2015-03-12 17:04:00

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናብቲ አብ ሮማ ዝርከብ ረቢብያ ዝተባሀለ ቤት ማሕቡስ


 ክቡራትን  ክቡራንን  ሰማዕትና አብ ግዜ ዓቦ ጾም ማለት ጾመ አርብዓ ከም ንርከብ ክዝከር ከሎ ፡  ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ  ሚያዝያ  ዕለት  ክልተ ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን  ብተልምዶ ሐሙስ ጽግቦ ተባሂሉ  ዝጽዋዕ  ጸሎተ ሐሙስ ተኸቢሩ ከም ዝውዕል ይፍለጥ።

በዚ ዕለት”ዚ ቅዱስ አቦና  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ናብቲ አብ ሮማ ዝርከብ ረቢብያ ዝተባሀለ  ቤት ማሕቡስ ከም ዝጓዓዙን  አብቲ  ቤት ማሕቡስ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ከም ዝቅድሱን  አእጋር እሱራት ከም ዝሐጽቡን ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ  አፍሊጡ ።

ናይቲ  ቤት ማሕቡስ ቆሞስ ዶን ሳንድሮ ስፕርያኖ ብዕለተ ጸሎተ ሐሙስ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ንቤተ ማሕቡስ ረቢብያ ምምጽኦም  ዘለዎም ርእይቶ ተሐቲቶም >  ዝሕለፈ ወርሒ መስከረም  አብቲ  አብ  ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንግሆ ንግሆ  ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ ዝዓርግ መሥዋዕተ  ቅዳሴ  አብ ዝተሳተፍኩሉ ግዜ  ምስ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ዝተራኸብናሉ ግዜ  ጸሎተ ሐሙስ  ቤት ማሕቡስ ረቢብያ  ክበጽሑ ዕደመ አቅሪበሎም ኔረ ስለዚ  ነቲ ዕድመ ስለ ዝተቀበልዎ  ብዙሕ  ተሐጒስና  ኢዮም   ዝበሉ ።

ብዕለተ ጸሎተ ሐሙስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ተረኺቦም ክቅድሱን ከምቲ ጐይታና መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሐዋርያቱ እአጋሮም ዝሐጸቦም አእጋር ሕቡሳት ክሐዝቡ ምምዳቦምን ሮማዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን  ንሕቡሳት ዘለዋ ሐልዮ ዘንጸባርቅ ስለ ዝኾነ ጽቡቅ አጋጣሚ ከም ዝኾነ ናይቲ ቤት ማሕቡስ ቆሞስ ዶን ሳንድሮ ስፕርያኖ ገሊጾም።

እዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ”ዚ ሕቡሳት ካብ ሕብረተ ሰብ ተነጺሎም ይነብሩ ከም  ዘየለዉ

ዘመልክት ክርስትያን  አብ ምስልምና ዝአምኑ ደቀ ንስትዮ ዝሐቆፈ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ

 ነቶም ብዝተፋላለየ ምኽንያት አብ ቀይዲ ዝርከቡ ሰባት ተስፋ ዝህብ ቅሳነት ዝህብ ስለ ዝኾነ ግብረ ሰናት ተግባር  ከም ዝኾነ ቆሞስ ቤት ማሕቡስ ረቢብያ ዶን ሳንድሮ ስፕርያኖ አገንዚቦም።

ከም ቆሞስ ቤት ማሕቡስ ንአማሐደርቲ መንግስቲ ክብሎ ዝደሊ ንሰብ ምእሳር በቲ ዝፈጸሞ ገበን ክቅጻዕ ዝብል አተሐሳስባ ብምእራም ክትካእ  ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ዝበለጸ ሰብአዊ አተሐሕዛ ክህሉ  በዚ አጋጣሚ”ዚ  መልእክቲ ከተሐላላፍ ይደሊ   ክብሉ መግለጺ ሂቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.