2015-03-03 15:58:05

ብፁዕ ኣቡነ ቶዞ፦ ኣብ ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ዘማእከለ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቀረባ መጻኢት ዓዋዲ መልእኽቲ


RealAudioMP3 ኣብቲ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “መሬትን መግብን” ብዝብል ኣርእስቲ ተሰናድዮ ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ንንባብ ዝበቕዔ ሰነድ ኣብ ዓለም ዝረአይ ስእነት መግብን ጥምየትን እንተደኣ ዘይተወገደ ገሊኦም ዕለታዊ ስብሑሕ መኣዲ ዘለዎምን ኣብ ኣፍደጊኦምን ኣብ ካልእ ጫፍ ከባቢ ዓለም ብዙሓት ድማ ብስእነት መግብን ጥመየትን ዝሞቱ ክሳብ ዘለዉ ዘርኢ ሰብ ብሰላም ኣይክነብርን እዩ” እንክብል ካብ ዝገልጾም ሰረተ ሓሳባት ብሰፊሕ ዝድህስስን ዝትንትንን ብፍላይ ድማ ኣብ ስነ ምህዳር ዘማእከለ ድርሳንን ዓዋዲ መልእኽትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ዝበቅዕ ምዃኑ ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።
እቲ መሬትን መግብን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሰነድ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ንዅሉ እኹል መግባዊ ምህርቲ ዘለዎ ክነሱ ካብ ዓለም ጥምየትን ስእነት መግቢ ንምውጋድ ዝኽልእ እንታይ እዩ፣ ብሚሊዮናት ዝቝጸር ህዝቢ ዓለም ብጥምየት ክሳቐን ልዕሊ ክልተ ሚሊያርድ ዝግመት ድማ ብስእነት ዝተመጣጣነ መግቢ ክሳቐን ብኻልእ ደረጃ ድማ ርክብን ትሕዝቶን ሕቶ ተመጋብን ምህርቲ መግብን፣ ቀረብን ሕቶን ከምኡ እውን ከባቢ ተፈጥሮ ዘኽብር ሜላ ዝኽተል ዓይነት ማእቶትን፣ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሕ ኣስተንትኖ ዝሃበሉ ርእሰ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ፣ ምዕሩይን ማዕርኣውን ንኹሉ ዝብል ምዕባለን ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ብድሆን ዝምልከቱ ነጥብታት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ዝተገበረሉ ሰነድ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝምልከቱ ተዛማዲ ሕቶታትን መግብን ከምኡ እውን ሓልዮ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብል ጸዋዕታ ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘማእከለ ሓድሽ መጽናዕቲ ብምክያድን ብዛዕባኡ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተምንቶንን ሰረተ ሓሳብ ምሃብ እዋናዊ ዓለምን ከይዲ ዓለም ዝጠልቦ ጉዳይ ምዃኑን፣ እቲ እንነብሮ ዘሎና ዓውሎማነት ዘረጋግጾ ብድሆ እውን ከምዝኾነን፣ ምስ እዚ እተሓሒዞም ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ምውናን መሬትን ምንዛዔ መሬትን (ምምንዛዕ መሬት) ዝምልከቱ ተዛማዲ ሕቶታትን ዝትንትን ሰነድ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ኣብ ጉዳይ ማሕብራዊ ዝህቦ ኣስተዋጽኦ ናይቲ ሰነድ መሠረት እዩ፣ ኣብዚ ሽሓዊ ዓመት ቲዮሎጋውን ስነ ሰብእን ስነ ምግባርን ከምኡ ድማ ግብረ ኖላውን ኣድማስ ዘለዎ ዓይነት ከይዲ ኣብ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ወሳኒ እዩ፣ ጳጳሳዊ ናይ ፍታሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ቁጠባን ዓለም ለኻዊ ናይ ባጤራ ኤኮኖምን ሕዳሴ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ሃብቲ ማይ መሰረታዊ ሃብቲ ናይ ኩሉን ንኹሉን ደኣ እምበር ናይ ሽያጥ ነገር ከምዘይኰነ ኣብ ዝብል ስረተ ሓሳብ ዝተመርኵዘ ኣብ ሃብቲ ማይ ዝተውሃበ ናይ ሕዳሴ ሓሳብ ዘማእከለን፣ ኣብ 2013 ሃብቲ ጸዓት ብዓይኒ ፍታሕን ሰላምን፣ ኣብ 2015 ዓ.ም. መሬትን መግብን ብዝብሉ ኣርእስታት ንንባብ ዘብቅዖም ሰነዳት ኣቢሉ ኣስተዋጽኦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ከምዘቃልሔ ገሊጾም።
ናይ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ማሕበራዊ ሕቶታትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ዕቃቤ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝተማእከለ ዝመሓላለፍ ትምህርቲ መለለዪ እምነት ክርስትናን ካብ ስነ ሓሳብ ዝምንጭው ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጸብለል ክብል ተባሂሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ጸቕጢ ንምኽዋን ዘይኰነስ፣ ናይ እምነት ማሕበራዊ ኣድማስ መሰረት ዝገበረ እዩ። ካብቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ትምህርቲ ዝነቐለ ክርስቶሳዊ መሰረት ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ፍቅሪ ምልኣት ሓቂ ምዃኑ ዘስተውዕል ብምዃኑ በዚ መሰረት ድማ ምእመንን ቤተ ክርስቲያንን ኣብሰርቲ ሓድሽ ሰብኣውነት ምዃኖም ይምዕዱ፣ ምኽባር ናይ ተፈጥሮ ከባብን ፍጥረት ሰብን፣ ኣብ ኤፈሶን ምዕ. 1 ፍቕዲ 10 “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፣ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፣ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፣ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኪጥቕለልሲ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሓዞ” ኣብ ዝብል ክርስቶሳውነት ዝቖመ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣብ መጻኢ ቀረባ ኣዋን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዕ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ንናይ ስነ ምህዳር ከይዲ ዓቢይ ሓገዝን ከምኡ ድማ ተቐባልነት ንዘለዎ ትኽክለይና መደብ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዓለም ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ዝመርሕ፣ ኣብ ውህበትን ውበትን ሰናይነትን ርህራሄን ምትሕልላይን ብልጫታታ ዝቖመ ብሩህ ሰብኣውነት ንኽረጋግጽ ክንኽተሎ ዝግብኣና ኩለ መዳያዊ ከይዲ ዘነጽር ንእዋናውን ንናይ መጻእን ወለዶ ዝሓስብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ከይዲ ምዕባለ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም ናጻ ዝዀነን ተፈጥሮን ሃብትታቱን ብናይ ውልቃውነትን ንግድን ቀጥዒ ኣልቦ ነጻነትን ቁሳውነትን ገማማዕዕነትን ስነ ሓሳብ መሰረት ክመርሕ ካብ ዝደልይ ከይዲ ናጻ ንምዃንን ተፈጥሮን ዘርኢ ሰብን እቲ ደረት ሰገር ውሳጣዊ ባህርእዩ ብምኽባር፣ ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን ምትሕብባርን ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ዝድግፍ ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዘነጽር እዩ። ውጽኢት ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሕቂ እተሰምየ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን ይርአይ ኣሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ብምቅላሕ እተቕርቦ ምዕዳን ዓሚዩቕን ማንም ዘይንጽል ትምህርቲ እዩ፣ ውጽኢቱ ድማ ኣብ እዋናዊ ይዅን ኣብ መጻኢ ዓለም ዝረአይ ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጾ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.