2015-03-17 18:45:00

ናይ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ብጹዓን ጳጳሳት አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ


ናይ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን  ብጹዓን ጳጳሳት  አብ ቫቲካን  ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዝተራኸቡን  ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ  አፍሊጡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ብፁዓን ጳጳሳት ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ጳጳሳት ነቲ አብ ቦዝኒያን ሄርዞጎቪናን ዘሎ ብኤኮኖሚ ትሕዝትኡ ዝደኸመ ህዝቢ ድኻታትን ጽጉማትን ክሕግዙ  ስእነት ስራሕ  ከም ዘሎን  ነቲ  አብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ክሕግዙን ተስፋ ክህቡን ክተሐበርዎን  ከም ዘተሐሳሰቡ እቲ ምግለጺ  አመልኪቱ።

ዝምጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ አብ ቦዝኒያን ሄርዞጎቪናን  ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎምን ነዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ብሃረርታ ከም ዝጽበይዎን ክአ  አገንዚቦም።

አብ መፍራቅ ተስዓታት አብ ሀገራት ባልካን  ዝተኸየደ መሪር ኲናት አብ ህዝቢ አሉታዊ በሰላ ከም ዝገደፈን እነሆ ንዕስራ ዓመታት ተዛማዲ ሰላም ከም ዘሎን እዚ ነቲ  አሉታዊ ክስተት ክድምስሶ ከም ዘይክእልን ክአ  ከም ዘመልከቱ ተገሊጹ ።

ህዝቢ ቦዝንያ ሄርጾጎቪና ብስእነት  ስራሕ ይሳቀ ከም ዘሎን  ህዝቢ ናብ ስደት ከም ዘቅንዕን ከም ዝተገንዝበቡ  ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ጳጳሳት  እዚ ተርእዮ”ዚ ንምግታእ ዝክአሎም ኩሉ ክግበሩ ከም ዝተማሕጸንዎም ክአ ኣዚ ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ  ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ነቲ አብ ሽግር እንከሎ ግን ክአ ክስደዱ ዘይደሊ ህዝቢ መንፈሳዊ ሞራላውን እንተተኻኢሉ ክአ ንዋታውን  ሐግዝ ከቅርቡሉ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ እቲ መግለጺ  አገንዚቡ ።

ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና አብ ሕብረተ ሰብ አዎንታዊ ጊደ ክጻወት ምስ ካልእ እምነት ዝኽተሉ ማሕበረ ሰባት ብምርካብን ብምውሳእን ማሕበራዊ ሽግራት ብሐባር ንምፍታሕ ክንቀሳቀስ ክአ ከም ዝሐተቱ ተፈሊጡ አሎ ።

ብጹዓን ጳጳሳት ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና  ንመንእሰያት  ዘድሊ ቆላሕታ ክህቡ ከከናኸንዎም ሐዋርያዊ ጉስነቶም ከስፍሑ  ጠቂሶም  ዝምጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ዕለት ሽዱሽተ ብሰላም የራኽበና ብማለትን ሐዋርያዊ ቡራኼ ሂቦምን ከም ዝተፋነውዎም ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ  አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.