2015-04-18 17:07:00

ኣባ መሎነ፦ ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓረ


ዕለት 16 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ብፍቓድ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ባርሌታ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ባቲስታ ፒኪየርን ብውሳኔ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግቡእ ናይ ዘርአ ክህነት መጸብ ሕንጸት ንኸጠናቕቑ ዕድል ዝተዋህቦም ገና መድሃኒት ብዘይተረኽቦ ሕምም ዝተጠቕዑ ኣብ ናይ ምድራዊ ሕይወቶም ፍጻሜ ንዝርከቡ ወዲ 38 ዓመት ዕድመ ሳልቫቶረ መሎነ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድልው ውእቱ ተባሂሎም ማዕርገ ክህነት ከምእተቐብሉ እንክሕበር

ታሪኾም ኣብ ኢጣሊያ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም በጺሑን ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓሪ ምዃኑ ዝምስክር ኩነት ተባሂሉ ኣውን ከምእተገልጸ ክምልከት እንከሎ ኣባ ሳልቫቶረ መሎነ ድሕሪ ምቕባል ማዕርገ ክህነት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ባዕሎም ናብቲ ናይ ባርለታ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ስልኪ ደዊሎም ድቁናን ተቐቢሎም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ማዕርገ ክህነት ዝቕበሉ ምዃኖም እዚ ድማ ንኣኦምን ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዓቢይ ጸጋ ምዃኑ ንኣባ መሎነ ገሊጾም እንቋን እግዚኣብሔር ነዚ ኣብቅዓካ ብጸሎት ንዘኻኸር ኣብ ጸሎት ወትሩ ምሳኹም ኣለኹ ከምዝበልዎ ዘኪሮም ማዕርገ ክህነት ምስጢር እዩ ቅዱስ ምስጢር እዩ፣ ካልአ ክርስቶስ ኴይንካ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወትን ንኽትምስክር ዘብቅዕ ጸጋ እዩ፣ እዚ ምስክርነት ዘእምን ድማ ብሓጐስ ክምስከር እንከሎ እዩ ኢሎም ክህነት ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓሪ ምዃኑ ዝምስክር እዩ ኢሎም።

እቲ ናብ እግዚኣብሔር ክትበጽሕ ዘብቅዓካ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ እዚ እንተድኣ ኣብ ውሽጥኻ ውዕዉዕን ህልውን ኰይኑ ኩሉ ጸዋዕታ ምኽንያት ሓጎስ እዩ። ፍርሕን ዘይምስናይን ምቅዳውን ወትሩ ክህልዉ እያቶም ሰባት ኢና፣ ነዚ ውሱን ሰብ ምዃንና ሰገር ዝዀኑ ግና ትጽቢታት ኣሎዉና፣ እቲ ሃባን እንካን ዘይፈልጥ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣባና ኣሎ፣ እዚ ፍቕሪ’ዚ እዩ ድማ ናይ ሕይወትና ትርጉም፣ በቲ ዘጋጠመኒ ሕማም ምኽንያት ዝሳቐ እውን እንተዀንኩ፣ ብፍላይ ድማ ከምዘይትሓውይ ምስ እትፈልጥ እቲ ስቓይ ኣዚዩ እዩ ዝስምዓካ ኰይኑ ግና ናይ ተስፋ ውህበትን ውበትን ኣብ ውሽጥና ኣሎ፣ ንሱ ድማ እግዚኣብሔር እዩ፣ ቅድስቲ ስላሴ ፍቕሪ ኣብን ፍቕሪ ወልድን ዘተኣሳስር ፍቕሪ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ምስ ደወሉለይ ንሶም ኣታ ቀዳመይቲ ከም ካህን መጠን ዝህባ ቡራኬ እዮም ዝሓተቱኒ ከምቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ንኽዀኑ ምስ ተሓርዩ ቅድሚ ንሶም ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቡራኬ ምሃቦም ርእሶም ኣድኒኖም ናይ ሕዝቢ ጸሎትን ቡራኬን እዮም ዝሓተቱ፣ እቲ ነኣይ ዘቕረቡለይ ሕቶ ድማ ነዚ እዩ ዘዘኻኸረኒ። ኣብነቶም ምስዓብ የድሊ፣ ኣብነቶም ምስዓብ ንዓና እዩ ዝሕሸና ምስ በሉ፣ ብጸሎት ሓድነት ምፍጣር፣ ኣብ ጸሎት ምዝኽኻር ብሓቂ እቲ ዓቢይ ጸጋ እዩ። እንክብሉ ብጸሎት ንዘኻኸር ቢሎም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.