2015-04-18 18:53:00

ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ 2007ዓ.ም. ሚያዝያ 11/2007 ዓ.ም. (4/19/2015)


መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. .“ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ። ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ። አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል። 

ንባባት፡    1ቆሮ 15፡20-41፥ 1ዮሓ 5:1-6፥ ግ.ሓ. 4:32-35፥ ዮሓ 20፡19-31። ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፥። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66

ሎሚ ዳግማይ ትንሣኤ ነብዕል አሎና። አብዚ ፍሉይ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ንትንሣኤ ክርስቶስ እናመስከረት እንከላ ሓጎስ ትንሣኤ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ፍሉይ ትርጉምን መቐረትን ይህቦ ትብለና። ብፍሉይ ንነፍሲ ወከፍና ብእምነት ነቲ ሰናይ ዜና ትንሣኤ አብ ኩሉ ክነበጽሕ እሞ ኩሉ ፍጡር ጸጋ ትንሣኤ ከስተማቕር ክንሕግዝ ከምዘሎና ትላበወና። ንኹሎም ነቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ዝቋወሙ ከምቶም ናይ እዋን ኢየሱስ ዝነበሩ መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናይ ዘመና ቶማሳት ተጠራጠርቲ ንኹሎም ብትብዓት ንትንሣኤ ክርስቶስ ክንሰብኽ ትደልየና።

ሓዋርያት ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ፍርሃት ሒዝዎም ዕጫ መምህሮም ከይሕዞም ፈሪሆም አብ ሓደ ገዛ ትዓጽዮም ብሓባር ይጽሉ ነሮም። ኢየሱስ ካብ ሞት ከምዝተንሥአ ካብ ብዙሕ ምንጭታት  ሰሚዖም፥ አብ መቓብር ጥርሑ ከም ዝጸንሐንን ብአካል ከምዝረአይኦ እውን ነጊረናኦም። ጴጥሮስን ዮሓንስ ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር ርእዮም። አብ መወዳእታ ንሓውርያት እውን ተራእይዎም። እዚ ኹሉ ርእዮምን ሰሚዖምን ከለዉ ተተባቢዖም ደገ ወጺኦም ክሰብኩ አይከአሉን። አብ ዕጹው ገዛ ተሓቢኦም ንዝመጽኦም ነገር ይጽበዩ ነሮም። እንደገና ኢየሱስ መጺኡ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” እናበለ መጺእዎም።

“ሰላም” ናይ መጀመርያ ቃል ካብ አፍ ዝተንሥአ ኢየሱስ ንሓዋርያት ዝወጸት እያ። “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” (ዮሓ 20፡19)። ድሕሪዚ ኃጢአት ክፈትሑን ክሓድጉን ስልጣን ሂብዎም። ኢየሱስ ሳዕበን ኃጢአትን ዘምጽኦ ጉዳእትን ስለ ዝፈልጥ እዩ ነዚ ስልጣን ንሓዋርያቱ ዝሃቦም። ኃጢአት ሰላምን ሓጎስን ካብ ሰብ የጥፍእ። ኩላትና አብ ሕይወትና ከም እንፈልጦ ሰላም ዘይብሉ ሰብ ኩሉ ክፍአት ክገብር ድሕር አይብልን እዩ። ምስ አምላኽ ርክብ ዘይብሉ ሰብ አብ ኃጢአት ዝነብር አብ ልዕሊ ካልኦት ህውከት ጽልኢ ፍልልይ ከምኡ ክሓሚ ከካፍእ ናይ ካልኦት ውድቀት ከናዲ እዩ ዝነብር። ካልኦት ጽቡቕ እንተ ገበሩ ከመይ ገሩ ከም ዘካፍእ እዩ ዝጽዕር። ኃጢአት ንሰብ ሕልንኡ የዕውሮ ነቲ ዝገብሮ ጉድአትን በደልን ስለ ዘይርኢ ብኽፍአቱ ዝተዓወተ ይመስሎ ሽዑ ዘዝገደደ ክፍአት ክገብር ይነብር እዚ ብዙሕ ጊዜ አብ ናይ ፖሎቲካ ሰባት ይርአ። አብኦም ፍቕሪ ዝብሃል ስለ ዘየለ ክምሕሩ አይክእሉን ትማሊ ዓርኮም ብጻዮም ዝነበረ ክቐትልዎ ክአስርዎ ከጥፍእዎ ሓንቲ አይስምዖምን እኳ ድአ እንተ አጥፍእዎ እዮም ዝሕጎሱ። መንግስቱ ኃይለማርያም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ዝነበረ ሓደ እዋን “ምሳሕ ዝሓሰቡና ቍርሲ ገርናዮም” እናበለ ነቶም ብጾቱ አብ ኹሉ ዝነበሩ ምስ አጥፍኦም ዝበሎ ቃል ይጥቀስ። እዚ አብ ዙሓት ዝርአ መንፈስ አምላኽን ሰላምን ዝሰአነ ሰብ ዝብሎ እዩ። ኃጢአት ናይ ሰብ ሰላምን ሓጎስን ስለ ዘጥፍእ ካብኡ ክንርሕቕ ኢሉ ኢየሱስ ሰላመይ እህበኩም አሎኹ ይብለና።

