2015-04-28 20:11:00

ምስ አስላም ዝግበር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ሽሕኳ ተአፋፊ ውርሻ እንተኾነ ክንከናኸኖ አሎና፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንቪዚታ አድ ሊሚና አብ መንበረ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አፍሪቃዊት ሃገር በኒን ኢዩ ነሩ፣ ክርስትና ንውሑዳን ሰባት ጥራይ ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑ ክረኤ የብሉን እኳ ደአ ተጻይ ናይ ዘመንና ሕማም ንሰብ ከም ማንም ንዋት ብዓይኒ ጥቅሚ ብምርአይ አፍረይቲ ንዘይኮኑን ጥቅሚ ንዘይርከቦ ሰባት ናይ ምግላል ባህሊ ብምቋም ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርአዮን ሓደራ ዝበሎን ርኅራኄን ምሕረትን ከደንፍዑ ሓደራ ቢሎም፣

ካብቲ ቅዱስነቶም ንጳጳሳት በኒን ሓደራ ዝበልዎ ከምቲ አብ ዝሓለፈ ወርኂ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፍሉይ ሲኖዶስን አብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ዝሥራሓሉ ዘሎ ጉዳይ ሲኖዶስ ሥድራ ቤት ብምትኳር ንምክልኻል ሥድራቤት አበርቲዖም ክሰርሑ ከምኡ እውን ነቲ አብ መንጎ ክርስትያንን አስላምን ዝካየድ ዘተ ክድግፉ አዘኻኺሮም፣

አብ መብዛሕትኤን ሰበኻታት በኒን ዝካየድ ጸሎትን ሥርዓተ አምልኾን ውዕውዕን ብርቱዕ መንፈሳዊ ቅንአት ዝሓደሮ ሕዝባዊ አምልኾ ዘካይዳ ማኅበራት ቤተ ክርስትያን ከምዘለዋ ዝጠቀሱ ቅዱስነቶም እዚ በይኑ ግን እኹል ከምዘይኮነን እዚ አገባብ እዚ ስምዒታውን አፍአውን ኮይኑ ዕምቈት ከይጐድሎ ድልዱል እምነት ብምስናቅ ነቲ ዘድሊ ኃይሊ ክረክብ ከበራትዕዎ ሓደራ ቢሎም፣ እምነት እንተደአ ጠንኪሩን ኃዪሉን ወገነይ ወገንካ ንዝብል ፈተነ ከምዘሸንፍን ካብዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ወገነይ ወገንካ ጉጅለይ ጉጅለኻ ዝወልድ አኽራሪ አመለኻኽታ ከድሕን ከምዝኽእል ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንምሥጢረ ክርስትና ብዕምቈት ምፍላጡን ምርዳኡን ንዝኽእል ሰብ ክርስትና ናይ ሓደ ጉጅለ ሊቃውንቲ ወይ አባላቱ ጥራህ ዘይኮነ ንኩሎም አመንቲ ብማዕረ ዝጉስጉስን ሕይወት ዝህብን እምነት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ብ ዕምቈት አብ ልቢ አመንቲ ዝተሠረተን ብጭቡጥ አብ ዕለታዊ መነባብሮ ዝትግበርን እምነት ጥራይ ኢዩ ነዚ ናይ ወገነይ ወገንካ ዓለማዊ አረአእያ ክቅንጥጦ ዝኽእል፤ እዚ ንምሉእ ዓለም ዘናውጽ ዘሎ ናይ ዘመንና ሕማም ሽሕኳ ብግሁድ እንተዘይተራእየ አብ ሃገራትኩም እውን ከምዘሎ አስተውዒልኩም ክትጥምቱ እላቦ ቢሎም፣

