2015-02-19 18:30:40

አብ ዓለም ከም አሕዋትን አኃትን እንተዘይነበርና ትርፉ ጽልእን ቅርሕንትን ኢዩ፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ አብ ዘቅረብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም ግደ ኅውነት አመልኪቶም ነቲ ግደ አቦ አደን ውሉድን አብ ሥድራቤት ዝሃብዎ ቀዳማይ ትምህርቲ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
ሓወይ ሓፍተይ ዝብላ ቃላት አብ ክርስትያናዊ ሕይወት ምናዳ ነቲ አብ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ዘተኮረ ትምህርቲ ጐይታ ዝተመሥረተ ብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅር ዝብል እሞ ከአ ኩሉ ንኩሉ ብልቡ ከም ሓውን ሓፍቱን ከፍቅር ዝእዝዝ ስለዝኾነ ክርስትያን ነዙይ ዓቢይ አብነት ክኾኑ አለዎም፣ እንተዘየሎ ዓለምና ብዘይ ሕውነት ብውግእን ምክፍፋልን ክትሕመስ ኢያ፣ ዝበሉ ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ነቱይ ቅዱስ ዳዊት አብ መዝሙር 132 “ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም ሶበ ይኄልው አኀው ኅቡረ - እነሆ አሕዋት ብሓንሳብ ክህልውስ ክንደይ ሠናይ ኢዩ ክንደይከ ይጥዕም” ዝበሎ እንክዝክሩ ንሕውነት ዘቍሰለን አብ ደቂ አዳም ዘርኢ ቅርሕንትን ቅንእን ጽልእን ዘእተው ከአ እቲ ደም ሓው ዘፍሰሰ ቃኤል ምዃኑ ሎሚ እውን እንተኾነ ምንም ዝከላኸለሎም ንዘይብሎም ንጹሓን ሰባት ደሞም ብዘይምኽንያት ዘፍስሱ ዘለው ወላውን ነቶም ብሥጋ መቅርቦም ከይተረፈ ይቀትሉ ከምዘለው ዘኪሮም፤ እቲ ንቃኤል “ሓውኻ አቤል አበይ አሎ” ቢሉ ዝሓተተ ጐይታ ሎሚውን ንነፍሲወክፍና አበይ አሎ ሓውኻ ይብለና አሎ፣
ሕስብ እንተበልና ይብሉ ቅዱስነቶም ሕስብ እንተበልና ክልተ አሕዋት እንክንብል አብ ሓደ ማሕጸን ዝተጸንሱ ሺሻይ ሓንቲ አደ ዝተዓንገሉ ክቃተሉ ከለው ብጣዕሚ የሕዝን፣ እዚ ከአ ካብ ሓንቲ ገዛን ሥድራቤትን ጀሚሩ ን ዓለም ምሉ እ አናዊጹ ዘሎ ኢዩ፣ ሽሕኳ ሕውነት ብዓንዲ ርእሱ ዓቢ እንተኾነ አብ ክርስትና ግን ካብዚ ደረጃዚ ክብ ብዝበለ ንኩሎም ደቂሰባት ከም ሓውን ሓፍትን ክርኢ ስለዝእዝዝ ነዚ ብኩሉ ተሓሚሱ ዘሎ ኅብረተሰብና ካብ ሥድራቤት ክሳብ ዓለምለኸ ማኅበረሰብ ከድኅን ዝኽእል ኢዩ፣ ርግጽ እዩ ካብ ሓንቲ ማሕጸን ዝወጹ ካብ ሓደ ሥጋ ስለዝኾኑ ክፋቀሩ ትጽበ እንተኾነ የማነ ጸጋም እንተተመልከትና ክንደይ አኅዋት ደቂ እኖ ይቃተሉን ይጨኻኸኑን አለው፣ እግዚአብሔር ነዞም ከምዚ ዚአመሰሉ አሓትን አሕዋትን አብ ልቦም ተመሊሶም ሕውነቶም ክፍውሱን ሥድራቤታት እንደገና ንክህነጹን ኩልና ናይ ኅልና ጸሎት ነዕርግ ክብሉ እውን አብቲ ቅር ዓት ንዝነበሩ ንገለ ደቃይቅ ብኅልና ክጽልዩ ዓደሙ፣
ቅዱስንቶም ናብቶም ኃያላትን ር እሶም ዝኸአሉን ጥራይ ዘይኮነ ናብቶም ድኹማትን ን ኡሳንን አሕዋትን አኃትን ምናዳ ከአ ገለ ናይ አካል ስንክልና ንዘለዎም አሕዋትን አሓትን እቶም ጥ ዑያትን ክ እለት ዘለዎምን አሕዋቶምን አሓቶምን ክሕግዝዎም ክትር ኢ ክንደይ ሠናይ ምዃኑ ብምግላጽ አያ ወይ ሳንዳ ሃልዮምኻ ብአኦም ክትፍቀርን ኃልዮቶም ክትቅበልን ክንደይ ጥዑም ምዃኑ እዚ ከአ መሠረት ናይ ኩሉ ኮይኑ አብ ሥድራቤት ከም ሰብ ከመይ ቢልካ ክትዓብን ምስ ማኅበረሰብ ክትወሃሃድን ከምትኽእል ብምዝኽኻር ሥድራቤት ናብ ዓለም ሕውነት ከእቱን ከስርጽን ከምዝኽእል አይንዘንግዕ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አጋጣሚ ትማሊ ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ መባእታ ጾመ አርብዓ ብምንባሩ ንጾመ ነነዌ ብምዝካር ከአ ሓሙዅሽቲ አብ ርእሲ እናነስነስካ ተነሥሑ ብዝብል አዋጅ ስለዝጀመረ ቅዱስነቶም አብ ምዝምዛም ትምህርተ ክርስቶስ ነዙይ ብምዝካር “ጾመ አርብ ዓ ሕይወት ክርስትናና ንምሕያል አበርቲዕና እንቃለሰሉ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ጉዕዞ ከምዝኾነ ተረዲእና ነዙ ምሩጽ ጊዜ እዚ ብጾምን ጸሎትን መባእ ብምውዳቅ ንጽጉማት አሕዋትና ብምርዳእን ልብና ን እግዚአብሔርን ንብጻይናን ንኽፈት ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.