ሓደ ካብቲ ዘስካሕክሕ ብዛዕባ ውድቀት ብድራማ መልክዕ ዝተጻሕፈ ብዊልያም ሸክስፒር ናይ ዓዲ እንግሊዝ ውሩይ ስነጥበባዊ ከምዚ እናበለ ይገልጽ። ማክበዝ ካብ ዓወት ውግእ ክምለስ እንከለ ሰለስተ ጠንቋሎ ጎፍ ኢለንኦ። እታ ቀዳመይቲ ጎፍ ዝበለቶ ጠንቋሊት ከምዚ እናበለት ሰላምትአ አቕሪባ “Thane of Glamis”፥ እታ ካልአይቲ ጠንቋሊት ከአ “Thane of Cawdor” እታ ሳልሰይቲ ጠንቋሊት “King hereafter”። እዘን ሰለስተ ጠንቆልቲ ምስ ተሰወራ ሓደ ልእኹ ምስ ሰናይ ብስራት መጺኡ ንሱ ጎይታ አብ ግላሚስን ካውዶርን ከም ዝተሸመ ነጊርዎ። ማክበጽ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ነዚ ፍሉይ ነገር ዝተጓነፎ ንብዓልቲ ቤቱ ነጊርዋ ንሳ ድለታቱን ስምዒቱን ርእያ ነቲ ንጉሥ በቲ እዋን ዝነበረ “Muncan” ዝብሃል አብ ገዝኦም ጋሻ ኮይኑ ምስ መጸ ክቀትሎ ነጊራቶ። ማክበጽ ነቲ ተቢዕ ካራ አብ ልቢ ሙንካን ከእትዎ እንከሎ ከምዚ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ “ማክበጽ ካብ ሕጂ ንድሓር ድቃስ የብልካን”። ማክበጽ ንድቃስ እውን ቀቲልዋ። ካብታ ሰዓት እቲአ ንድሓር ማክበጽ አብ ሕይወቱ ክድቅስ አይከአለን፥ ሕይወቱ ህውከት ዝመልኦ ዘይቅሱን ኮይኑ፥ ሰላም እንተ ረኽብኩ ኢሉ አብ ዝፈተኖ ቅትለት አብ ርእሲ ቅትለት እናፈጸመ ይነብር ነሩ።

