2015-03-21 16:03:00

ኣባ ካንታላሜሳ፦ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጐ ምስራቕን ምዕራብን


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ንቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ ምድሃኔ ዓለም ዘቕርብዎ ስብከት ዘዓቢይ ጾም ብምቕጻል ዕለት 20 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ብፍቕሪ ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማዓጽዋ ከፊታ እትርእዮ ብዙሕነት ከም ዓቢይ ጸጋን ሃብትን ደኣ እምበር ከም ስግኣትን ጌጋነትn ኣይኰነን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬኤላ ዘራዞ ሓቢረን።

“መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጐ ምስራቕን ምዕራብን”  ብጸጋ እግዚኣብሔር እቲ ኣብ መንጐ ምስራቕን ምዕራብን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ብዙሕ ዘመናት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ምፍልላይን ምግምማዕን ምኽንያት ዝዀነ ሕድ ሕዳዊ ምውቕቓስን ምውግጋንን ምክሳስን ሎሚ ተሰጊሩ ምቅርራብን ናይ ሓባር ዘተ ይረአይ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ከይድ ስላሴኣዊ ትርጉም ዘለዎ ኣግባብ ከምዝዀነ ከምዝተንተኑ እዚ ድማ ናይቲ ዘቕረብዎ ስብከት ሕመረት ክኸውን እንከሎ፣ ብቐዳምነት ተኣምኖተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ማለት እምነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ናይ 318 ዓ.ም. ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ውሳኔ ጀሚሩ ዝተረጋገጸ ኑዛዜ እምነት፦ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጐይታ ዝሰረጸ ብልሳን ነቢያት ዝተናገረን ዝብል ግብረ እምነት ዝተነብሮ ተኣምኖተ ሃይምኖት ክኸውን እንከሎ ጽንሕ ቢሉ ዝተወሰዀን እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ምግምማዕ ዘኸተለ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ መንፈስ ቅዱስን ወልድ ዘሎ ርክብ፣ ናይ ግሪክ ኣበው መንፈስ ቅዱስ ብወልድ ኣቢሉ ካብ ኣብ ዝሰርጽ እዩ ዝብል እምነት እንክገልጹ ናይ ላቲን ኣበው ድማ ካብ ኣብን ወልድስ ዝሰርጽ ዝብል እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ካብ ኣብ ዝሰርጾ ካብ ወልድ እውን ክምኡ ዝብል ከምዝዀነን’ እዚ ክልተ ሓሳብ’ዚ ምስራቕን ምዕራብን ዝብል ክልተ ዓይነት ግብረ መልሲ ከምዝወለደን ብፍላይ እቲ ካብ ወልድ ዝብል ድንጉይ ቢሉ ምስ በንዲክቶስ መበል 15 ኣብ 1024 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቂያ ዝተወሰኸ ግብረ እምነት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምግምማዕ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።

እቲ ምግምማዕ ብተማላእነት ይትካእ እቲ ንምግምማዕ ምኽንያት ዝዀነ ናይ እምነት ሰረተ ሓሳብ ነቲ ምግምማዕ ብተማላእነት ይትክእ፣ እዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ምግምማዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ከም ዓቢይ ጸገም ዘይኰነስ፣ ከም ሓደ ዓቢይ ሃብቲ እሞ መሰረት ተማላእነት ኰይኑ እዩ ዝግለጽ። ስለዚህ እቲ ፍልልይ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍንውን ሓሳብ ብግትርና እንተድኣ ዘይተነብረ ናይ እምነት ጭቡጥ ምስጢር ዝዓግት ኣይክኸውንን እዩ፣ ስለዚህ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስርቕን ሕጋዊ ተማላእነት ከምዘሎን፣ ኣነ ምሉእ ዝኸውን ንስኻ ምስ እትህሉ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድማ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢየተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ብምብጋስ ናይ ዕርቂ ድላይ መስኪሮም እዮም፣ ናይ ምዕራብን ምስራቕን ቲዮሎጊያ ዛዕባ ስነ ምርምር መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ዝፈላለየ ካብ ወልድ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝብገስ ዘይኰነስ ሓደ ዓቢይ ጽማሬ ንምርካብ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ ክብገስ ዘለዎ፣ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ዝህብ ጥራሕ ዘይኰነስ መንፈስ ቅዱስ ዝቕበል እውን እዩ። እዚ ድማ ናይ ስላሴ ርክብን ዘተን ዝግልጽ፣ ኣብ ናይ ድሕነት ታሪኽ ንጹር እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸ ሓቂ እዩ። መንፈስ ቅዱስን ወልድን ብቕድሚትን ድሕሪትን ዝስዕቡ ወይ ድማ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ወይ ከኣ ጐኒ ንጐኒ ከም ዝኸዱ ገርርካ ምሓሳብ ጌጋ እዩ። እዚ ናይ ምዕራብ ኰነ ናይ ምስራቕ ናይ ትዮሎጊያ ሊቃውንቲ ከስተውዕልዎ ይግባእ” ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን።

“ጐዳና ፍቕሪ” ቅዱሳት መጻሕፍቲ መንፈስ ቅዱስ ከም ሓቅን ብርሃንን ኣብ መንጐ ሓቅን ብርሃንን ከምኡ እውን እቲ ናይ ግሪክ ኣበው ራእይ ዝዀነ ፍቕሪ ኣብቲ ኣብ ዝወሃብ ፍቕሪ ዘሎ ተማላእነት የረጋግጹልና፣ መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ኣልባብ የሕድር፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዝብሎ፣ “ፍቕሪ የተሓባብር የሕብር ቅንኢ ይገማምዕ” መንፈስ ቅዱስ ናይ ክርስቶስ ኣካል ከፍቅርን ብውህደት ድማ ንኻልኦት ከፍቅር ይድርኸኒ። እዚ ፍቕሪ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ዘተ ክጽንበር እንከሎ እቲ ምፍልላይ ከም ጸላእን ጌጋነትን ስግኣትን ገርካ ዘይኰነስ ከም ሃብትን ጸጋን ንሓጐስን ዝድርኽ ጌርካ ክትሓስቦን ክትነብሮን ክትቐርቦን ትጅምር፣ ብዙህነት ተማላእነት እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.