2015-04-21 16:58:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ሰማዕታት እምነት ናብ ስልጣን ከይንቕይሮ ይድግፉና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ዘነግህ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 20 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ብምቕጻል ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም፦ ናይ እምነት ሰማዕታት ምስክርነት፣ እምነት ናብ ስልጣን ምቕያር ፈተና ከይንወድቕ ይድግፈና ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብዙሓት ንውልቃዊ ረብሓኦምን ህርፋን ስልጣንን ክርስቶስ ይስዕቡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 29 ዘሎ ጠቒሶም ኢየሱስ ድሕሪ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ነቲ ናብኡ ዝውሕዝ ዝነበረ በሸሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ስለ ዝዓንገለ እቲ ተኣምር ኣብ ኩሉ ቦታ ተሰምዔ’ሞ ካልኦት በሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብኡ ክውሕዙ ተረእየ፦ እቲ እንጌራን ዓሳን እምበር ኣብ እግዚኣብሔር ብዘሕድረልካ ምድናቕ ከተምልዀ ናብኡ ዘይምኻድን፣ ምእንቲ ናይ ግሊ ንዋታዊ ጥቕሚ ቢልካ ናብ ኢየሱስ ምኻድ እዩ ዘስምዕ፣ ኣብ እምነት ሓቀይና ናይ ጐይታና ኢየሱስ ተልእኾ እንታይ ምዃኑ ናይ ዘይምፍላጥ ስግኣት ክህሉ ዝከኣል እዩ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ጊዜ ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፣ ኢየሱስ ንናይ ውልቃዊ ረብሓኻ ንኽትጥቀመሉ ኣብ እትጅምር ናብ ስልጣን ትቕይሮን ናብ ስልጣን ድማ ተበል። እዚ ዓይነት ኩነት ብዙሕ ጊዜ ኣብ ወንጌላውያን ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ሓሳብ እዩ፣ ብዙሓት ንኢየሱስ ስለ ውልቃዊ ረብሓኦም ቢሎም ይስዕብዎ፣ ኣብ መንጐ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ዓይነት ኩነት ዘንጸባርቕ ጠባያት ዝተራእየ ምንባሩ ከም ኣብነት ደቂ ዘበዲዮስ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ላዕለዋይ በዓል ስልጣንን ታሕተዋይ በዓል ስልጣንን መን እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ድላይ ስልጣን ጠቒሶም፣ ስልጣን ንኢየሱስ ምስዓብን ናይ ኢየሱስ ምዃን ንድኻታት ሓድሽ ዜና ብምሳርን ምእዋጅ ነጻነት ንኡሱራትን ንዓይነ ስዉራን ናይ ምርኣይ ጸጋን ንግፉዓት ሓርነት ዓመት ጸጋ ምእዋጅ ዝብል እዩ። እቲ ተልእኾ ነዚ ስመዝል ክነሱ ነዚ ሕመረት ተልእኾ ኣጥፊእካን ናብ ስልጣን ቀይርካን ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጸላም ምንባር ይምረጽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ካብ ናይ ስልጣን ፈተና ናብ ምስሉይነት፦ እቲ ኢየሱስ ምሳና ምርኻቡ ዘሕድረልና ሃይማኖታዊ ምድናቕን ሃይማኖተይና ምዃንን ናይ ምስሉይነት ፈተና ከጋጥሞ ዝከኣል እዩ፦ “ዲያብሎስ ንኢየሱስ ክፍትኖ ዝተጠቀመሉ መገዲ እውን እዩ። እንጌራ ዝምልከትን ካልኣይ ድማ መሳጢ ምርኢት ንብዙሓት ፈጽም እሞ ብዙሓት ክትማርኽ ኢኻ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣምልዀ ጣዖት ማለት ክሕደት እምነት ዝምልከት ፈተና እዩ፣ እዞም ፈተናታት እዚኣቶም እዮም ወትሩ ንክርስቲያንን ንቤተ ክርስቲያንን ዘጋጥሙ፣ እቲ ፈተና ናይ መንፈስ ቅዱስ ስልጣን ንምዕታር ዘይኰነስ ዓለማዊ ስልጣን ንምጭባጥን እናበለ ኣይ ምውቕ ኣይ ዝሑል ዝዀነ ክርስትና ክትንበር ይድርኸን ናብቲ ኢየሱስ ባዕሉ ዝገለጸልና ከቢድ ፈተና ምስሉይነት ይንውንው” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እግዚኣብሔር ብናይ ብዙሓት ናይ እምነት ሰማዕታት ምስክርነት ኣቢሉ የበራብረና፦ ብስምን ብደጋዊ ረኣዩለይን ተግባራት ዝተመልኤ ክርስትያን ኣብ ናይ ውልቃዊ ረብሓ ዝጠሓለ ክርስትያን ብሓቂ ብሓቂ ድማ እበልኵም ኣለዅ ንስኻቱም ተኣምራት ስለ ዝረኣኹም ስለ ዝዓንገልኩኹምን ትስዕቡኒ ኣለኹም ይብለና፣ እቲ ፈተና እዚ ኢዩ፣ ንሱ ድማ ናብ ፍትወት ዓለም ምባልን፣ ናብ ስልጣን ምባልን ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ እምነት ይቕህም፣ ተልእኾ ይደክም ቤተ ክርስቲያን የድክም። ጐይታ ወትሩ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መገዲ ንሱ ድማ ምእዋጅ ዓመት ምሕረት ብዝዀነ ናይ ተልእኾኡ ጐዳና ክንመላለስ ንኽዕድመና ብናይ ቅዱሳትን ብናይ ሰማዕታት ምስክርነት ኣቢሉ የበራብረና፣ እቲ ሕዝቢ መግናሕቲ ኢየሱስ ዘስተውዕል ብምዃኑ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ተግባር ክንፍጽም እንታይ ክንገር ይግብኣና? እንክብሉ ይሓትዎ፣ ናይ እግዚኣብሔር ተግባር ድማ ካብቲ ካብኡ ርሑቕ ዝዀነ ክንየው ርሒቕካ ኣብኡ ምእማንን ኣብቲ ንሱ ዝለኣዀ ወዱ ምእማንን ኣብኡ ጥራሕ ምእማን ንኣኡ ጥራሕ ኣሜን ምባልን እዩ ቢሎም ጐይታ ምሳኡ ምርኻብ ዝህቦ ምድናቕ ከሕድረልና ንኣኡ ንለምን፣ ኣብ ዓለማውነት መንፈስ እቲ ከምቶም ገና እምነት ዘይተቐበሉ ዘምስል ኣብ ተግባር ኣረማውነት ንኸይንወድቕ ይደግፈና” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.