ማክበጽ ነቲ ንግሥ ምስ ቀተለ ሰላም አብ ሕይወቱ አጥፊኡ። ኢየሱስ ኃጢአት ሰላም ካብ ልቢ ሰባት ከም ዘጥፍእ ይፈልጥ ነሩ እዩ። በዚ እዩ ንሓዋርያቱ ሰላም ምስ ተመነየሎም ንኃጢአት ከጥፍኡሉ ዝኽእሉ ስልጣን ዝሃቦም። ንዝበርትዐ ጸላኢ ክነጥፍእ ዝበርትዐ መሳርያ የድልየና። ኢየሱስ ነዚ ብርቱዕ መጋበሪ ንቤተ ክርስትያኑ ንሓዋርያቱ ክአስሩን ክፈትሑን ስልጣን ክህቦም እንከሎ ነቲ አብ ምስጢረ ንስሓ እንቅበሎ እዩ ዘስምዕ። ከምዚ ኸአ ኢልዎም “ኃጢአቶም ንዝኃደግክምሎም ኪኅደገሎም ንዘይኀደግክምሎም ግና አይክኅደገሎምን እዩ” በሎም (ዮሓ 20፡23)።

ኢየሱስ ንኹሉ ናይ ደቂ ሰብ ዘይምእዛዝ፥ ቅጥዒ ዘይብሉ ኅርፋን ሃብትን ንአይ ይጥዓመኒ፥ ጽልኢ አብ ልቢ ሰባት ዝዓቢ ካብ አምላኽ ከም ንፍለ ከምዝገብረና ይፈልጥ እዩ። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይና ሰላምና የዕኑ የጥፍእ። ኢሳያስ ንእስራኤላውያን ከጠንቅቖም እንከሎ “ንአኻትኩምን ንአምላኽኩምን አብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈልየኩምሲ አበሳኹም እዩ፥ ከይሰምዓኩም ከአ አብ ቅድመኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዚኃብአልኩም ዘሎ ኃጢአትኩም እዩ” (ኢሳ 59፡2)። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይ ክጽወር ክትዕገሶ ዘይክአል እዩ። ዳዊት እቲ ሕሩይ ንጉሥ እስራኤል ንትእዛዝ እግዚአብሔር ምስ ጠዓሰ ተመኪርሉ እዩ ከምዚ እናበለ ኸአ ለሚኑ “ጎይታይ ስንኻ ምሕረትካ አይትኽልአኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን አዘውቲረን ይሓልዋኒ” (መዝ 40፡11)። እግዚአብሔር ንአዳምን ሄዋንን “ካብዛ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም አይትብልዑ” (ዘፍ 2፡17) ኢሉ አዚዝዎም፥ ንሶም ግን ንትእዛዝ አፍረሱ ሽዑ ካብ አምላክ ተፈልዩን ክሕብኡ ፈተኑን። እዚ ካብ አምላኽ ምፍላይ ኹሉ መከራ አምጺእሎም፥ ልዕሊ ኹሉ ሰላሞም አጥፊኦም። ካብዚ ንድሓር ኩልና በብግዚኡ ሰላምና ነጥፍእ እሞ ህዉኽን ሰላም ዝጎደሎ ሕይወት ነሕልፍ።

ኃጢአት ውሽጣዊ ሰላም ከምዘጥፍእ እናፈልጠ እንከሎ ኢየሱስ ንአመንቱ ንጸላእቶም ከፍቅሩ ይእዝዞም፥ ከምኡ ንክፉእ ጽቡቅ ክምልሱ ይነግሮም (ማቴ 5፡44)። ነዚ ትምህርቱ ባዕሉ አብ ዕጸመስቀል ምስ ተሰቕለ ብግብሪ አርእይዎ ምእንቲ እቶም ዝቀተልዎ ዝሰቐልዎ ንሰማያዊ አብኡ ለሚኑ “ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ይቕረ በለሎም ኢሉ ጸልዩ” (ሉቃ 23፡24)።

እቲ ብሰንኪ ኃጢአት ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተዓርዩ፥ “ንሱ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥግኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ” (ኤፌ 2፡14)። ኢየሱስ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ክገብሩ ንሓዋርያቱ ክአስሩን ክፈትሑን ስልጣን ሃቦም። ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ክጽሕፍ እንከሎ ነዚ ሓሳብ የጽድቖ “እግዚአብሔር ሰላም ክንገብር ይጽውዓና”። አምላኽ ትእዛዛቱ ክንሕሉ ይደልየና ምስ ሓሎና ኸአ ሰላሙ ይህበና። አብ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ይብል “ንእግዚአብሔር አሓጉሶ ንሱ ኸአ ንጸላእትኻ ምሳኻ ብሰላም ከም ዚነብሩ ኺገብሮም እዩ” (ምሳ 16፡7)።

