2015-04-09 10:05:00

መልእኽቲ ፋሲካ ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ሊቀ ጳጳስ ዘካተሊካውያን ኤርትራ


 \ አልዕሉ አልባቢክሙ!  ብነ ኅበ እግዚአብሔር አምላክነ! ልብኻትኩም አልዕሉ! ናብ እግዚአብሔር አምላኽና አልዒልናዮ አሎና፣(ቅዳሴ ዘሓዋርያት)

እኖና ቅድስት ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ አብ ግብረ አምልኾአ፣ ብፍላይ ከአ አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ አኰቴተ ቍርባን ክጅመር ከሎ፣ ካህን ንሕዝቢ፣ "እግዚአብሔር ምስለ ኵልክሙ" ይብል፣ ሕዝቢ ከአ "ምስለ መንፈስከ" ኢሉ ይምልስ፣፣ ካህን ቀጺሎም፣ "አእኵትዎ ለአምላክነ" ይብሉ፣ ሕዝቢ ከአ "ርቱዕ ይደሉ" ይብል፣ ቀጺሎም ካህን "አል ዕሉ አልባቢክሙ" ይብሉ ሕዝቢ ከአ "ብነ ኀበ እግዚአብሔር አምላክነ" እናበለ ይምልስ፣ ካህን "በሰማይ የሀሉ ልብክሙ" ምስ በሉ ሕዝቢ ከአ "እወ የሀሉ በሰማይ ልብነ" (ቅዳሴ እግዚእነ) ይብል፣፣

እዚ መኽፈቲ አኰቴተ ቍርባን እዚ አብ ምሥራቓውን አብ ምዕራባውን ትውፊት ቤተ ክርስትያን ልሙድ ኢዩ፣፣ ድሮ አብ ሓዲስ ኪዳንውን ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆላስይስ "ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም  ኢኹም እሞ ቀልብኹም አብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፣ አብቲ ክርስቶስ አብ የማን አምላኽ ተቀሚጥዎ ዘሎ ግበሩ፣፣ አእምሮኹም ናብቲ አብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ ናብቲ አብ ሰማይ ዘሎ የቅልብ"(ቆላ 3፡1-2) ክብል ንሰምዖ፣፣ አብ ምጅማር መሥዋዕተ ቁርባን'' አልዕሉ ኣልባቢኩሙ" ዝብል ዕድመ ኸዓ፣ ንኪሩቤልን ሱራፌልን ሓቢርና ንኣምላኽና ነምልኸሉን ነመስግነሉን እንልምነሉን ሰዓት ስለዝኾነ ኲሉ ካልእ  ምድራዊ ሓሳባት ገዲፍና ምስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናትን፣ ምስ ማርያም አዴናን፣ ምስ ኩሎም መላእኽትን ቅዱሳንን ኮይና፣ ብተመስጦ፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ከነዕርግ ንዕደም ማለት እዩ፣፣ በዚ እዩ መጽሐፈ ቅዳሴናውን ቀጸሉ፣ '' ላዕለ ይኩን ኅሊናክሙ፣ ወኣእምሮትክሙ ወኣልባቢክሙ ዘኲልኩሙ'' (ቅዳሴ ያዕቆብ ኃው ጉይታና)፣ "ላዕለ ይኩን ኅሊናክሙ፣ በሰማይ የሀሉ ልብክሙ፣ ኣእምሩ ኅበ ዘትቀውሙ፣ ወስምዑ ቃለ ጽድቅ፣ ወኣፅምኡ ዜና ሠናየ'' (ቅዳሴ ዮሓንስ አፈወርቅ) ክብል ንረኽቦ፣፣ እዚ ከኣ ኣፍና ከፊትና፣ አእምሮና አርኒብና ብምስትውዓል ስሙ ከነመስግን፣ ኣምልኾና ክንገልጽ፣ ቃሉ ክንሰምዕ፣ ብንስሓ ምስ አምላኽናን ብጻይናን ክንዕረቕ፣ ልብና ኣንጺሕና ብእምነት ኣብ መኣዲ ሥጋኡን ደሙን ክንካፈል ድልዋት ክንከውን ከምዘሎና ዘረድእ ወግዓዊ ጸዋዒት እዩ፣፣

