2015-03-05 16:19:00

ንዝሸምገሉ ወለድና ክነመስግኖምን ክንከናኸኖምን አሎና! እዚ ምስ ዘይንገብር ግን ናይ ውርደት ውርደት ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ዕለተ ሮቡዕ ንምእመናን አብ ዘቅረብዎ ትምህርቲ እንክኸውን ነቲ ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀምርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል “አብ  ሕብረት ሰባት ዝርከቡ ሽማግለታት አብ ክንዲ ዝምስገኑ ንጐድኒ  ተገዲፎም አብ ጽምዋ ዓለም ከም ዝነብሩ ይግበር አሎ፣ እዚ ከአ ክንዲ ነቶም ሽማግለታት ምምስጋንን ዝግበኦም ክብርን ቦታን ክንዲ ምሃብን ዝግበር ስግንጢር ተግባር ስለዝኾነ ነቲ ገባሪኡ ዘሕንኽን ዘዋርድን ስለዝኾነ ብሓቂ የሕዝን” እንክብሉ ዘሎና ኩነታት ምናዳ ከአ ነቶም ክብርን ግርማ ሞገስን ኅብረተሰብ ዝኾነ ሽማግለታት ዘድሊ ክብሪ ክንህብ አዘኻኺሮም፣

አተሓሒዞም ከአ “ንሽማግለታት ቦታ ዝኸልእ ማሕበረ ሰብ ቫይረስ ሞት የምጽእ፤ ዝሸምገሉ ሰባት ነቲ አብ አፍራዪ ዘመን ሕይወቶም ከለዉ ዘበርከትዎን ዝሀብዎ አስተዋጽኦን ዘንጊዕካ አብ ሕብረት ሰብ ከድምዑ አይክእሉን ኢዮም ኢልካ ክተጓንዮም ፍጹም ተቀባልነት የብሉን” ክብሉ ገሊጾም፣

እቲ ቀንዲ ጸገም ዘመንና፤ አብቲ ብስም ሥልጣኔን ግስጋሴን ዝምኽነ ነጻ ኰንካ ክትወፍር ክትአቱ ነቶም ሽማግለታት ከአ ከም አሉታዊ ተጽዕኖ ሥድራቤት ሓሲብካ ከም አብ መካነ እንስሳ አብ ሐደ ፍሉይ ቦታ መካነ ሽማገለታት ከም ዝዕጸዉ ምግባር ንምንባዮም ሰብ ውዕለት ጌርካ ንብር ኔርካ ከም ቅሙጥ አቅሓ ብጽሕ እናበልካ ዝግበር ሰብአውነት ዝጐደሎ ብፍላይ ምስ ክርስትያናዊ ተግባር ከም ዘይሳነ አገንዚቦም።

ሽምግለታት ናይ ስድራ ሰብ ማሕበረ ሰብ ሕብረት ሰብ ዕቁር ሀብትን ናይ ሕይወቶም ተመኩሮ ዘተሐላልፉን ስለ ዝኾኑ ብጽቡቅ ክተሐዙ ይግባእ ብማለት አጽኒዖም አተሐሳሲቦም፣

ኩሉ ፍጥረት ሰብ አብ ሕይወቱ ሕጻን ጐበዝ ዓቢ ሽማግለ ይኸውን እቲ ንሽማግለታት ዘይግደስ ሕብረተ ሰብ ንሱ ንርእሱ ሐደ ግዜ ክሽምግል ምዃኑ ክዝክር ከም ዝግባእ ጠቂሶም እቶም ዝሐለፉ ዘይነበሩ ይመስሉ እቶም ዘለዉ ክአ ዘይሐልፉ ይመስሉ፤ እዚ ግን አድቂቅካ ካብ ዘይምሕሳብን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል በለጽ ዝመልኦ አተሓሳስባን ሸለልትነትን ዘምጽኦ ጉዳይ ክኸውን ከም ዝኽእል ክአ አሚቶም።

እምብአርከስ ሽማግለታት ሸኸም ስድራ ሸኸም ማሕበረ ሰብ ገርካ ክረአዩ ከም ዘይብሎም እኳ ደአ ዝሓለፈ ቍምነገሮምን ንውሉድ ወለዶ ዘበርክትዎ ሃብታም ተመኵሮኦምን አብ ግምት ብምእታው ብዝግባእ ክጥወሩ ክሕብሐቡን ከም ዝግባእ ምዝካር ከምዘድሊ ተላብዮም፣ ምስዚ’ውን ናይ ምጽውዋር ናይ ምትሕብባር ባህሊ ክዓቢ ተጻዋርነት ክህሉ አተሐሳሲቦሞም፣

ወዲ ሰብ ፍቅሪ አልቦ ሕልና አልቦ ክኸውን ከም ዘይግባእ ስድራ ቤታዊ ማሕበረ ሰባዊ ሕብረተ ሰብአዊ ፍቅርን ምትሕልላይን ክህሉ ከም ዝግባእ አመልኪቶም ክአ አተሐሒዞም ሐደ ግዜ ሽማግለታት ተዓቍቦምሉ ዝነበሩ ቦታታት እናተዘዋወርኩ ክበጽሕ ከለኹ “ስድራ ቤት አለውኹም’ዶ?  እወ፣ እሞ ክበጽሕኹም ይመጹዶ? እወ፤ ናይ መወዳእታ ግዜ መዓስ መጺኦም ኔሮም? ኦው ልደት ፋሲካ ኢሎም ይምልሱ ኔሮም እዚ ማለት ጸጸኒሖም ብአውደ ዓመት ግዜ ወይ ክአ ስሕት ኢሎም ይበጽሕዎም ከም ክትርዳእ ትክእል፣ ስለዚ ንሽማግለታት ክንቀስቀሱ ስለዘይኽእሉ አብ ሐደ ጸግዒ ክተቀምጦም ሐላፍነታዊ አይኮነን እሞ ንሽማለታት ንጽጉማት ንሕጻናት ነንሕድሕድ ክንተሐባብር ይግባእ” እንክብሉ መኺሮም፣

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ዘካይዱ ዝነበሩ ሕጂ ስለ ዝሸምገሉ ከም ዘይለዉ ምቁጻር ብሐቂ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም፣

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ በቲ ዝመጽእ ዘሎ ወለዶ ክኽበርን ክምስገንን እንተኾይኑ ሕጂ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ከኽብርን ከመስግንን ሰብአዊ ስራሕ ክሰርሕን ይግባእ፤ እዚ ንቡር ናይ ሕይወት ጕዕዞን ምውርሳስን ስለ ዝኾነ ክብሉ እውን አዘኻኺሮም፣

አብ መወዳእታ ቅዱስ ዮሐንስ ቦስኮ ዝተወልደሉ መበል 200 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ስለ ዝነበረ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ተመሃርቲ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ሳለስያኒ ሮማ  ሰላም ድሕሪ ቢሎም ንኹሎም ምእመናን  ሐዋርያዊ ቡራኼ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.