ሰላምን ሓጎስን አብ መንጎ ማሕበር ክርስትያን ክርአ ሓድነት ክህሉ አለዎ። እዚ እዩ አብ  መልእኽቲ ግ.ሓ. ንሎሚ ዝተነበት እንርእዮ። ሓዋርያት ንቀዳሞት ክርስትያን ሓድነት ክርከብ ሰለስተ ነገራት ክገብሩ ነጊሮሞም፡

ኩሉ ጊዜ ብሓባር ይከቡ ነሮም። ቀዳሞት ክርስትያን አብ ትሕቲ መሪሕነት ሓዋርያት ኩሉ ጊዜ ይእከቡ ነሮም። ሎሚ ንሕና ሰንበት ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን ክንእከብ ይግብአና። እዚ እንገብሮ አኸባ ብሓደ ክንከውን ንኹሉ ዝፈላልየና ሓዲግና አብ ሓደ ልብን መንፈስን ክንአቱ ሓይልን ብርታዐን ይህበና።
ንትምህርቲ ሓዋርያት ይሰምዑ ነሮም። ንሕና እውን ቃል አምላኽ ክንሰምዕ አሎናና ክነስተንትኖ እውን ይግብአና። ቃል አምላኽ ነቲ አነ ዝብል ድኹም መንፈስና ክንስዕር ሓይልን ክእለትን ይህበና።
ምስ መርሕነት ሓዋርያት ይሰምሩ ነሮም፡ ቀዳሞት ክርስትያን አብ ትሕቲ መሪሕነት ሓዋርያት ኮይኖም ብሓባር ምስ ሰርሑ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ይገብሩ ነሮም። ሕሙማት አብ ጽርግያታት አብ ዓራውቶምን አብ መንጸፎምን ገሮም የውጽእዎም ነሮም ጽላል ጴጥሮስ ምስ ሓለፎም ክአ ይሓውዩ ነሮም። አብ ትሕቲ መርሕነት ቤተክርስትያን ክንእዘዝ ክንሰምዕ ከሎና ሽዑ ሰላምን ዕብየትን ይርከብ።

ሎሚ ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ማእከልና ቆይሙ “ሰላም ምሳካትኩም ይኹን” ይብለና አሎ። ነዚ መልእኽቲ አብ ግብሪ ነውዕሎ እሞ አብ አሕዋትናን አሓትናን ነመሓላልፎ። ምስ ሓውናን ሓፍትናን ንዘየሰማምዓና ክንሓልፎ እሞ ክንቅይር እንተ ፈተና፥ ንሓደ በደል ዝፈጸመ ዘይ ቅኑዕ ሰብ ዝበደለና እንተ መሓርና፥ ርሕራሔን ሕያውነትን ንማንም ሰብ እንተ አርአና፥ ንሕርቃን ሓውናን ሓፍትናን እንተ አዝሓልና፥ ንዝተበተነ ሕውነት ወይ ዝምድና ክንዕርዮ እንተ ፈተና፥ ብሰንክና አብ ሕማቕ ንዝወድቁ ደው እንተ አበልና ነቲ መልእኽቲ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ዝብል ነብጽሕን ንፍጽሞን አሎና። እቲ ንሕና እነንጸባርቖ ሰላም ብድርብን ዕጽፍን አባና ክምለስ እዩ። ገበርቲ ሰላም ሰላም ክረኽቡ እዮም።

ሰላም ክርስቶስ አብ ልብና ሓዲሩ ሰበኽቲ ሰላምን ፈጸምቱን ይግበረን።

 

ብሩኽ ብዓለ ዳግማይ ትንሣኤ።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.