ብዝበኅ፣ አብ ጊዜ ሕማማትን ትንሣኤን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኲሉ ሓሳብናን ጸሎትናን ዜማናን፣ አብቲ ናይ ሕማማቱን ትንሣኤኡን ምሥጢር ዘተኩረ እዩ፣፣ "ለመስቀልከ ንሰግድ፣ ወለትንሣኤከ ቅድስት፣ ንሴብሕ ኲልነ፣ ይእዜኒ ወዘልፈኒ። ብምባል አብ ሚሥጢረ ፋሲካ ዘሎና እምነትን ግብረ አምልኾን ንገልጽ፣፣ ነቲ '' ዐርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ''፣ ብክብሪ ንሰማይ ዓረገ አብ የማን አቦኡ ከኣ ተቐመጠ፣ ዝብል ካብቲ ምሥጢር ድኅነትና ዘይፍለ ናይ እምነት ስራሕ ግን ብዙኅ ንዝክሮን ነስተንትኖን አይንመስልን፣፣ በዓለ ዕርገት ንርእሱውን እቲ ዝግብኦ ክብሪ አይረክብን ኣሎ፣፣ ዕርገት መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣዝዩ አገዳስን ዓብይ ሚሥጥር ዝሓዘለ ንክርስቲያን ሕይወትና ዝድግፍን ዝመርሕን አንቀጽ ሃማኖት እዩ፣፣ ''ኦ ምዕራግ እምድር እስከ ሰማይ፣ ወብኪ ተሓደሰ ቀዳሚ ፍጥረት''፣ ኦ ካብ ምድሪ ንሰማይ ምዕራግ! ብኣኺ እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ዝተሓደሰ'' (ማኅሌት ዘሌሊት ዘዕርገት)፣፣  መድኃኒና ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ገና ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ነታ አብ እግሩ ተደፊኣ ክትስዕሞ ዝደለት ማርያም መግደላዊት፣  ''ገና ናብ አቦይ ስለዘይዓረግኩ ኣይትተንክይኒ ግናኸ ናብ ኣኅዋተይ ኪዲ እሞ' ናብ አቦይን አቦኹሙን ናብ አምላከይን አምላኹምን እዓርግ ኣሎኹ' በልዮም በላ'' (ዮሓ2 20፣17)፣፣ ካብ ዕርገት ጐይታና ንደኃር፣ አብዛ ምድሪ እዚኣ ክሳዕ ዘሎና፣ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን በቶም መንፈስ ቅዱስ ዝዕድለና ሾብዓተ ሀብታትን (ጥበብ፣ ኣእምሮ፣ ምኽሪ፣ ጽንዓት፣ ፍልጠት፣ መንፈሳውነት፣ ፍርኅት እግዚኣብሔር) ተደጊፍና ኢና ንነብር፣፣ ኩሉ ጊዜን አብ ኲሉ ቦታን ከኣ ኃውናን መድኃኒናን ዝኾነ እሙን ጠበቓን መንጎይናን ኣሎና፣፣ ''እምበአር ንሰማያት ዝዓረገ ዓቢይ ሊቀ ካህናት፣ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፣ ኣብ እምነትና  ንጽናዕ'' (ዕብ 4:14)፣፣ ''ስለዚ ከኣ እዩ፣ 'ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ ብዙኃት ምሩኻት ሒዙ ከደ፣ ንደቂ ሰብ ከኣ ውህበት ሀበ' ዚብል፣፣ ዓረገ ማለት ናብ መዓሙቕ ምድሪ ወሪዱ ከምዝነበረ ማለት እንተዘኮይኑ እንታይ ኸሰምዕ ይኽእል? እቲ ናብ መዓሙቅ ዝወረደ ከኣ ንኹሉ ብህላዌኡ ምእንቲ ኪመልእ ልዕሊ ኩሉ ሰማያት ዚዓረገ ንሱ እዩ'' (ኤፍ 4፣8-10)፣፣ ቦታ ምእንቲ ከሰናድወልናን፣ ነቲ መጻናንዒ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክልእከልናን ንሰማይ ዓረገ (ዮሐ14፣3፣ 16፣7)፣፣

