2015-04-02 16:00:00

ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ኣዚዮም ዘፍቅርዎ መንፈሳውነት መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ዋዜማ ሰንበት ዘመለኰታዊ ምኅረት ናብ ቤት ፈጣሬ ኵሉ ዝተመለሱላ ዕለት ምዃና እንክዝከር፣ በዛ ዕለት እዚኣ ምኽንያት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ባህላውን መርሃ ግብርታት ኣቢላ ዘኪራ ከምዝወዓለት ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ ዕለት፣ 2 ሚያዝያ መበል 10 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ምዃኑ ገሊጾም፦ “እቶም ናይቲ ክርስቶስ ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ዓቢይ መስካሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ምእንታናን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራን ቤተ ክርስቲያንን እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤ ብርሃን ነቲ ዘጓንፍ ጸላም ህይወት ቀንጢጡ ብርሃን ከልብሶን ሰላሙን ሓጎስን ከንብረልና መታን ኣማላድነቶም ንምሕጸን” ቢሎም ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብነት ንመንእሰያትን ንሓደስቲ መራዑትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ብምቕራብ ቅዱስ ዎይትይላ ኣብነት ኵላውነት ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዮም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳትፉ ናይ ንእስነት ህይወትን ጸዋዕታን ክህነት ጵጵስናን ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ዝነበርዎ ሕይወት ንምእመናን ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ ኣብነት ምዃኑ እንቀቃልሑ ብፍላይ ድማ፦ “ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እቲ ውዕዉዕ ዓሚዩቕ መንፈሳውነቶም ንኣናን ብፍላይ ድማ ነቶም ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ድሕሪ ምድራዊ ሕይወትን ስቓይን መከራን ትንሳኤ ከምዘሎ የረጋግጹልና” ዝብል ኣብኦም ብቓልን ሕይወትን ዝተንጸባረቐ ኢየሱስ ክርስቶሳዊ ምልኣተ ሕይወት ብዙሓት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዘስመርሉ ክፍለጥ እንከሎ ኣይትፍርሑ ልባትኩም ንኢየሱስ ክርስቶስ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትሉ ዝብል መልእኽቶም ሎሚ እውን የቃልሕ ምህላዉ ይምስክሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.