2015-03-14 18:04:00

ሰንበት ዘደብረ ዘይት 2007 ዓ.ም. መጋቢት 6/2007 ዓ.ም. 3/15/2015


ንባባት፡ ፩ተሰ 4፡13-ፍ፥ ፪ጴጥ 3፡7-ፍ፥ ግ.ሓ. 24፡1-21፥ ማቴ 24፡1-28።

ምስባክ፡“ እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ  ሱቕ እውን አይብልን እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር “ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና” ይብል።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘደብረ ዘይቲ ይብሃል። ደብረዘይቲ ምስራቕ ካብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ካብኡ አማዕዲኻ ንሽንጥሮ ኪድሮን ንሩባ ኪድሮን ክትርእዮ ይክአል። ብዙሕ አእዋም አውሊዕ ዘይቲ ዝፈሪ ስለ ዝነበሮ ደብረዘይቲ ይብሃል። አብ 70 ዓ.ም. ሮማውያን ምስ ከተማ ኢየሩሳሌም ብምልኡ አጥፊኦሞ። ገተሰማኒ ብምዕራባዊ ገምገም እዚ ደብሪ እዩ ዝርከብ (ማቴ 26፡30)፥ አብ ምስራቓዊ ወገን ቢታንያን ቤተሳይዳን ይርከባ።  አብ ብሉይ ኪዳን ደብረ ዘይቲ ክልተ ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ 1. ዳዊት ንጉሥ ካብ ወዱ አቤሴሎም ሃዲሙ አብዚ እምባ ተዓቚቡ ነሩ (2ሳሙ 15፡30-32)። 2. አብ ትንቢተ ዘካርያስ ብዛዕባ ምጽአት መዓልቲ ጎይታ ክንበ እንከሎ ይጠቕሶ (ዘካር 14፡4-5).

ኢየሱስ አብ ቢታንያ ንአልአዛር ካብ ሞት አተንሲእዎ (ዮሓ 11)፥ ቅድሚ ሕማማቱ አብ ቢታንያ ነሩ ምናልባት አብ ገዛ ማርታን ማርያምን። ቅድሚ ሕማማቱ ኢየሱስ ብዓቢ ዓወት ካብዚ እምባ ንኢየሩሳሌም አትዩ (ማቴ 21 1-11፥ ማር 11፡1-10፥ ሉቃ 19፡28-29፥ ዮሓ 12፡12-15)። ካብዚ እምባ ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ገጹ እናተጓዕዘ ነቢዕላ (ሉቃ 19:41-44)፥ ካብዚ እምባ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአቱን መወዳእታ ዓለምን አስተምሂሩ (ማቴ 24፥ ማር 13)። ሉቃስ ከምዝብሎ ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱ ዘላ ምሸት አብዚ እምባ አሕሊፍዎ (ሉቃ 21፡37)፥ መጨረሻ ድራር ምስ ሓዋርያቱ አብዚ እምባ ገርዎ (ማቴ 26፡30፥ ማር 14፡26፥ ሉቃ 22፡39፥ ዮሓ 18፡1)። ዕርገት ኢየሱስ ካብዚ እምባ እዩ ተፈጺሙ (ግ.ሓ. 1፡12)።

አብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን እምባታት ፍሉይ ነገራት ዝተፈጸመሎም ከምኡ አብ እምነት ፍሉይ ምልክት ዝህቡ እዮም። ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዓሰርተ ትእዛዛት ተቐቢሉ፥ ኤልያስ ነቢ ምስ ሓሰውቲ ነብያት ብዓል ክብአስ እንከሎ አብ እምባ ይቕመጥ ነሩ አብኡ አምላኽ ብመልአኹ ገሩ ይዛረቦ ነሩ። አብ ሕይወት ኢየሱስ ደብረ ታቦር ደብረ ዘይት ፍሉይ ነገራት ዝተፈጸመሉ ቦታት እዩ። አብ ደብረ ዘይት ኢየሱስ ፍሉይ ጸሎት የብጽሕ ነሩ ካብኡ ሕማማቱ ጀሚርዎ፥ አብዚ ደብሪ ብዛዕባ ምጽአት ዓለም አስተምሂሩ። ንሰማይ ካብዚ እምባ ዓሪጉ። ስለዚ እምባታት ፍሉይ ነገር ዝተፈጸመሎም አምላኽ ንደቂ ሰብ ዓበይቲ መልእኽትታት ዘመሓላለፈሎም እዮም።