ከም ፍጹም ሰብ፣ መድኃኒና ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ አብዚ ምድርዚ ከሎ ብቦታን ብጊዜን ድሩት ነበረ፣፣ ከም ሰብ ከኣ ደኹምን መዋትን ኢዩ ነቢሩ፣፣ ድሕሪ ትንሣኤኡ ግን ሽሕኳ ሰብኣውነቱ እንተዘየጥፍአ ዝተለወጠ ዓይነት ሃለዋት እዩ ዘለዎ፣፣ ማዕጾ ብዕጽዉ  ናብቲ ሓዋርያት ዝነበርዎ ምስ ኣተወ ንሳቶም ምትሓት መሲሉዎም ሰምበዱ፣ ንሱ ግን ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል ብሓቂ እቲ ፍጹም አምላኽ ፍጹም ሰብ ዝኾነ  መምህሮም ምዃኑ ከረጋግጸሎም ደለየ:: '' ኢየሱስ ባዕሉ አብ ማእከሎም ደው ኢሉ'ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን'በሎም:: ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲሉዎም ሰንበዱ፣፣ ኢየሱስ ከኣ 'እንታይ ኰንኩም ኢኹም እትስንብዱ? ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል? አነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረኣዩ፣ ከምዚ ኣባይ እትርእዩዎ ዘሎዅም መንፋስ'ሲ ሥጋን ዓጽሚን የብሉን እሞ ኣረምሲስኩም ረኣዩኒ' በሎም፣፣ እዚ ኢሉ ኣእዳውን አእጋሩን ኣርኣዮም----ገለ ዚብላዕዶ አብዚ አሎኩም? በሎም፣፣ ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን(ጎጎ መዓርን)ሃብዎ:: ተቐቢሉ ከኣ አብ ቅድሚኦም በልዐ'' (ሉቃ24፣37-40 ዮሐ 21፣5 ረኣ)፣፣ እቲ ኣብ ቤተልሔም ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ወንጌል ድኅነት ዝሰበኸ ብሓሶት ተኸሲሱ አብ መስቀል ኣንጠልጢሎም ዝሰቐልዎ እሞ ዝሞተ ዝተቀብረ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ዝተሥኣ መድኃኒና ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ ምዃኑ ከረጋግጸሎም ደለየ::  ድሕሪት ትንሣኤኡ ግን ሰማያዊ ሀለዋት ደአ እምበር በራሲ ምድራዊ ሀለዋት ከምዘይኮነ ከረድኦም ፈተነ::

