2015-03-21 15:54:00

ብፁዕ ካርዲናል ኦብራይን ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ካርዲናል ሕጋዊ መሰል ስልጣኖም ኣረኪቦም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስኮዚያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ከይዝ ሚካኤል ፓትሪክ ኦብራይን ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 349ን 353 ከምኡ እውን ዓንቀጽ 356 መሰረት ድሕሪ ናይ ነዊሕ ጸሎት ኣስተንትኖን ጊዜ ብገዛእ ፍቓዶም ነዘቕረብዎ ሕጋዊ ናይ ብፁዕ ካርዲናል መሰል ስልጣኖም ናይ ምርካብ ውሳኔ ተቐቢሎም ከምዘጽቑ ናይ ብፁዓን ካርዲናል ጉባኤ ዘውጽኦ መገልጺ ይሕብር።

ብፁዕ ካርዲናል ኦብራይን ናይ ሳይንት አንድረውስን ኤዲንቡርግ ልሂቅ ሊቅ ጳጳስ ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኦብራይን ውሳኔ ተቐቢሎም ብምጽዳቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንናይ ስኮዚያ ምእመናን ብጸሎት ቀረባ ከምዝዀኑን ብሓዋርያዊ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ድማ ከምዝስዕብዎም ብምርግጋጽ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ኣብ ስኮዚያ ዘበገስዎ ናይ ሕዳሴን ዕርቅን ከይዲ ብትብዓት ክቕጽልሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ብፁዓን ካርዲናል ጉባኤ መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኦብራይን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምስምማዕ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2013 ዓ.ም. ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ንመንፈሳዊ ሕዳሴን ጸሎትን ንስሓን ጣዕሳን መደብ ካብ ስኮዚያ ርሒቖም ከምዝነበሩን፣ በቲ ዝፈጸመዎ ግድፈት ተጣዒሶም ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ነታ ኣብ ስኮዚያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ድማ ይቕረታ እሓትት ቢሎም ካብ ዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ክነብሩ ከምዝወሰኑ ባዕሎም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ኣፍሊጡ፣ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመረጸ ጉባኤ ካርዲናል እውን ብገዛእ ፍቓዶም ከምዘይተሳተፉ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.