ጸሎት ክገብር ምስ ደለየ አብ ደብረ ዘይቲ ይኸይድ ነሩ አብኡ ብጽምዋ ንሰማያዊ አብኡ ይረኽቦ ነሩ። አብ እምባ ንአምላኽ ክትረክብ ጥዑም እዩ። ሙሴ አብ እምባ ምስ አምላኽ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነሩ፥ አብ ደብረ ታቦር ኢየሱስ ራእዩ ምስ ተቐየረ አብኡ ድምጺ አምላኽ ተሰሚዑ “እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ስምዕዎ” ዝብል። ገዳማት አብያተ ክርስትያናት ሃገርና አብ ደብርታት አብ ሓፍ ዝበለ ቦታ ይህነጽ እዚ ኸአ መሰረቱ እዚ እዩ። አብ ጽምዋ ንአምላኽ ክንረኽቦ ምቹእ ኩነታት ይፈጥረልና።

ሎሚ አምላኽ አብ እምባ ርእስና ደይብና ኩነታት ሕይወትና ክንርኢ ንዝወደቕናዮ እቕረታ ክንሓትት ንሕተት አሎና። አብኡ ክዛረበና ክሕድሰና ይደሊ አሎ ዝሰምዕ እዝኒ ክነጥሪ፥ ዝልአኽ አእጋር ክንገብር፥ ሰናይ ዝዛረብ አፍ ክንፈጥር ክንቀርቦ ክረኽበና ይሓተና አሎ። ከም ሳሙኤል ነብይ “ጎይታይ ተዛረብ ባርያኻ ይሰምዓካ አሎ ንበሎ”። መጀመርያ ነፍሰይ ከንጽሕ ድሕሪኡ ክልአኸካ እነኹ ንበሎ።

አብ ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ አብ ደብረ ዘይቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን ብዛዕባ ቅድሚኡ ዝርአዩ ምልክታትን ከም ዘስተምሃረ ይነግረና። ቅ. ማቴዎስ ነቲ አብ ማርቆስ 13፡1-8 ዘሎ መሰረት ገሩ እዩ ዝነግረና። ሓደ ፍሉይ ነገር ማቴዎስ ዝነግረና አብ መወዳእታ ዓለም ስርዓት ሕጊ ከምዝጎድል ሕዝቢ አብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዝልዓል ውግእን ወረ ውግእን ከም ዝስማዕ ደቂ ሰብ አብ ጭንቀት ከምዝርከቡ እሞ ተራእዮም ዘይፈልጡ ነገርት ከም ዝርአዩ ይነግር። አብ ከምዚ ኩነታት እንከለዉ ብዙሓት ሓሰውቲ ነብያት ከምዝትንሥኡ እሞ ንብዙሓት ከም ዘታልሉ ገሊጹ ይነግር። እዚ ኹሉ ቅድሚ ምዃኑ ግን ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ አለዎ ይብል።

እዚ ወንጌል ክነንብብ እንከሎና ንፈርሕ ወላ እውን ክንሰምዖ አይንደልን። ብባህርና ሕማቕ ክወርደና አይንደልን ኢና እንተ ኾነ ኢየሱስ እዚ ነገር ከምዝኸውን ነጊሩ። ከፈራርሕ ኢሉ ዘይኮነ አብ መገዲ አምላኽ ክንርከብ ኢሉ እዩ። አብዚ ሰለስተ ትንቢታት ይነግር።

ዕንወት ኢየሩሳሌም፡ ብ70 ዓ.ም. ናይ ንጉሥ ቲቶ (ሮማዊ) ንከተማ ኢየሩሳሌም አዕንዮማ። ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ካብዚ ጊዜ ምስ ዓነወ ክሳብ ሕጂ ዓንዩ ፍራስ ምራስ ጥራሕ ይርአ። አይሁድ ቤተ መቕደስ የብሎምን።
መጨረሻ ዓለም፡ እዛ እንነብረላ ዓለም ሓደ መዓልቲ ክትውዳእ እያ። መዓልቱን እዋኑን አይንፈልጥን ኢና ስለዚ ነቒሕና ክንጸንሕ ይነግረና።
ዳግማይ ምምጻእ ክርስቶስ፡ አብ መጨረሻ ዓለም ንሕያዋንን ሙታንን ብሓባር ክፈርድ ኢየሱስ ክመጽእ እዩ።

