2015-04-09 16:08:00

ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፦ ኣብ መንጐ ስቓይ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ነጋዲ


ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን  ቅርበትን ፍቕርን ንመላእ ማሕበረስብ ክርስቲያን ዒራቕ ንምምስካር ኣብ ዒራቕ ኩርድስታን ኣብ ዝርከብ መዕቆቡ ተመዛበልቲ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካብን ብሓባር ኣብዒሎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ እንክሕበር፣ ብፁዕነቶም ድሕሪ መልሲ ካብ ዒራቕ ዕለት 7 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና

ተራኺቦምን ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ናይቲ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ኣብ ከቢድ ጽንኩር ኩነት ናይ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያንን ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ኩነት ዒራቓውያን ብዝርዝር ከምዝገለጹን ዒራቓውያን ማሕበረ ክርስቲያን ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ንኽመዛበሉን ንኽስደዱን ዝተገዱ ኣብ ገዛእ ሃገሮም መጻእይተይናታት ኰይኖም ናይ ዝረአዩን እዚ ድማ ጂሃዳውያን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘካይድዎ ጸረ ማሕበረ ክርስቲያን ጓስጓስ ዘስዕቦ ዘሎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምዃኑ ብቐረባ ዝተዓዘብዎ ሓቂ ንቕዱስ ኣቦና ከምዝሓበርዎን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘክይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መንፈሳዊ ንግደት እንክብሉ ገሊጾም፣ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብምንባሩ ድማ ነቶም ዒራቓውያን ኣሕዋትን ኣሓትን በጺሕካን ምስኦም ብሓባር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ምንባርን ሕማማት ኢየሱስ ኣብቲ ቦታ ብግብሪ ዝረአይ ምዃኑ ከምዘረጋገጹን፣ ሽግሮምን ጸገሞምን ጽን ዝበሉሉ እዋን ከምዝነበረ ተንቲኖም፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘቕርቡሎም ጸብጻብ ኣዚዮም ከምዝተማርኩን ኵነታት ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ኣዚዩ ዘተሓሳስቦምን ናይ እዋንና ሰምዕታት ቢሎም እውን ከምዝገለጽዎም ኣመልኪቶም።

ኢራቓውያን ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብሃረርታ ዝጽበይዎን ፍቓድ እግዚኣብሔር ኰይኑ ድማ ክረጋገጽ ናይ ወትሩ ጸሎቶም እዩ። ማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዒራቓዊ ዜጋ ዝምነዮ እዩ። ኣብቲ ዘካይድዎ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ዒራቕ ንኽበጽሑ ካብ ሕዝቢ ዒራቕ ዝቐረበ ዕድመ እውን ንቕዱስነቶም ከምዘቕረቡ እውን ኣፍሊጦም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልትን ስደትን መዓትን ኣዚዩ ክብ ዝበለ ከምዝዀነን፣ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እምነት ክርስትና ምንባር ንሓደጋ ዘቃልዕ ኰይኑ ከምዘሎ ተንቲኖም፣ ናይ እምነት ሰማዕታት ቢሎም ከምዝሰመይዎምን፣ እምነትካ ብሰላምን ብነጻነትን እትነብረሉን እተኽብረሉን ናይ ስግደትን ኣምልዀን ነጻነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኩሉ መሰረት እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢራቕ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮን ስብከትን ዓቢይ እርእስቲ ተስፋ ዝብል ምንባር እውን ገሊጾም፣ ኣብ ኩሉ ዘካይድዎ ርክብ እውን ኣብ ተስፋ ዘማእከለ ዘተ ከምዘካየዱን እውን ሓቢሮም ክርስትያናዊ እምነትና ኣብቶም ሰለስተ ቲዮሎጊያውያን ክብርታት ዝቖመ እዩ፣ እምነት ተስፋ ፍቕሪ ድማ እያቶም፣ እታ ዝነኣሰት እትመስል ተስፋ እያ፣ ንሳ ድማ እምነትን ፍቕርን እተተኣሳስር ክብሪ እያ፣ ተስፋ ምስ ዘይህልው ፍቕሪ መሰረቱ የጥፍእ እምነት ድማ ዝሞተ ይኸውን” እዚ ድማ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝመስከርዎ ሓቢሮም።

እቲ ናቶም ኣብ ዒራቕ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ዒራቕ ቀረባ ምዃኖምን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣኦም ኣቢላ ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዝዀነት ዝምስክርን ከምዘይተረስዑን ዘረጋግጽ ተልእኾ እዩ። እቲ ናቶም ኣብ ዒራቕ ምራኻብ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕን ሕዝቢ ዒራቕን ቡራኬ እግዚኣብሔር እንክብል ከምዝገለጾ ድማ ሓቢሮም፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ይብጽሓና እዩ፣ ንምብጻሕ እግዚኣብሔር ዝርእይ ዓይንን ልብን ኣእምሮን ይሃልወና፣ ጽንዓት እምነት ማሕብረ ክርስቲያን ዒራቕ ብቐረባ ዘረጋገጽሉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምንባሩን ጽንዓት እምነት ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ዝድነቕን ኣብነት እውን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.