2015-04-16 16:18:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጸሎት ምእንቲ ዝሳቐዩን ዝስደዱን ማሕበረ ክርስቲያን


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ካብ ፓኪስታን ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመንፈሳዊ ንግደት ዝመጹን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ናይታ በቲ ኣብ ፓኪስታን ብገበን ዘቕጽዕ ሃይማኖት ምርካስ ብዝብል ክሲ ኣብ ቤት ማሕቡስ ንዝርከባ ስድራ ቤት እስያ ቢቢ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ ኩሉ ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩ ማሕበረ ክርስቲያን ክጽልይ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

እሲያ ቢቢ ሃይማኖት ብምርካስ ገበን ተኸሲሰን ካብ ዝእሰራ ሽዱሽተ ዓመት ከምዘቑጸራ በዓል ቤተን ኣሺቕ ማሲቅ ድሕሪ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ስቓይ በዓልቲ ቤቶምን ስድራ ቤቶምን ብሓፈሻኡ ኣብ ፓኪስታን ስቓይ ማሕበረ ክርስቲያን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ሮማ ካብቶም ሓሙሽተ ደቆም ምስቲ ወዲ 15 ዓመት ውላዶም ኤሻም ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም፣ ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ብምርካስ ገበን ዝተኸሱ ዳርጋ ናጻ ክበሃሉ በዓልቲ ቤቶም ግና ክርስቲያን ብምዃነን ኣባል ስድራ ቤት ማሕበረ ክርስቲያን ስለ ዝዀና ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒይነን ከምዘለዋን፣ ካብ ቤት ማእስርቲ ዝወጽእ ክርስቲያን ድማ ምስ ወጸ መብዛሕቲኡ ዳርጋ ብኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝቕተል ምዃኑ ሓቢሮም።

እስያ ቢቢ ጽንዒቲ ኣብ እምነተን፣ ተስፋኤን ኣብ እግዚኣብሔር እዩ። ወትሩ ጸላይን ምእንቲ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጐንወን እውን ከይተረፋ ዝጽልያን እየን። ኤውሮጳ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ብእምነቶም ምኽንያት ንዝሳቐዩ ብዙሕ ክገብርን ምእንታኦም ክጣብቕን ኣኽእሎት ኣለዎ ቢሎም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እንከጠቓልሉ፣ ቀጺሎም ናይ እስያ ቢቢ ጠበቓ ፓኪስታናዊ ናይ ሕጊ ሊቅ ጆሰፍ ናዲም ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ መከራን ስቓይን ደው ክብል ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፓኪስታን ብዙሕ ጸቕጢ ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እስያ ቢቢ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተሓላለፈ ብምዃኑ ናጻ ክልቐቓ ናይ ርእሰ ብሔር ናይ ምሕረት ውሳኔ ጥራሕ እዩ ዘድልየን፣ ከም ጠበቓኤን መጠን ድማ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ምሕረት ሕቶ ከምዘቕረቡን እቲ ሕቶ ብደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምእተነጽገን ሓቢሮም ኣብ ከምዚ ዓይነት ውጥረት ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፓኪስታን ጸቕጢ ክገብር ተስፋ እሎኒ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.