ካብ ዕለተ ትንሣኤ ጀሚሩ ነርብዓ መዓልቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናተራእየ እምነት ተኸተልቱ ድኅሪ  ምድልዳል ግን፣" ጐይታና ኢየሱስ ነዚ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ" (ማር 16፣19)፣ "ሽዑ ኢየሱስ ንወጻኢ ክሳብ ቢታንያ ወሰዶም፣ ኢዱ አልዒሉውን ባረኾም ፣፣ ኪባርኾም ከሎ ከኣ ካብኣቶም ተፈልየ፣ ናብ ሰማይውን ዓረገ፣፣ ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፣፣ ብብዙኅ ሓጐስውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ" (ሉቃ 24፣ 50-52) ወንጌላዊያን ብዛዕባ ዕርገት መድኃኔ ዓለም የዘንትውልና፣፣ እቶም አብቲ ግዜ ዕርገቱ ምስኡ ዝነበሩ ሓዋርያትን ኣርድእትን ከኣ ንሰማይ ገጾም ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ ከለው መላእኽቲ መጺኦም: " ኣቱም ሰብ ገሊላ፣ ስለምታይ ኢዅም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎዅም? እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣዅምዎ ከምኡ ገይሩ ከኣ ኪመጽእ እዩ" በልዎም''(ግሓ 1፣11)፣፣ እዚ ሕቶዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ:: ትርጉም ዕርገት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ እዩ? ከምቲ እተፋንዎ ሰብ ካብ ዓይንኻ ክሳዕ ዝኽወል እተማዕድዎ እቶም ኣርድእቲ ከኣ ከምኡ ክገብሩ ተረኽቡ፣፣ ዕረገት እየሱስ ግን ብዓይኒ ልብን እምነትን እምበር ብዓይኒ ሥጋና ክንርድኦ አይንኽእልን ኢና:: እቲ ኣብ የማን ኣቦኡ ዝተቐመጠ መድኃኒና ብቦታ ወይ ብጊዜ ኣይድረትን እዩ:: እንተኾነ "እንሆ አነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ" (ማቴ 28፣20 )  ኢሉና እዩ እሞ በቲ ሕያው ቃሉን: በቲ ክመርሓና ዝለኣኸልና መንፈስ ቅዱስን: ዝሰርዓልና ሚስጥራትን: ዝመስረተልና ቤተክርስቲያኑን: ኲሉ ጊዜን ኣብ ኲሉ ቦታን ምሳና ምእንቲ ክኸውን እዩ ንሰማይ ዝዓረገ:: " ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ አብ ዝተአከብሉ፣ ኣነ ከኣ አብኡ አብ ማእከሎም አሎኹ"  (ማቴ 18፣20)፣፣ ቅዱስ ቶማስ ሐዋርያ ቅንዋት ኢየሱስ ድሕሪ ዳሕሲሱ " ጐይታይን አምላኸይን" እናበለ ብእምነት ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስ ምስ ሰገደሉ: "ኢየሱስ ከአ' ስለዝረኣኻኒ ኢኻ ዝአመንካ: እቶም ከይረአዩ ዚአምኑ ብፁዓን ኢዬም በለ" (ዩሓ 20፣29)፣፣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ: "ደጊም ካብ ሕጂ ንደኃር: ብሥጋዊ አረአእያ ንሓደኳ አይንፈልጥን ኢና:: ሽሕኳ ንክርስቶስ ብሥጋዊ አረአእያ ፈሊጥናዮ እንተነበርና: ሕጂ ከምኡ ጌርና አይንፈልጦን ኢና" (2ቆሮ5፣16) ብምባል ከም አመንቲ ትንሣኤ ክርስቶስ ብዓይኒ እምነት እምበር ብዓይኒ ሥጋ ከምዘይንነብር የብርሃልና:: ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአን: ናብ ሰማይ ብኽብሪ ዝዓረገን ክርስቶስ ብእዝኒ ሥጋ ምስማዕ: ብዓይነ ሥጋ ምርአይ: ብኢድ ሥጋ ምትንካፍ: አይንኽእልን ኢና: አየድልየናውን ኢዩ:: እዚ ኲሉ ምድራዊ እዩ:: ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝብሎ: " ከይረኣኹምዎ ተፍቅርዎ፣ ሕጂውን ከይረኣኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣሎዅም፣ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝኾነ ድኅነት ነፍስዅም ምስ ተቐበልኩም ከኣ ብኪንገር ዘይከኣል ክቡር ሓጉስ ትሕጐሱ አሎዅም" (1ጴጥ 1፣8-9):: " ክርስቶስ  ካባና ክርሕቕ ኢሉ ዘይኮነስ: ንህላዌኡ ኩላትና ምእንቲ ክንረኽቦ: ንሓደ እኳ ምእንቲ ከይርሕቆ ኢሉ እዩ ንሰማይ ብኽብሪ ዝዓረገ:: "እወ እቲ ' ብሥጋ ሰብ ተገልጸ፣ ብመንፈስ ጸደቐ፣ ብመላእኽቲ ተራእየ፣ አብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፣ አብ ዓለም ተኣምነ፣ ብኽብሪ ዓረገ ዚብል ናይ እምነትና ሚስጥር ብርግጽ ዓቢይ እዩ"(1 ጢሞ3፣16)፣፣" ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ  አብ የማን አምላኽ ኣሎ፣ መላእኽትን ሥልጣናትን ኃይልታትን ይግዝእዎ አለው" 1ኛጴጥ 3፣16)፣፣ " ክርስቶስ  ተንሥአ እሙታን በዓብይ ኃይል ወሥልጣን አሰሮ ለሰይጣን አግኣዞ ለአዳም" ዝብል ናይ ለይቲ ፋሲካ ጭርሖ ዕለታዊ መምርሒናን ናይ ዓወት መዝሙርናን ክኸውን አለዎ፣፣

