2015-03-19 16:37:00

ሰብኣውን መንፈሳውን ሓገዝ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንተቐማጦ ክፍለ ከተማ ሮማ ቶር በላ ሞናካ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ቶር በላ ሞናካ ንዝርከቡ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ናይ ሰብኣውን ንዋታውን ረድኤት ከምዝለኣዅ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ኣቢሉ ኣብቲ ከባቢ ክፍለ ከተማ ሮማ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ ምስ ምእመናን ሕሙማንን ድኻታትን ተራኺቦም ነቲ ሕዝቢ ብኣካልን ብመንፈስን ቀረብ ምዃኖም ከምዘረጋገጹን፣ እዚ ቅርበት’ዚ ድማ ብጸሎት ወትሩ ዝፍጸም ክኸውን እንከሎ፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ብምቕራብ ነቲ ቅርበቶም ጭቡጥ ከምዝገበርዎ ናይ ቤተ ጳጳስ ምጽዋት ሓልዮ ብፁዕ ኣቡነ ኮንራድ ክራጀውስኪ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ንድኻታት ኣባይቲ ስድራ ተቐማጦ ክፍለ ከተማ ቶር በላ ሞናካ ዝቐርብ ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ዝምስክሮ ግብረ ሰናይ ነቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንኽጅመር ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ኢዮቤል ትእምርቲ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ምሕረት እግዚኣብሔር ብቓልን ሕይወትን ዝምስከር ክኸውን ከምዘለዎን፣ ፍቕሪ ምስ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንብጻይ ብምንባር ዝግለጽን እቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ናይ ኣፍ ጥራሕ ከምዘይኰነን ፍቕርና ንእግዚኣብሔር ምስሉይ ከምዘይኰነን ንብጻይና ብምፍቓር ንእግዚኣብሔር ብግብሪ ኣፍቕረካ እየ ምባል ምዃኑ ዘተሓሳስብን ዝምዕድን ተግባር ምዃኑ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.