2015-03-19 19:47:00

ሕፃናት ንዓለም ሕይወትን ብርሃንን ይህቡ!


 

ከምቲ ወትሩ ሮቡዕ አብ ሰሰሙን ብስም ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቅርብዎ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ እውን ነቲ ብዛዕባ ሥድራ ቤት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ብዛዕባ ሕጻናት “ንዘመደ አዳም ዓቢ ህያብ” ከምዝኾነ ብምግላጽ ብዛዕባ መንነት ሕጻናትን ዘድልዮም ክንክንን ብሰፊሑ አስተምሂሮም፣

እዚ ትዕድልቲ እዚ ግን ተአፋፊ ብምዃኑ ዓሚ ተገዳስነትን ሥራሕን ዚሓትት ኢዩ፣ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጻናት ናባይ ክመጹ ግደፍዎም ዝብል ሓሳብ ጀሚሩ እግዚአብሔር ንሕጻናት ከምዘፍቅርን ንክፈልጥዎን ንክርድእዎን ቀረባኦም ከምዝኾነን ንሱ እውን ብቀሊሉ ከምዝርደኦምን ከምዝሰምዖምን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሓደ ኅብረተሰብ ብኩሉ ኩሉ ክንፈርዶ እንተኾና በቲ አብ ዘርእዮ ኃልዮትን ኵስኰሳን ምንክብኻብን ከምዝኾነ እውን ዕብየት ናይዚ ጸጋዚ አስተው ዒልካ ዝግበኦም ክብሪ አብ ምሃቡ ከምዝኾነ ገሊጾም፣

ሕጻናት ዘዘኻኽሩና ነገር ኩልና አብ ሕጻንነት ፍቅርን ኃልዮትን ሓገዝን ናይ ካል ኦት ከምዘድልየና ብ ዓቢኡ ከአ ኩልና ውሉድ ከምዝኾና ውሉድ እቲ ሰማያዊ አቦ ከምዝኾና የገንዝቡና፣ ከም ሕጻናት እንተዘይኮንኩም መንግሥቲ አምላኽ አይትርእዎን ዝብል ቃል አምላኽ በቲ ጐ.ኢ.ክ “ኦ አቦ ነዚ ነገራት እዚ ንሕጻናትን ናአሽቱን ስለዝገለጽካዮ አመስግነካ አሎኹ” እንክብል መንግሥቲ አምላኽ ንሕጻናት ክፍቲ ምዃና የመልክት፣

ቅዱስነቶም አብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ርሑቅ ምሥራቅ ፊሊፒንስ አብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዙሓት ሕጻናት ከምዝረአዩ ብሓቂ ሕይወትን ብርሃንን ዝዕድሉ ሓጐስ ዝዕንግሉ ምዃኖም እንክገልጹ በንጻሩ ብዙኃት ሃገራት ናይ ወሊድ ኩነታቶም ካብ ሓደ ሚ እታዊት ዝወረድ ዳርጋ ዓዲ ሽማግለታት ዝኾኑ ብሓቂ ከምዘሕዝኑ ከመይ ሕጻን ዘይብሉ ማኅበር ዳርጋ ጸልማት ኰይኑ ሓጐስ ዘይብሉ ኢዩ ዚኸውን፣ እዚ ሕጻናት ክህልውኻ ዘይምድላይ ዝገደደ ከአ ነቶም ክውለዱ ዝነበሮም ካብ ማኅጸን ብምንጻል ሕይወት ንዝነፍጉሎም አትሪሮም ዝገሰጹ ቅዱስነቶም ሕጻናት ምህናጽን ምኵስኳስን ዓቢ ኃላፍነት ስለዝኾነ ምናዳ ገርህነቶም ከይንጎድኦ ክንጥቀቅ እንከዘኻኽሩ ሓንሳእ ሓንሳእ ነታ ዘላ ከምዘላ ኰፍ እንከብልዋ ንስከፍ ከመይ ንሕና ዓበይቲ ጕርሕን ሽርሕን ስለዘጥቀዓና ናይ አምሰሉነት ሕይወት ንመርጽ፤ አብዚ ከምዚ ኩነታት እዚ ሕማቅ ኢዩ አይደልዮን ወይ አይገብሮን ብማለት አብ ቅድሚ ሰብ ከሕፍሩና ይኽእሉ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ጊዜ እንከሐጉሱና ሓንሳእ ሓንሳእ ከአ ናብ ሁከት ከእትውና ይኽእሉ፣ አብዚ ከአ ኢዩ እቲ ዝተመዛዘነ አተሓሕዛን ኵስኰሳን ዘድሊ፣ ኩሉ ተደማሚሩ ግን ሕጻናት ምስ ኩሉ ጸገማቶም ክህልውኻ ይምረጽ ከመይ ሕጻናት ዘይብሉ ማኅበር ሕዙን ማኅበር ስለዝኾነ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.