2015-03-24 14:49:00

መዓልቲ ልኡካነ ወንጌል ናይ እምነት ሰማዕታት


ዕለት 24 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ልኡካን ወንጌል ናይ እምነት ሰማዕታት ዘኪራ ከምዝወዓለት ክሕበር እንከሎ፣ እዚ ብናይ ጳጳሳዊ ግብረ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኣባላት መንእሰያት በቢ ዓመቱ ናይ ሳን ሳልቫዶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ናይ ደም ሰማዕትነት ምስ ዝኸፈሉሉ ዕለት 24 መጋቢት 1980 ዓ.ም. ብምትሕሓዝ ዘዳልዎ ክኸውን እንከሎ፣

መጋቢት 24 መዓልት ዝኽሪ ልኡካነ ወንጌል ናይ እምነት ሰማዕታት ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝጽለየሉ ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ሰማዕት ቢላ ብፅዕና ክትእውጀሎም ምዃና ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ማሕበር ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።

ካብ 1980 ክሳብ 1989 ዓ.ም. 115፣ ካብ 1990 ዓ.ም. ክሳብ 2000 ዓ.ም. ድማ 604 ልኡካነ ወንጌል ናይ እምነት ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን፣ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈጸመ ዓሌታዊ ህልቀት ምኽንያት 343 ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባላት ከምእተቐትሉን፣ ኣብ 2014 ዓ.ም. 27 ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖውሎ ልኡካንን 17 ካህናትን 6 ደናግልን ሓደ ተመሃራይ ዘርአ ክህነትን ሓደ ዓለማዊ ምእመን ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን ብጠቕላላ ካብ 1980 ክሳብ 2014 ዓ.ም. 1,602 ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

02 ልኡካነ ወንጌል ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.