕከል ስብከቶምን ቤተ ክርስትያንን ገሮም ዝጐዓዙ ምሕረት አምላኽ እንክኾን እዚ ከአ ናብ ምሕረት ደቂ ሰባት ዘሰጋግር መለኮታዊ ምሕረት ኢዩ” ቢሎም፣ ብፁዕነቶም ካል እ ምስዞም ሕጂ ዘለው ር.ሊ.ጳ ንቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘተአሳስር ነጥሚ እውን ጠቂሶም እዚ ከአ እቲ ክሳብ ብስሞም ተቅዋም አብ ዪኒቨርሲቲ ላተራን ሮማ ንምትካል ዝደረኸ ኩነት ሥድራቤትን ሓዳርን ከማኡውን ንመሰል ሕይወት ወዲ ሰብ ምቅላስ ከምዝኾኑ ገሊሶም፣ እዚ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም “አብ ዝኽሪ ጥራይ ክነብር ግቡእ አይኮነን ከመይ ሓደስቲ ግድላት ስለዘለው ቤተ ክርስትያን ነዙይ ሓደስቲ ግድላት እዚ መፍትሒ ክትረኽበሉ ክትጽሊ ክተስተንትን ክትሰርሕ አለዎ፣ ነዙይ ምስ እንገብር ኢና ንውርሻ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እሙናት እንኸውን፣ እታ ቅ.ዮ.ጳ 2ይ ዝሰረትዋን ሓደራ ዝበልዋን ናይ ኩሉ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅድስና ክውን ክኸውን እንተደአ ኮይኑ ብመንገዲ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን እናተጓዓዝና ዕለት ዕለት ንገስግስ፣ ነዙይ ንምግባር ምናዳ ከአ ንግላውን ሥድራቤታውን ማኅበራውን ግድላትና አብ ሰማይ ዓቢይ ጠበቅ ከምዘሎና አይረስዕ፣ቢሎም፣

መአስ እዚ ጥራይ ይብሉ ብፁዕነት፤ ካብቲ እልቢ ዘይርከቦ አበርክቶ ቅ.ዮ.ጳ 2ይ ዓለም ለኸ ዕለተ መን እሰያት እውን ሓደ ፍረ ጻዕሮም ኢዩ፣ ር.ሊ.ጳ ናይ መንእሰያት ክብሎም እውን እደፍር፣ ንሶም እውን እንተኾነ ንመንእሰያ ኮኸብ ጽባሕ! ተስፋ ቤተ ክርስትያን! እንክብሎ ገሊጾሞም! ብዝኾነ ዝመጽእ ዓመት ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ ክራኮቭያ ስለዝግበር ነዙ ውሳኔ እዚ ብምግባሮም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንከመስግን ብቃላት ቅ.ዮ.ጳ 2ይ መዓጹ ልብና ንጐይታ ጋህ አቢልና ንኽፈት! መዓጹ ዓዲ ቅ.ዮ.ጳ 2ይ ንተኸተልቲ ቅ.ጴጥሮስን ንዝውሕዙ መንእሰያትን ንኽፈት፣ እምነትና ምሳኦም ክንካፈልን ካባኦም ተመኩሮ እምነቶም ክንሳተፍን ንደሊ ኢና” እንክብሉ ናብቶም ካብ ክራኮቫይ ዝመጹ ተወከልቲ ጻውዒት አቅሪቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.