ትንሣኤን ዕርገትን መድኃኒና እምበአር ሓዲሽ ተስፋን ትብዓትን ረኺብና ኣሰሩ ክንክተል፣ እሙናት መሰኻኽሩ ክንከውን፣ ንብጾትና ድማ ወንጌል ከነበሥር የተባብዓና፣፣ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስ ከኣል ኲሉ ስለዝኾነ፣  "አይትፍራህ-ሂ" እናበለ እዩ ንነፍስወከፍና ሰላምን ዓወትን ዝዕድል፣፣ "ምስ ረኣኹዎ ድማ ምውት ኮይነ አብ አእጋሩ ወደቑኩ፣፣ የማነይቲ ኢዱ አብ ልዕለይ አንቢሩ ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፣  "አይትፍራህ፣ አነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳኅራይን፣ እቲ ሕያውን እየ፣፣ አብ ልዕሊ ሞትን ሲኦልን ከኣ ስልጣን አሎኒ" (ራእ 1፣17-18)፣፣ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ብርግጽ ዘጠራጥርን ዘፈርሕን ኲነታት የጋጥመና ይኸውን፣ ንሕና ግና ከም ቅዱስ ጳውሎስ፣ "ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለዝገበረኒ፣ አነ ድማ ነዚ ኲሉ ናተይ ክገብሮ ኢለ እጽዕር አሎኹ፣፣ አኅዋተይ፣ ገና ናተይ ከምዝገበርክዎ ገይረ ንርእሰይ አይግምትን እየ፣፣ ሓደ ነገር ደአ አሎ፣-ነቲ ብድኅረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፣ ናብቲ ቅድመይ ዘሎ አቢለ እናተመጣጠርኩም፣ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ አቢለ፣ ናብቲ ዓስቤ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ አምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጉዪ ኣሎኹ"(ፊል 3፣12-14)ንበል፣፣ ሃምናን ቀልብናን ምስ ክርስቶስ ጉይታና ይኹን፣፣ ወትሩ ልብና ናብ አምላኽና ነልዕል፣፣ እዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብግብሪ ከነርእዮ አድላይ እዩ፣፣ ቅዱስ አጉስጢኖስ "እምነትውን ናታ አዕይንቲ አለዋ" ከምዝበለ፣ ምድራዊ ናብራና ብብርሃን እምነት ወይ ዓይኒ እምነት እዩ ዝምራሕ፣፣ መበቆል ሕይወት ንስኻ ኢኻ፣ ብብርሃንካ ከአ ብርሃን ንርኢ" (መዝ36፣9)፣፣ "እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝኃሪዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ሕዝቢ ኰንኩም ምሕረት፣ ለውሃት፣ ትሕትና፣ ሕያውነት፣ ትዕግሥቲ፣ ልበሱ፣፣ ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፣፣ አብ መንጎኹም ቅር ዜብል ነገር እንተሎ፣ ይቕረ ተበሃሃሉ፣፣ ከምቲ ጉይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ፣፣ አብ ልዕሊ እዚ ኲሉ ግና፣ ንኲለን አሲራ አብ ፍጻሜ እተብጽሓን ፍቕሪ እያ እሞ ልበስዋ" (ቆላ3፣12-14) ከምዝበለ ንሕናውን ደቂ ትንሣኤ ደቂ ዕርገት ስለዝኾንና አብዚ ዘመነ ፋሲካን ዕርገትን ጰራቅሊጦስን ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ንበርትዕ ንተሐደስ፣፣          

ንኲላትና ብሩክ በዓለ ትንሣኤን ዕርገትን ይግበረልና፣፣ አሜን፣፣                                                                                                  አባ መንግሥተአብ ተስፋማሪያም                                                                                                                                  ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ አሥመራ                                                                                                

   

፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.