2015-03-21 12:12:00

አብ ዓለምና ውግእ አብ 33 አካባቢታት ከምዝግበር አትላንታ ናይ ጂኦግራፊ መጽሔት ሓቢሩ::


አትላታ ናይ ጆግራፊ መጽሔት አብ ኅብረተሰብና ዝፍጸም ውግእ ብ 2 መደባት እንክገልጽን፤ ቐዳማይ ንተፈጥሮ ዘይከናኸንን ዘይጥንቀቅን ካልኣዓይ ከአ አብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝፍጸም ዘሎ ውግዕ ከምዝኮነ አፍሊጡ።

ራፋኤሌ ክሮኮ  ናይ አትላትታ ጄኦግራፊ መጽሔት ኋላፋይ  ምስ ዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ስእሊ ሰአልቲን ሓገዝ ተቁዋም ካብ መንግስቲ ነፃ ዝኾና ብሃባር ብምስራህ  በዚ  እዋን’ ዚ  አብ 33 ቦታ-ታት ውግእ  ከምዘሎ ገሊጾም።

ውግእ ዝተፈላለየ መልክእ ከምዘለዎን ከምእውን ውግእ ናይ ሃብቲ ተፈጥሮ ከም ማዕድን አውጺካ ንምዕባለ ዓዲን ተፈጥሮን ንትጥቀመሉ ኽከውን ገሊዑ ኸዓ ተፈጥሮ ዘጥፍዕን ዘይህልውን ይብሉ::

ውግእ   ፍልስጤምን እስራኤልን እንተመልከትና፤ ካብ ክንደይ ዓመታት ጀሚሩ ገና እውን ይቅጽል ዘሎ ምንጪ መሠረቱ ማይ ንምቍጽጻርን ከምዝኮነ ውግእ ኡክራይና ንነዳዲ ዝኸውን ጋዝ ከምዝኮነን፤ ብቀረባ ኸዓ አብ አውሮፓ ዝጥቀሙሉ ንነዳዲ ዝኸውን ጋዝ ብ ቡልጋሪያ ዝኃልፍ ዝነበረ መስመር ከምዝተዓጸወን ናይዚ ሳዕቤን ከኣ ኤውሮጳ ጋዝ ካብ ካልእ ዓድታት ክትጥቀም ከምዘገድዳ አፍሊጦም።

 ናይ ጥልያን ሰብኣዊ መሰል  አኽባሪ ተቁዋም (አምነስቲ ኢንተርናሽናል) ሪካርዶ ኑራይ፤ ውግእ አብ  ጎረቤት ዓድታት ለውጢ ከምዘስዕብ ሃቢሮም።

ኸምኡውን ብጂሃዳዊያን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ቅድሚ ሎሚ ተራኢዩ ዘይፍለጥን  ካብ ንኡሳን ማኅበረ ክርስቲያንን ዓሌታትን አብቲ ታሪኻዊ ሃብቲ ተፈጥሮ ዝርከቡ ቦታ-ታት አዕንዮም።   አቡ ሲሪያ ዘሎ ውግእ ዘሰንብድን  4 ዓመት ከምዝገበረን  200 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱን 12 ሚልዮን ከምዝተሰደዱን አብ ማዕከላይ ሪፑፕሊክ አፍሪካን ደቡብ ሱዳን ናይጀሪያን ኸኣ ናይ ቦኮ ሐራም አሸበርቲ ይበዝሑ ከምዘለው ከምኡ ውን ን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ቅድሚ ሎሚ ተራኢዩ ብዘይባሃል አመጽ ይፍጹሙ ከምዘለውን እንክምልከት ብዙሓት ሚልየን ሰባት ከኣ በቲ ዞባታት ብፍርሂን ስግ-ረዓድን  ከምዝነብሩ ሓቢሮም።  

 አብ ፓኪስታን ኢራቅን  ናይጀሪያን  ንዝርከቡ ንዑሳን ማኅበረሰብ ክርስቲያናት ከም ናይ  ዓሚ 2014 ዓም ስደትን መከራን መቅተልትን ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ሓቢሮም።

 ናይ ጥልያን ሕክምና ብዘይ ገደብ ናይ ረዴት አገልግሎት ሓላፋይ ስቴፋኖ ዛኒኒ ውግዕ  አብ ማኅበረ ሰብ ዘከትሎ 3 ሳዕቤን እንክገልጽ  ቀዳማይ ጸገም  አብ አእምሮ ወድ ሰብ ዘከትሎ ጭንቀትን ሕማምን ካልኣይ ብ  ሚልየናት ዝቁጸሩ ሰባት ካብ ውግእ ክሃድሙ ዘሎ ሸገርገርን ቅልውላውን ከምኡውን መንበሪ መጽለሊ ንምድላይ ዝሽገሩ  ሳልሳይ ብ ዓለም ሓቘፍ ደረጃ ዘሎ ጸገማት ናይ ሓገዝ ተቁዋማት አብቲ ጸገም ዘለዎ ቦታ ተረኪብኻ ንኩሉ ሓገዝ ምሃብ እኹል  መድሃኒታትን መሳሪኺ ሕክምናን ስርርዕን መደባትን ብቍዕ ከምዘይርከብ አመልኪቶም::  

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.