2015-03-03 15:51:23

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ክርስቲያናዊ ጥበብ ኣይትፍረድ፣ ከዛእ ርእስኻ ምኽሳስ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኻልእ ምፍራድ ቀሊል እዩ፣ ክርስትና ገዛእ ርእስኻ ምዅናን ዝብል ጥበብ ማለት ምዃኑ ዘተሓሳስብ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣብ ምሕረት ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኩላትና ሓጢኣተይናታታ ኢና፣ እዚ ድማ ስነ ሓሳብ ዘይኰነስ ክውንን ጭቡጥን ሓቂ እዩ፣ ስለዚህ ገዛእ ርእስኻ ሓጢኣተይና ኢየ ቢልካ ምዅናን እቲ ዝዓበየ ክርስቲያናዊ ብልጫ እዩ፣ ብቐዳማይ ደረጃ ዝንበር መግለጺ ክርስቲያናዊ ምዃን እዩ፦ “ኩላትና መምሃራንን ንኻልኦት እንፈርድ ሊቃውንቲ ኢና፣ ኣነ ኣይኰንኩን…ኣነ እንተዝኸውን ከምዝን ከምትን ኣይምገበርኩን….እወ ብገዛእ ርእስና እንፍጽሞ ጉድለት ምኽኒት ናይ ምቕራብ ሊቃውንቲ፣ ዝዀነ ይኹን ጉድለት ካልእ ደኣ ይኸውን እምበር ኣነስ ኣይኰንኩን…ገዛእ ርእስና ንጹሓን ገርና ንሓስብን ነቕርብን፣ ኣብ ሕይወት ክርስትና ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ተግባርን ንቕድሚት ኣይስጐምን እዩ፣ ገዛእ ርእስና ምስ እንነቕፍን ሓጢኣተይና ኢየ ቢልና ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስና ምፍራድ ምስ እንጅመር ክንስብድን ሕማቕ ክስመዓና ይጅምር፣ ደሓር ግን ሰላምን ውሽጣዊ ጥዕና የጸግወና። ገለ ገለ እዋን ኣብ ውሽጠይ ቅንኢ ክስምዓኒ እንከሎ ብዛዕባ ካልእ ሕማቕ ምዝራብን ሓሜትን የዘውትር፣ እዚ ድማ ግብረ ገባዊ ቕትለት እዩ ዘፈጽም፣ እቲ ክርስቲያናዊ ጥበብ ግን ገዛእ ርእስኻ መርምርን ንቐፍን ዝብል እዩ፣ እዚ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ኣብ ናይ ክርስትናን መንፍሳውነትን ሕይወት ምዃኑ እንተደኣ ዘይፈለጥና፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ግቡእ እዩ ዝብልን ቤት ማሕቡስ ኣብ ዘለሉ ቦታ ክሐልፍ እንከለኹ ነቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዘለዉሉ ሰባት፣ ዝግብኦም እዩ እናበልኩ እፈርድ፣ ብጸጋ ምሕረት እግዚኣብሔር እንተዘይከውን ኔሩ ኵላትን ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ምስ ተመራሕና ኔርና፣ ካብቶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ካብ ዘለዉ ንላዕሊ ሓጢኣተይና ምዃንካ ሕሰብ፣ ገዛእ ርእስኻ ውቀስ፣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ኩሉ ሓጢኣት መንቐሊ ኣይንዘንግዕ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒኢቦም ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ምንባብ ትንቢት ዳንኤል ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 4-10ን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 36-38 ዝተወስደን ናይ ካልኣይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ንባብ እውን ከምዝዀነ ሓቢሮም፣ “እቲ ካልእይ ብልጫ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምሕፋር እዩ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዕብየትን ከበድን ሓጢኣትና ከሕፈረናን ናቱ ምሕረት ዓቢይ ምዃኑ ንምስትውዓል ‘ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን ምሕረትን መሓርነትና ናትካ እዩ፣ ሕፍረት ናተይ እዩ ምሕረት ናትካ እዩ’ ከምዚ ዓይነት ዘተ እዩ ምስ እግዚኣብሔር ዘድሊ፣ ኣብዚ ኣብ ዓቢይ ጾም ኣዋን ከነዘውትሮ ዝግብኣና ዓይነት ዘተ እዩ፣ ገዛእ ርእሱ ምንቃፍን ምዅናንን ዝለማመድ ሰብ ንኻልኦት ምሕረት ምሃብ ይመሃር፣ መሓሪ ይኸውን፣ ኣነ ዝገደደ ሓጢኣት ዝፍጽም ክነሰይ እታዋይ እየ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝፈርድ” እዚ ድማ ጥበብ ክርስትና ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም “መንን እንታዋይን እየ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝፈርድ? እወ እዚ እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኢየሱስ፣ ‘ኣይትፍረድ ኣይክትፍረድን ኢኻ፣ ኣይትዀንን ኣይክትዅነንን ኢኻ’ ዝብል ክነሱ ምፍራድን ስም ካልእ ምጽላም ክንደይ ንፈቱ!” ቢሎም ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ጐይታ ገዛእ ርእስና ንምዅናን ከስተምህረና ንለምኖ እዚ ምስ እንርዳእን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕል ድማ ብሓቂ ዓበይቲ ነገራት ንኽንፍጽም ከብቕዓና እዩ፣ ‘ኦ ጐይታይ ንኻልኦት መታን ክምሕር መሓረኒ፣ ክጠዓስ መሃረኒ ምሕረትካ ዓድለኒ” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.