2015-03-19 16:23:00

እሱራት ቤት ማእሰርቲ ፖጆረኣለ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድምጽና እዮም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ኣ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎረቶን ከምኡ እውን ኣብ ናፖሊ ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙ ምዃኖም ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ኣብ ሎረቶን ናፖሊን ሕዝብን ምእመናንን ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ዓቢ ምድላዋት የካይድ ከምዘሎን ኣብ ናፖሊ ክፍለ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ቤት ማእሰርት ዝርከቡ እሱራት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኽራኸቡ ምዃኖም እንክፍለጥ እቶም እሱራት ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽብይዎም ከምዘለዉን ንቅዱስ ኣቦና ወሃቢ ቃልና እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣብ ናፖሊ ቤት ማእሰርቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ካብ ዝፍጽሙ ማሕበር ወለንተይናታት ሓደ ናይቲ ቺሮ ኤ ቪቮ እተሰምየ ማሕበር ወለንተይናታት ኣደ መንበር ኣና ማሪያ ኤስፖሲቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፣

ቅዱስ ኣቦና ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስ ዝርከብ ዜጋ ሓደ ብሓደ ንኽራኸቡ ድላይ እውን እንተለዎም እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ናይ ሓደ መዓልቲ ብምዃኑ እቲ ጊዜ ጸቢብ እዩ፣ ኰይኑ ግና ኣብኡ ተረኺቦም ዘቕርብዎ ቃሎምን ምዕዳኖምን ምስ ነፍሲ ወከፍ እሱር ዘራኽቦም ከምዝኸውን እምነት ኣሎኒ፣ ኣብ ሰኮንዲሊያን ፖጀረኣለን ዝርከቡ ሰለስተ ሺሕ ዝግመቱ እሱራት ስለ እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ግቡእ ፍርዶም ኣብ ዘጠናቕቕሉ ዓመታት ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ልቦናውን ሕንጸት ኣዚዩ የድልዮም እዩ፣ እዚ ሕንጸት’ዚ እዩ ድማ ናብቲ ዝተፈለይዎ ሕብረተሰብ ተመሊሶም ብሰላም ተወሃሂዶም ክነብሩን ርጉእን ሰላማውን ሕይወት ክመርሑን ዝድግፎም። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ሕንጸት መዳይ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምእተበርክት እውን ሓቢረን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ፖጀረኣለ በጺሖም ከምዝነበሩ ዘኪረን፣ እዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሕዝብን ናይ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ንእሱራትን ሕዙናትን ህሙማንን ዓቢይ ተስፋ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ዝተራኸብዎም እሱራት እቲ ምርኻብ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ዝሓለፈ ጉጉይ ተመክሮኦም ቀንጢጡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝወጽኡ ሓድሽ ሰብ ኰይኖም ክነብሩ ናብ ዝብል ውሳኔን ካብዚ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝወጹ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘምልስ ጌጋን ገበንን ንኸይፍጽሙን ሰላማዊ ናብራ ንኽመርሑ ዓቢይ ቁርጺ ፈቓድ ክግበሩ ከምዝደረዀም ባዕሎም እቶም እሱራት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ እንክብላ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.