2015-03-08 18:00:00

ንጸዋዕታኹም አጽንዕ ንሓዋርያዊ ተልእኮኹም ምሉእ ደገፈይ እገልጽ ንዝተዓደለኩም ውህበት ከአ እባርኾ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም አብዚ ክፍለ ዘመን እዚ ንቤተ ክርስትያን ካብ መሠረታ ንምሕዳስን ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ንምዝራእን አብ መሠረታውያን ንኡሳን ማኅበራት ቍምስናታት ዓቢ አበርክቶ ዝገብሩ ዘለው ንትምህርተ ክርስቶስ ብቀጻልን ሓዳስን መልክዕ ብጉጅለታት ቍምስናታት ዘንቀሳቅሱ ብኒዮካተኩመነይት ዝፍለጡ ከማኡ እውን ምሥረታ መበል ሱሳ ዓመቱ ዘኽብር ዘሎ ብውህደትን ነጻነትን ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ኮሙንዮን አንደ ሊበረይሽን በብወገኖም ትማልን ሎምን ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ እዚ ምንቅስቃሳት እዚ እግዚአብሔር ብኃልዮቱ ንቤተ ክርስትያን ዝዓደላ ምዃኑን ንቤተ ክርስትያን ከአ ዓቢ ነገር የበርክቱ ከምዘለውን ገሊጾም፣

አብቲ ትማሊ አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ መላእ ዓለም ብምኻድ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንኽገብሩ ምስ 600 ዝኾኑ ደቆም ተበጊሶም ንዘለው 220 ሥድራቤታት ናይ ኒዮካቱኩመናል አባላት ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ ድሕሪ ምስጋና ሕመረት ናይቲ ርክቦም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

 “እጃም ር.ሊ.ጳ ከምቲ ዝኽተሎ እጃም ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ነሕዋት አብ እምነቶም ምጽናዕ ኢዩ፣ ሎሚ አብዚ ትርከቡሉ ዘሎኹም ከአ ንጸዋዕታኹም ንከጽንዓልኩምን ንተልእኮኹም ንክድግፍን ንዝተዓደለኩም ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክባርኸልኩምን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕታት ኢኹም አብዚ ትርከቡ ዘሎኹም፣ አነ ከአ ሎሚ ንጸዋዕታኹም አጽድቅን አጽንዕን ንሓዋርያዊ ተል እኮኹም ምሉእ ደገፈይ እገልጽ ንዝተዓደለኩም ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከአ አጽድቆን እባርኾን፣” እንክብሉ ጽንዓት አልቢሶም ደገፎም ብምውፋይ ምስ ባረኽዎም ነዙይ ዝገበሩሉ ምኽንያት እንክገልጹ ከአ፤ ናብቲ መራሒ ናይቲ ጉጅለ እና አመልከቱ “ነዙይ ዝገብረሉ ምኽንያት ክገብሮ ስለዝደለኹ ደአ እምበር ወይ ከፍቱ ወይ ተኸፊለ አይኮንኩን፣ ክገብሮ ስለዝደለኹ ጥራይ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ፣ ብስም ክርስቶስ ናብ ኩሉ ዓለም ክትከዱ ኢኹም ወንጌል ከአ ክትሰብኩ ኢኹም፤ ክርስቶስ ይምርሓኩም! ክርስቶስ የሰኒኹም! ነዙይ ሕዝኩሞ ትጐዓዙ ዘለኹም መንገዲ ድሕነት ከአ ክርስቶስ ባዕሉ ናብ ፍጻሜ የብጽሓዮ” ብማለት ሃረርታ ልቦም ገለጹሎም፣

እዚ ምንቅስቃስ እዚ ድሮ ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ ሓደ ሺሕን ሓደ ሚእትን ዝኾኑ ሥድራቤታ ምስ አርባዕተ ሺሕን ሽድሽተ ሚእትን ደቆም አብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ስብከተ ወንጌል የካይዱ ከምዘለው ጸብጻባት ናይቲ ማኅበር የመልክት፣

ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ነቶም ነዞም ንስብከተ ወንጌል ነቂሎም ዘለው ዝመርሑ ሰላሳን ሰለስተን ካህናት ዝወሃባ መሳቅል ባሪኾም ምስ ዓደሉ ናይዚ መንፈሳዊ ጕዕዞዚ ቀንዲ አዕኑድ ቢሎም ዝተማሕጸንወን ቃለ እግዚአብሔርን ሥርዓተ አምልኾን ማኅበርን ነበራ፣ ከምቲ ናይዚ ምንቅስቃስ አባላት ወትሩ ዝገብርዎ ድኅሪ ጸሎተ ሠርክ ቅዱስ ቍርባን ምስራዕን አስተንትኖን ምትሕግጋዝን ምምኽኻርን ከዘውትርዎ ሓደራ ብማለት አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ነዚ  ምርአይ ዓቢ ምጽንናእ ከምዝፈጥረሎም ብምግላጽ አሰናበትዎም፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ረፍዲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ ስሳ ሺሕ ዝኾኑ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ አባላት ምንቅስቃስ ኮሙንዮን አንድ ሊበረይሽን ማለት ውኅደትን ነጻነትን ዝኾኑ ዝኽሪ መበል ስሳ ዓመት ምሥረታ ምንቅስቃስን ዓሥራይ ዓመት ዕረፍቲ መሥራቲ’ዚ ምንቅስቃስ’ዚ ነፍሰ ኄር አባ ልዊጂ ጒሳኒ ንምዝካርን ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም፣

ቅዱስነቶም አብዚ ርክብ እዚውን አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ሕዳሴኡን እዚ ምንቅሳቃስ እዚ ዘበርክቶ ዘሎ ግደ ዓቢ ምዃኑ ብምዝካር እቶም ቅድሚ ዓሠርተ ዓመት ካብዚ ዓለምዚ ብሞት ዝተፈልዩ መሥራቲ ውኅደትን ነጻነትን ቅድሚ ሞቶም ዝተላበውዎ ኩልና ናብቲ መሠረታዊ ናይ ክርስትና ክብርታት ክንምለስን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ምንቅስቃስ እዚ ዝ ዓደሎ ውህበት ምጉህሃሩን እምበር አብ ሓሙዅሽቲ ዝተደጐለ ሓዊ ኰፍ ቢልካ ምንባር ጥራይ ከምዘይ አክል ገሊጾም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.