2015-03-26 18:22:00

ቤተ ክርስትያን ወላ ነቶም አብ ኃጢአት ዝርከቡ ሥድራቤት ከይተረፈ ተኃሊ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክፍለጥ እንከሎ ትማሊ ሮቡዕ 25 መጋቢት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ከምኡ ክአ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ብቪደዮ ይከታተሉ ንዝነበሩ አካለ ስንኩላን ትምርተ ክርቶስ ሂቦም።

አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ሲኖዶስ ጳጳሳት ሲኖዶስ ስለ ቤተ ሰብ ዘተኮረ ከም ዝነበረን አብ ሞንጎ ቤተ ክርስትያንን ስዳርን ዘሎ ርክብ ቅዱስን ዘይግሀስን ከም ዝኾነ ንምእመናን አገንዚቦም።ስድራ ቤት ናይ ፍቅርን ሕይወትን ማሕበረ ሰብ ከም ዝኾነን ካም ሱር መሰረቱ ብእግዚአብሔር ዝተቀደሰ ከም ዝኾነን ክአ አረዲኦም።

ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ አብ ቫቲካን ሲኖዶስ ጳጳሳት ስድራ ቤተ ዝጠመተን ዝምልከትን ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም ዚካየድ አዘኻኺሮም ክአ ኩሎም ክርስትያንን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ምእንትኡ ክጽልዩ አተሐሳሲቦም።አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝሀብዎ ትምህርተ አተሐሒዞም ቤተ ክርስትያንን ስድራን ዝተአሳሰሩ ዘይፈላለዩ ኢዮም ክብል ከለኹ  ቅድስቲ ካኦሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ወላዲት ንስድራ ቤት ትከናኸን  ማለት ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ  ስድራ ቤት አብ ዝኾነ ይኹን  አብ እወታውን አሉታውን  ኩነታት ትረኸብ ቤተ ክርስትያን  ካብአ ከም ዘይትፍለን ንበይና ከም ዘይትገድፋን አነጺሮም።ቅድስትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስትያን ስድራ ቤት ሐጥእ ትኹን ካብ ቤተ ክርስትያን ርሒቃ ትረኸብ  ወትሩ ከም ትሐልየላን ክትልወጥን ምስ እግዚአብሔር ክትዕረቅን ከም ትጽዕር ክአ  አገንዚቦም።ሐልዮ  ቤተ ክርስትያን  ንስድራ ቤት ዘይቋረጽ ቀጻሊ ከም ዝኾነ ጥቂሶም ክአ ስድራ ቤት ቅድድስትን ጸጋ እግዚእሸብሔር ከም ዝኾነትን  ንምእመናን ነጊሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ ትማሊ ንምአመናን ዝሃብዎ ትምህርተ ክርስቶስ  አተሐሒዞም ቅድሚ 20 ዓመት  ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ዝጽሐፍዎ “Evangelium vitae   ሕይወት  ቅዱስ መጽሐፍ ዝተሰየመ ዓዋዲ መልእኽቲ  ዘኪሮም ጽባቄ  ምትእስሳር ስድራ ቤት ቅዱስ ዮሴፍ ማርያምን ኢየሱስ ሕጻንን  ከም  ዘገንዘበ  ገሊጾም። አብ መወዳእታ  ትምህርተ ክርስቶስ ክአ ምስ ምእመናን ሐቢሮም ምእንቲ ሲኖዶዶስ ጳጳሳት ስድራ ቤት  ብሐባር ጸልዮም፡ ንምእመናን  ሰናይ መዓልቲ ተመንዮም ተፋንዮምዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.