አብዚ ጎይታና ዝሓተና ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ክንጸንሕ፥ ክንጽሊ ይነግረና። ኢየሱስ አብዚ ከምቲ ነብያት ዘስተምህርዎ ዝነበሩ ብምልክታትን ከምኡ ብተራእዮም ዘይፈልጡ ነገራት ገሩ እዩ ዝዛረበና። ብዙሕ ጊዜ ነብያት ከነግሩ እንከለዉ ብዙሓት ይአምንዎ አይነበሩን ግን እቲ ዝበልዎ ምስተፈጸመን ዓይኖም ምስ ረአየን እዮም ዝአምንዎም ዝነበሩ።

ሓዋርያት ነቲ ዝኸውን ኩሉ ምስ ነገሮም ሰንቢዶም ምአስ ከምዝኸውን ሓቲቶሞ። አብዚ እዋና በብእዋኑ መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ እዩ እናበሉ ምስቲ ዝርአ ነገራት እናአዛመዱ ዝንበዩ አለዉ፥ ኢየሱስ እዚ ነገር ክቅድሚ ምዃኑ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ እዩ ይብል። ቤተ ክርስትያን ኩሉ ዓይነት ስቓያት ክወርዳ እዩ ግን እዚ መወዳእታ አይኮነን ይብሎም።

ንአይሁድ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ናይ ከተማ ኢየሩሳሌምን ቤተ መቕደስን እዩ እዚ ኸአ ምስ ታሪኾምን መንነቶም ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ክልተ ምስ አጥፍኡ አብ ኩሉ ፋሕ ኢሎም ይርከቡ። ንሕና እውን ናይ ሕይወትና ቀንድን ማእከልን አሎና እዩ። ከም ህዝቢ ከም ክርስትያን ክነጥፍኦ ዘይብልና ነገር አሎና። እምነትና ቀንዲ እዩ። ኩነታት ብዘየገድስ አብ እምነትና ክንጸንዕ ንዝኾነ ዝጓነፈና ፈተና ክንስዕር አሎና። ባህልናን እምነትናን ክልተ አገደስቲ ነገራት እየን። ሰብ ባህሉ እንድሕሪ አጥፊኡ መንነቱ አጥፊኡ ናተይ ዝብሎ ስለ ዘይብሉ ከንቶ መንቶ ኮይኑ ይነብር። ከምኡ እምነቱ ጽኑዕ እንተ ዘይኮነ ዘይነብሮ እንተ ኾነ እውን ሕይወቱ ቅሱን አይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ነዚ ክልተ አጽኒዕና ክንሕዞ አሎና ዝብሃል።

ዓለምና ሎሚ ሞት ውግእ ስደት ዓመጽ በዚሕዋ ንርኢ አሎና፥ መወዳእታ ዓልምዶ ቀሪቡ ኮይኑ ኢልና ክንሓትት ዳርጋ ንግደድ። እዚ እንርእዮን እንሰምዖን አብ ሰባት ዝወርድ ዘሎ ፍትሒ ተሳኢኑ አብ አብያተ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ዝተዳጎኑ፥ ዓድም ዝፈትውዎ ህዝቦምን ወገኖም ሓዲጎም ዝስደዱ፥ ብሰንኪ እምነቶም ዝቕተሉ ዝእሰሩ ከምኡ አብ ውሽጢ ዓዶም ዝተፈላለየ ግፍዒ ዝወርዶም ክትርኢ ክትሰምዕ ቀሊል እዩ። ነዚ ከመይ ንርእዮ አብ እምነትና። ብርግጽ ዝኾነ ፍጻሜ ናቱ ምልክትን ትርጉምን አለዎ። አብ እዋና ዝርአ ነገራት ብዝያዳ አብ አምላኽ ክንቀርብ ዝሕግዘና ክኸውን አለዎ። ብዙሕ ጊዜ ክፍአትናን አብ አምላኽን ሰብን እንገብሮ ክሕደት አብ ሕይወትና ጸገም ከውርደልና ይክአል እዩ፥ ግን ኩሉ ዝገጥም ብሰንኪ ኃጥአትና ክፍአትና እዩ ክንብል አይክአልን እዩ። እቲ ዝበለጸ ነገር ክንገብሮ ዝግብአና አብ ኢየሱስ ዘሎና እምነት እናዓበየን ደልደልን ክኸይድ አለዎ። ዝኾነ ነገር ንትእምርትና እዩ ዝውሃበና ስለዚ ርኢና ክንክእል አምላኽ እንታይ ይደሊ አሎ ክንብል አሎና። አምላኽ አብኡ ክንምለስ ብዝተፈላለየ ይዛረብ እዩ ክንሰምዕ ክንምለስ አሎና።

