2015-04-16 18:12:00

ፆታ ዝብል ክልሰ ሐሳብ አብ ክንዲ አብ ሞንጎ ሰብአይን ሰብይትን ዘሎ ሽግር ፈታሒ ዝኸውን አሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽተል ምግባሩ


 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህረተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክፍለጥ እንከሎ ትማሊ ሮቡዕ  አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ልዕሊ ሐምሳ ሺሕ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም። አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ  ፆታ  ዘተኮረ ከም ዝነበረ ክዝከር እንከሎ ፆታ ዝብል ክልሰ  ሐሳብ አብ ክንዲ አብ ሞንጎ ሰብአይን ሰብይትን ዘሎ ሽግር ፈታሒ ዝኸውን አሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽተል ምግባሩ  ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ዝመልስ ከም ዝኾነ ጠቂሶም  እግዚአብሔር ንኽልቲኦም ክፈጥሮም እንከሎ ማዕረ ሰብአዊ ክብሪ አልቢሱ ብመልክዑን አምሳሉን ከም ዝፈጠሮም አዘኽኺሮም፣

እግዚአብሔር ተባዕታይን አንስተይትን ብአምሳሉ ዝፈጠሮም መለኮታውያን ፍጥረት ከም ዝኾኑ ጠቂሶም ክልቲኦም ዝመላልኡ ከም ዝኾኑ ጥቅሲ ጠቂሶም ከአ እቲ ሰብአይን ሰበይትን ምፍልላይ ከም አንጻር ዝኾኑ ዝገበረን ዝመሀዘን ባዕሉ ሰብ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክሳዕ ምድሃኽ መሰል ከም ዝኸደ ገሊጾም፣ ብዓይኒ ክርስትና ሰብአይን ሰበይትን ብቃል ኪዳን ክልተ አብ ሐደ አካል ከም ዝኾነን ክልቲኦም ማዕረ ንሰለ ዘለዎም ፍጥረት ኩሉ ዝክአሎ እግዚአብሔር ከም ዝኾኑን አመልኪቶም ክአ ጾታዊ ክልሰ ሐሳብ  ጭንቀት ዘኸተሎ  ክኸውን ከም ዝኽእል ክሕደት   ክልተ ዝተፈላለዩ  ዖታታት  ከም ዝመስል  አመልኪቶም፣ 

ሰናይ ምዕባሌ ፍጥረት ሰብ ነንሕድሕዱ ክፋለጥን ከተሐባበርን ከሎ ከም ዝኾነን እንተይዘይኮነ አሉታዊ ሳዕቤን ከኽትል ከም ዝኽእል ጥቂሶም ክልቲኦም ፆታታት ብሐበር ክስጉሙ ብስኒት ክነብሩ ነንሐድሐዶም ከተሐጋገዙን ክተሐባበሩን ከም ዝግባእ አፍሊጦም፣ 

ናብቲ አቀድም አቢሎም ዝበልዎ ዓረፍተ ነገር ተመሊሶም ክአ እግዚአብሔር ብአምሳሉ ብውልቅን ከም ጽምድን  ሰብአይን ሰበይትን  ከም ዝፈጠረ ጠቂሶም፣ እቲ ሰብአይን ሰበይትን ዝብል ሐረግ ብትውልድን ሕብረትን ክትካእ ከም ዝኽእል አመልኪቶም፣ 

እተሐሒዞም ክአ ቅልውላው እምነት አብ እግዚአብሔር አብ ሞንጎ ሰብእየን ሰበይትን ቅልውላው ከኽትል ከም ዝኽእል ጠቂሶም አብ ሞንጎ ሰብአይን ሰበይትን ዝፍጠር ዘይምቅዳው ንምፍታሕ አፍ ፍቅሪ ዝተመስረተ ዘተ ምክያድን ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን ምሕሳብን ባህሊ ምጥራይን ልዕሊ ኹሉ ምክብባርን ከም ዘድሊ ክአ አመልኪቶም፣ 

ነፃን ርትዓውን ፍትሐውን ማዕርነት ዘለዎን ሚዛን ዝሐለወን ሕብረተ ሰብ ምእምንቲ ክህሉ አብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረት ሰብን ድምጺ ድቀንስትዮ ክስማዕ ከም ዘለዎ ጠቂሶም ደቀንስትዮ ንሕብረት ሰባት ዝህብኦ አስተዋጽኦ ክብ ዝበለ ከም ዝኾነ ጥቂሶም ክአ አብ ልዕሊ ደቅንስትዮ ዚካየድ ዝኾነ ይኹን አሉታዊ ተጽዕኖ ክግታእ አጽኒዖም አተሐሳሲቦም፣ 

ካብቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝትገረኽቡ ልዕሊ ሐምሳ ሺሕ ምእመናን ዓረብኛ ቋንቋ ዝኽተል ብዙሐት ደቀንስትዮ ዝሐቆፈ ጉጅለ ከም ዝነበረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ነቲ ጉጅለ ሰላም አብ ዝበልሉ ግዜ  አብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረተ ሰብን ማዕርነት ሰበይትን ሰብአይን ክሕሉን ክኽበርን አብ ልዕሊ  ደንስትዮ  ዝፍጸም ጭቆናን ኢፍትሐውነትን  ክግታእ ክንሰርሕ  ይግብአና ኢሎምን ንምእመናን  ሰላማውን ሰናይን መዓለቲ ተመንዮምን  ተፋንዮምዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.