2015-04-25 16:40:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ረፓብሊክ ቸክ ርእሰ ብሔር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊክ ቸክ ርእሰ ብሔር ሚሎስ ዘማን ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ርእሰ ብሔር ዘማን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተፋነዉ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ልባዊ ምቅርራብ ዝዓሰሎ ክሊኣዊ ርክብ ዕለት 19 ሚያዝያ 1990 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ምስታ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ቸክን ስሎቫካን ተባሂላ እትፍለጥ ምስ ዝነበረት ሃገር መበል 25 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዝጸንዔ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊክ ቸክን ከይድታቱን ዘዕትሮ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢታት ከምእተዘከረን፣ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ረፓብሊክ ቸክን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘተኰረ ብፍላይ ድማ ኣብ ባህላውን ሕንጸትን ማሕበራዊ መዳይ ንመላእ ረፓብሊክ ቸክ ዘርብሕ ምትሕብባር ክህሉ ዝብል ሓሳብ ዝተሰምረሉ ርክብ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ህልው ኩነት ዓለም ብፍላይ ድማ ማሕበረ ክርስቲያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጉዳይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተኰረ ነጥቢ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተገብረ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.