2015-02-24 14:56:28

ኣዋጅ ሊቀ ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ኣማቶ ዘቕረቡሎም ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ቅዱስ ማሕበር ኣባላት ፍሉዩ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳት ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረክ ሊቀ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝብል ኣዋጅ ብቑዕ እንክብሉ ዝሃብሉ ናይ ውሳኔ ሰነድ ተቐቢሎም ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረክ መነኰስ ካህን ኣብታ ኣርመኒያ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሎሚ ሃገረ ቱርኪ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣንድዘቫዚክ ኣብ 950 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ናረክ ኣብ 1005 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ከምእተወልዱ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ማህደር ቅዱሳን ዝጠቐሰ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረክ ናይ ቲዮሎጊያ መምህርን ዓቢይ ናይ ኣርመን ናይ ስነ ጽሑፍ ባህሊ ሊቅን ዓቢይ ደራሲ ግጥምታትን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊት ትምህርተ እምነትን እሙን ዓቢይ ናይ ቅድስቲ ማርያም ኣፍቃርን ውፉየ ማርያም ተባሂሉ ዝግለጽን ግልጸተ ማርያም ዝተጸገወን ዝደረሶ ጥዑም ማርያማዊ ዜማ እውን ዘዜመላ ምዃኑ ብዙሓት ዝምስክሩሉን እዚ ኹሉ ኣብ ታሪኽ ማህደር ቅዱሳት ቤተ ክርስቲያን ተነቢሩ ከምዘሎ የመልክት።
ካብቶም ኣዚዮም ዝጥ ቀሱን ዓበይቲ ተባሂሎም ዝግለጹ መንፈሳውን ቲዮሎጊያዊ መደረታቱ ውሽጢ “መደረታት ውዳሴ ቅድስቲ ድንግል ማርያም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሶን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ፍቕዲ 80 ዘሎ “ገጽ ንገጽ ካብ መዓሙቕ ልቢ ምይይጥ ምስ እኖ ኣምላኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሶን ኣብ ስቓይን መከራን ሓውን ድነ ሞትን ኣብቲ ኩሉ ዘጋጥሞ ኣብ ዝነበረ ፈተና ቀቢጸ ተስፋ ኩሉ ደገፍ ናይታ እኖ ልዑልን ፍጹም ፈራዲ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዘይትፈለዮ ብዓቢይ እማኔ ዝገልጸሉ ፍቕዲ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዘናረክ ኣብ 1005 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ከምእተወልደን እታ ኣብ ኣርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ሊቀ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝብል እምነት ከምዝነበሮምን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቅነት ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርትን ናይ እምነት ትምህርትን ጽሑፋትን ከምኡ እውን ናይ ስነ ሰቂለ ህሊና ሊቅ ቢላ ሰይማ ቅዱስናኡ ኣፍልጦ ዝሃበት ክትኸውን እንከላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ ሊቀ ቤተ ክርስቲያን ቢላ ከምዝሰመየቶ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.