2015-04-21 17:08:00

ኬንያ፦ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መራሕቲ መጻወዲያ ሃይማኖታዊ ጐነጽ ምንጻግ


ኣብ ኬንያ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ ክህሉን ኣብ መንጐ ክርስቲያንን እስላምን ማሕበረሰብ ኬንያ ግጭት ክህሉ ናይ ኣል ሻባብ ቀንዲ ኣምዝብል እዩ፣ ኣብ ኬንያ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብቲ ኣል ሻባብ ዝዝርግሖ መጻወጺያ ከይወድቃ ሓደራ፣ ብዘይ ሓደ ሁክትን ምስሕሓብን ኣብ ኬናይ ማሕበረሰብ እስላምን ክርስቲያንን ንዓመታት ብሓባር ዝነብር እዩ” እንክብሉ ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኢስትላይት ናይ እተሰምየ ክፍለ ከተማ ናይ ዝቕመጡ ምእመናን እስላም መንፈሳዊ መራሒ ሸኽ ሞሃመድ ሻኩል ናይ መንግስትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታታ መንፈሳዊ መራሕትን ብሓባር ኣብ ዘካይድዎ ናይ ጉባኤ ተረኺቦም ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ክፍለ ከተማ ኢስትላይት ብብዝሒ ተቐማጦ ስደተይናታት ሶማል ምኽንያት ሞቓዲሹ ብዝብል መጸውዒ ዝፍልጥ እውን ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ኬንያ ኣብ መንጐ ሃይማኖታታ ምስሕሓብ ከይፍጠርን ብናይ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ ድማ ኣሸበርቲ ኣል ሽባብ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ጐነጽ ክባራዕ ኣሚቱ ንዘካይዶ ዝርጋሔ ስነ ሓሳብ ኣኽራርነት ሃይማኖት ምስልምና ከይታለል ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ናይ

ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ዜጋታት ኬንያ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ምስሕሓብ ከይፍጠርን ብሓባር ኣኽራርነት ሃይማኖት ምስልምና ከምዝቃወምን ናይ ኩለን ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ኬንያ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ ከይፍጠር ኣብ ሕንጸት ሰላም ክተግሁ ሸኽ ሻኩል ጻውዒት ከምዘቕረብ ኣፍሊጡ።

ኬንያዊ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ኬንያ ብሽም ሃይማኖት ሕድ ሕዳዊ ግጭት ኰነ ሃይማኖታዊ ጽልእን ኣኽራርነትን ከይፍጠር ብምሉእ ሓይሉን ክእለቱን ተጊሁ ምእንቲ ማሕበራዊ ሰላምን ምክብባርን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ምቅርራብን ምትሕብባርን ምክብባርን ክህሉ ክዓዪ ምዃኑ ሸኽ ሻኩል ከምዝገለጹ ፊደስ ናይዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ብስም ሃይማኖትን ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጸረ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣቃሊሖም ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ሕውነትን ምክብባርን ምቅርራብን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.