2015-03-24 14:40:00

ሮማ፦ መሰናደዊ ንናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል፣ ናይ ግብረ ሰናይ ሰሙን


ዕለት 22 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሰበኻ ሮማ ምእንቲ እቶም ንስደትን መከራን ዝተቓልዑ ኢራቓውያን ማሕበረ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገን ዝተውሃበ ምጽዋት እውን ምእንቲ ደገፎም ከምዝውዕል እንክሕበር፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ዕለት 23 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ቀረባ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና እትእውጀሎም ሰማዕት ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝኽሪ ጸሎት ዋዜማ ከምዝተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝገልጽዋ እታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነት ብቐረባ እናተዓዘበት ንዝተናዕቁን ብሕሱም ድኽነት ንዝተጠቕዑን ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ እተቕርብ ቤተ ክርስቲያን፣ ኢየሱስ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ እትነብር ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ቃል ናይ ሮማ ሰበኻ ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ገይራ ነቶም ኣብ ከባቢ ሮማ ጥራሕ ዘይኰነስ ነቶም ርሑቕ ዝነብሩ ንስደትን መከራን ዝተቓልዑ ዒራቓውያን ማሕበረ ክርስቲያን መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ተቕርብ ከምዘላን፣ ዒራቓዊ ማሕበረ ክርስቲያን ብእምነቱ ምኽንያት ካብ ቤቱ ናብ ግዳምን መዕቆቢ ስደተይናታትን ተዳሪጉ ብዘይ ብሩህ መጻኢ ናብ ፈቖዶ ጎረባብቲ ሃገራት ፋሕ ክብል ተገዲዱን ኣደዳ ናይቲ ጅሃዳዊ መጥቓዕቲ ኰይኑ ኣብ ዘለሉ ኣዋን ቤተ ክርስቲያን ሮማ ቀረባኡ ብምዃን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ር.ሊ.ጳ.ን ቅርበት ትምስክር ከምዘላ ኅየንተ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ኣብ ዒራቕን ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝነብር ማሕበረ ክርስቲያን እምነቱን ባህሉን ታሪኹን ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ጉዳይ ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ግድን ምዃኑን፣ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ማዕጾኣ ከፊታ ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ማሕበረ ክርስትያን ክትድግፍ ክርስቶሳዊ ጸዋዕታኣ እዩ ኢሎም።

ቐጺሎም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ካሪታስ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሮማ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ፈሮቺ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት። ካሪታስ ጨንፈር ሮማ ን 13 ሺሕ ስደተይናታትን ዜጋ ሓገዝ ብምቕራብ፣ ንልዕሊ 5,700 ብቐረባ ብምክትታል ዘድልዮም ኩሉ የቕርብ ከምዘሎን ኣብ ሮማ ናይ ምቅርራብን ደገፍን ባህሊ ንምስፋሕ ኣብዚ መዳይ ዜጋታት ትጉሃት ክዀኑ ካብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝጅምር ሕንጸት ኣብ ግብረ ሰናይ ሰበኻ ሮማ ከምዘቕርብ ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል ቫሊኒ እውን ይብሉ ኣቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ምቕራብ እዩ። ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ እዚ ድማ እቲ ምእንታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ፍቕሪ ዝምስክር ኽኸውን እንከሎ። ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ብጻይ ምውፋይ ሰማዕትነት ማለት እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ድማ ሰበኻ ሮማ ቅድሚ 35 ዓመት ናይ እምነት ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 22 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ዝዘከርዎም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ምዃና ዝሃብዎ ቃል መሰረት፣ ዕለት 24 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ሰበኻ ሮማ ጸሎት ዋዜማ ከምእተፈጸመን፣ ኣብተን ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከቡ ኣባይቲ ማእሰርቲ እውም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምዝዓረገን ሓቢሮም፣ እዚ ዅሉ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ዘማእከለ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.