ሓሰውቲ ዘታልሉ ክመጽኡ እዮም ይብለና። መንእዮም እዞም ሓሰውቲ ዘታልሉ ዝብሃሉ ዘለዉ። ብርግጽ ንሓቂ ንትምህርቲ ክርስቶስ ጠምዚዞም ዘይናቱ ትርጉም ብምሃብ ንብዙሓት ካብ ሓቂ ዘውጽኡ፥ ክእልተን ዝተፈላለየ መጋበሪ ዘለዎም ልኡኻት እዮም። አብ ገለ እዋን ሕይወቶም ትምህርቶም ከታልለና ይኽእል እዩ ክንገጥሞም ክንምልሰሎም ቀሊል አይኮነን በዚ ምኽንያት እዩ ነቲ ዘይንፈልጦ አብ ቤተ ክርስትያና መልሲ ክንረኽበሉ ክንሓትት አፍልጦ እምነትና ክነዕቢ ዝግብአና። ጓይላ ሰሚዐ ኢልካ አይስዕሳዕን እዩ ብጥዑም ላዛ ዝተሸፈነ ቃላት ሰሚዕና ክንታለል የብልና። ንኢየሱስ ረኺበዮ ዝብል ዘረባ እንተ መጸና አነ ቀደም አብ ጥምቀት አብ ኩሉ ምስጢራት ተቐቢለዮ ስለዚ ንአይ ሓዲስ አይኮነን ሓወይ ሓፍተይ ድሒርካ በጺሕካዮ ንበሎም።

“እቲ ካሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ክድሕን እዩ” እዚ ነተን ብሰንኪ እምነት ዝወርድ ስቓይ ስደት ዝርኢ እዩ። ንፈተና ምስ መጸ ክንዋግኦ፥ ዘታልል ምስ መጸ ጸኒዕና ክንቋወሞ ይግብአና። አብ ገለ እዋን ትርጉም እምነትን ዝገጠመና ፈተናን ይገራጨወና እሞ ፍታሕ ዝረኸብና ኮይኑ ይስምዓና እሞ ካብ እምነትና ንዝንብል ሽዑ አብ ሓዲስ ዘይ ዳስና ጓይላ ንተክል እዚ ግዝያዊ ዕግበት እዩ ዝህበና ሓቂ አይትቕየርን እያ ስለዚ አብ እምነትና ጸኒዕና ክነብር ንጸሊ።

እዚ እንነብሮ ዓለም ክሓልፍ እዩ ነፍሲ ወከፍና በብምዓልትና ክንሓልፍ ኢና ስለዚ ውራይ ድሕነትና ክንገብር እዋኑ እዩ። ቅ. ጴጥሮስ ነዚ ኸገንዝበና ኢሉ “መዓልቲ ጎይታ ግና ከም ሰራቕ ኾይና ኽትመጽአኩም እያ. . . . . . ነታ አምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እናአቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግብአኩም” (2ጴጥ 3) ይብለና። ስለዚ “አቱም ፍቑራተይ ነዚ እናተጸበኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኳንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ” “ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ” ይብለና።

አብ ጉዕዞ ጾም አብ ዘሎናሉ እዋን ጉዳይ መወዳእታና ክንሓስብ ግቡእ። ከመይን ምስ መንን እጉዓዝ አሎኽ ክንብል የድሊ። ፀሓይ በሪቓ ክትዕርበና ጥራሕ የብልናን አብ ልብና ንመለስ እሞ ጉዕዞና ንርአ። ከመሎኹ? ኢልና ሕልናዊ ሕቶ ሓቲትና መልሲ ወሃብቲ ክንከውን አሎና። እዚ ቅዱስ እዋን ጾም ፍሉይ ዝግብሮ አብ አምላኽ ክንምለስ ዝዕድም ስለ ዝኾነ እዩ። 

አብ አምላኽ ተመሊስና አተሓሳስባና አካይዳና ንዓሪ ሽዑ አብ ዝመጸ እንተ መጸ ሰንከል ወይ ፍርሒ አይ ክመጽአናን እዩ። ኦ አምላኸይ ኩሉ ጊዜ አባኻ አሚነ ክነብር ሓግዘኒ አብ ጊዜ ሞት አብ እትጽውዓኒ እዋን ከአ እሙን አገልጋሊ ኮይነ ክጸንሕ ጸጋኽ ዓድለኒ ንበሎ።

ኣንጉሠ ፍሥሓ

 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.