2015-03-05 16:58:00

ኣቡን ኣብ ክርስቶስ እምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳበ ሕዝቢ ዝእክብ አይኰነን፤


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ኣብ ሮማ “ቅዱስ ቁርባን፣ ናይ ሱታፌ ምሥጢር” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ንዘለዉ ናይ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ፈተውቲ ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም “ሓደ ኣቡን ኣብ ክርስቶስ ደኣ እምበር ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳቤ ሕዝቢ ኣብ ዙሪያኡ ዝእክብ ኣይኰነን” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።


እቲ ናይ ሓድነት መንፈሳዊ መርሖ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ብጽንዓት ኣብቲ ክርስቲያናውን ቤተ ክርስቲያናውን ባህርያት ዝጽግዎ ኣብ ቅዱስ ቁርብን ዘልሓቐ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከተሓሳስቡ፦ “ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ሓድነት ቲ ዘለዎ ናይ መለኰታዊ ስሕበት ባህርዩ የጥፍእ ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ ናይ ሰብኣውን ስነ ልቦናውን ሰነ ሰብእን ስምዒትን ምንቅስቓስን ኰይኑ እዩ ዝተረፍ፣ ስለዚህ ቅዱስ ቁርባን እቲ ማእከል ክርስቶስ ክኸውንን ንምርኻብን ንሱታፌን ዝኣመተ ብጋሴታትና ዘንቀሳቕስ መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ይገበር” እቲ ናይ ሓደ ኣቡን መሰረታዊ ኣገልግሎት ንማሕበረሰብ ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ቁርባን ምእካብን ኣብ ዙሪያ እቲ ድርብ መኣዲ ቃልን እንጀራ ሕይወትን ዝእክብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንክግለጹ፦ “ጳጳሳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት መትከል እዩ፣ እዚ ግን ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ዝኽወን ኣይኰነን፣ ሕዝቢ ኣብ ናይ ውልቁ ሕሳቤ ዝእክብ ዘይኰነስ ኣብቲ ብቓሉን በቲ ቅዱስ ምስጢር ስጋኡን ደሙን ህልው ዝኾነ ክርስቶስ ዝእክብ እዩ” ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ጳጳስ ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዔን ኣብ ክርስቶስ ጸኒዑ ድማ ብስብከቶም ብዝህብዎ ምስክርነትን ህያው ወንጌልን ምእንቲ ብዙሓት ዝፍትፈት እንጌራ ክምዝኸውንን ነፍሲ ወከፍ ብእምነት እቲ እንጀራ ዝኾነ ክርስቶስ ዝምገብን ሕይወቱ ምእንቲ ኣሕዋት ከወፍይ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ምስ ካልኦት ብፍላይ ድማ ምስቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ንኽራኸብ ብፍቕሪ ክርስቶስ ከምዝድረኽ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ቅዱስነቶም ተንቲኖም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ ብፁዓን ጳጳሳት ውሽጢ ካብ ሶሪያን ዒራቕን ኡክራይንን ዝመጹ ብፍላይ ጠቒሶም፦ “ምስ ሕዝብኹም ኴይንኩም ኣብ ስቓይ እትነብሩ ዘለዅም ብፁዓን ጳጳሳት ብእምነትን ተስፋን ሓቢርኩም ንቕድሚት ክትብሉ ዘብቅዓኩም እቲ ካብ ኢየሱስ ቁርባን ዝምንጭ ሓይሊ ተመክሮ ዘለኩምን ኢኹም፣ በቲ በቢ ዕለቱ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩላትና ምሳኹም ሕቡራት ኢና፣ ምእንታኹም ንጽልን ስሌኹም ዝቐርብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ርቡሕ ናይ ምትሕብባርን ደገፍ ዝበራታዓሉ መስዋዕተ ክርስቶስ ብምቕራብ ምሳኻትኩም ሕቡራታ ኢና” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ነቶም ናይ ምንቅስቓስ ኣፍቅሮተ ዘቤት ፈተውቲ ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንውህደት ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ጉዕዞ ከይተሓለሉ ህርኩት ተሳትፎ ዘለዎም ኰይኖም ክርከቡ ድማ ሓደራ ቢሎም፣ ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ከምኡ እውን እቲ ሓድነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ኣቢያተ ክርስቲያን ምንቅስቓሳት ብዓቢዩ ርኡይ ክኸውን ንዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ምንቅስቓስ ኣደ መንበር ማርያ ቮቸ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና እውን ከምእተሳተፋ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.