ካብዚ ብምቅጻል ሓደራ ዝበልዎ ካልእ ነጥቢ ጉዳይ ሥድራቤት ኢዩ፣ ሽሕኳ ጉስነት ሥድራቤት እናኸበደ እንተኾይኑ ጳጳሳት ምስ መሳርሕቶም ካህናት ንሥድራቤት አብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ክድግፍዎም ቈሪጾም ክትንሥኡ ምናዳ አብዚ ዘመንና ዝናፈስ ዘሎ ተጻይ ባህርያዊ ኩነት ሓዳር አብ ማኅበራውን ባህላውን አነባብራ ሰበኻታቶም ከአ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ ኩነታትን አተሓሳስባታትን ተዓጢቆም ክቃለስዎ ድሕሪ ምዝኽኻር፤ ብፍላይ ንጳጳሳት በኒን ሓደራ ዝበልዎም ከአ ከምቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ መላእ ዓለም ንቃልኪዳንን ሥድራቤትን ንምክልኻል ትቃለሶ ዘላ ንሶም እውን ጸኒዖም ክቃለሱ ሓደራ ቢሎም፣ ከምዚ ሎሚ አብ ዋጋ ዕዳጋ ከይወረደ ሥድራቤት እኳ ዝ ዓበየ ህያብ አምላኽ ኮይኑ ንወዲ አዳም ናብ ማኅበራዊ ሓጐስ ሰላምን ምርግጋእን ዝመርሕ ምዃኑ አይትዘንግዑ ምናዳ አብቲ እተካይድዎ ሠናይ ተግባት ናይ መንእሰያት መንፈሳውን ሰብአውን ኩለንትናውን ኵስኰሳ አበርቲዖም ክሰርሑን ንምትሕግጋዝን ንፍትሕን ክምህርዎም ሓደራ ቢሎም፣

አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንጳጳሳት በኒን ሓደራ ዝበልዎ ነቲ ዘሎዎም ሠናይ ምሕዝነት ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምናዳ ምናዳ አብዚ ጊዜ እዚ አብ ብዙኃት ሃገራት ዘይረኤ አብ በኒን ዘሎ አብ መንጎ ክርስትያንን አስላምን ዝግበር ውኅደትን ምትሕግጋዝን ጸኒዖም ክቅጽልዎ ተአፋፍነቱ ተሪዲኦም ከአ ነዚ ውርሻ እዚ ተጠንቂቆም ክከናኸንዎ ሓደራ ብማለት ካብዚ ብዓለምለኸ ደረጃ አፍራይን ጠቃምን ንዘይኮነ ነገር ኩሉ ንጕሓፍ ብዝብል ረብሓ ዘቀደመ አተሓሳስባ ክሳብ ንወዲሰብ አብ ምጕሓፍን ምግላልን ዝርከብ ባህሊ ክርሕቁ ነቲ መሠረት ኩሉ ዝኾነ ወንጌላዊ ውርሽታት ከመሓላልፉን ንዘበርክትዎ አገልግሎት ከኣ ከም ማንም ማኅበራዊ አገልግሎት ዘይኮነ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ምድርዚ እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ኃልዮትን ርሕራሔን ዝምስክርን ክኸውን ምናዳ ከአ ብርክኽ ቢልካ ነቶም ዝተረስዑን ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን አኅዋትን አኃትን ቍስልታቶም ምስ እንጅንን ብሓቂ ክርስትናዊ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል ብማለት ብኩሉ ጸኒዖም ክጐዓዙን ካብ ናይ ፖሎቲካ መርዚ ክርሕቁን ሓደራ ብማለት ተሰናበትዎም፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ትማሊ ንናይ ሮማ ናይ ዕብራውያን ማኅበረሰብ ላዕለዋይ ኃላፊ ረቢ ፕረፈሰር ሪካርዶ ዲ ሰኚ ከማኡ እውን ናይ ዓረባዊት ሪፓብሊክ ግብጺ ሓዋርያዊ ኑንጽዮ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ብሩኖ ሙሳሮ አብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡ፣ አስ ዒቦም እውን ንወኪል ቅድስት መንበር አብ ሃገራት ኅቡራት መንግሥታት አዕራብን ናይ ክዩባ ሓዋርያዊ ኑንጽዮን ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ጆርጅዮ ሊንግዋን ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.