2015-02-14 20:22:11

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) 2007 ዓ.ም. የካቲት 8 2007 ዓ.ም.(2/15/15)


RealAudioMP3 ንባባት፡ 1ቆሮ 7፡32-35፥ 1ጴጥ 4፡1-11፥ ግ.ሓ. 15፡13-35፥ ማር 1፡21-28
ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።
መዝሙር፦ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ።
አብ አምላኽ ከይንቐርብ ዝዓግት እንታይ አሎና?
አብ ዘዳግም 18፡15-20 ዘሎ እንተ አንበብና እግዚአብሔር ንሙሴ ከምዚ ኢልዎ “ከማኻ ዝበለ ነብይ ካብ ሕዝቦም ከተንሥአሎም እየ፥ ቃለይ ክህቦ እየ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ድማ ኺነግሮም እዩ፥ ብስመይ ክዛረብ እዩ ንእኡ ምስማዕ ዝአበየ ሰብ ግና ኽቐጽዖ እየ”። ኢየሱስ አብ ዓዱ ከም ማንም አይሁዳዊ ኮይኑ መጺኡ። ግን ነብይ ከአ እዩ፥ ከምዚ ሕጂ ብዙሓት ዝርድእዎ ንዝመጽእ ዝነበ ወይ ዝነግር ዘይኮነ ከም ሓደ ቃል አምላኽ ዝዛረብ ኮይኑ መጺኡ አብ መንጎና ሓዲሩ፥ በዚ ምኽንያት ከአ እዩ ሰባት ክሰምዕዎ ዘለዎም።
ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዝተነበ ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ምሉእ መዓልቲ ጽዑቕ ስራሕ ዝወዓለሉ እዩ ዘዘንትወልና አብዙ ኸአ ጥርንፍ ብዝበለ ነቲ ቀንዲ ተልእኮ ኢየሱስ ይገልጽ። ከም ኩሉ ሰብ አብ ስርዓት አምልኾ ይሳተፍ፥ የስተምህር፥ ካብ ዝተፈላለየ ሕማማትን ካልእ ጸገማትን የሕዊ፥ ርኹሳት መናፍስቲ ንዝሓዝዎም የውጽአሎም፥ ንበይኑ ኾይኑ ኸአ ይጽሊ። ከምኡ እቶም ህዝቢ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ይድነቑ ከምዝነበሩ ይነግር።
አብ ወንጌል ማርቆስ ሰለስተ ዓይነት ሰባት ኢና እንረክብ ነፍሲ ወከፎም ብዝተፈላለየ መገዲ ንኢየሱስ ይርእይዎ። ሓዋርያቱ፥ መራሕቲ ሃይማኖትን፥ ሓፋሽ ህዝብን። አብ መወዳእታ ብዙሕ ጊዜ ብዝበለጸ ሓቀኛ መልስን ርድኢትን ዘርእዩ እቶም ሓፋሽ ህዝቢ እዮም።
እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘዘንትዎ ኢየሱስ አብ ተልእኮኡ ብመዓልቲ ሰንበት አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ ከምዝኸደ እሞ አብኡ ምስ ደቂ ዓዱ ከምዝተራኸበ ይነግረና። አብዚ ኢየሱስ ነቲ ባህልን እምነትን አይሁድ የኽብር ከምዝነበረ ከምኡ ስዓብቱ ድሕሪ ሞቱ ከም አይሁድ ንስርዓት አይሁድ የኽብሩ ከምዝነበሩ ንርኢ። ንሱ ንእምነት አይሁድ ወቒሱ አይፈልጥን፥ ንሱ ዘይቅበሎ ዝነበረ ነቲ ንእምነት ዝጠዊ ዝነበረ ስርዓታቶምን ባህሎምን፥ ግብዝና እምነቶምን ካልእ ዝተበላሸወ ስርዓታቶም እምብአር ንእምነቶም አይወቐሰን። ከምቲ አብ ማቴ 5፡17 ዘሎ “ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ክፍጽሞም ድአምበር ክስዕሮም ዝመጻእኩ አይምሰልኩም” ዝበሎ እዩ።
አገልግሎት አብ ቤተ ጸሎት አይሁድ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍትን ጸሎትን ብምግባርን እዩ ዝፍጸም ነሩ። አብ ቤተ ጸሎት መስዋዕቲ አይፍጸምን እዩ መስዋዕቲ ዝግበር አብ ኢየሩሳሌም አብ ቤተ መቕደስ ጥራሕ እዩ ዝፍጸም ነሩ። ብዙሓት አይሁድ ራሕቂ ስለ ዝነበሮ ስሕቲ ኢሎም ወይ ሓደ ጊዜ አብ ዓመት እዮም ዝኸዱ ነሮም። ኢየሱስ እውን ሓደ ጊዜ አብ ዓበይቲ ብዓላት ጥራሕ እዩ ዝኸይድ ነሩ። ቀዳም ቀዳም ግን አብ ጥቕኦም ዘሎ ቤተ ጸሎት እዮም ዝኸዱ አብኡ ስርዓት አምልኾን ጸሎትን ይፍጽሙ። አብ መጨረሻ ሓደ ምሁር ወይ ንሕጊ ሙሴን ነብያትን ዝፈልጥ ይሰብኽ እምበር ብዓል መዓርግ ካህን ወይ ዝኾነ አገልጋሊ ብሓላፍነት ስልጣን ዘለዎ አይነበረን።
አብ ቤተ ጸሎት እምብአር ዝኾነ ተንሢኡ ክሰብኽን ክገልጽን ይክእል እዩ። አብዚ ፍሉይ ዕለት ኢየሱስ እዩ ክሰብኽ ዝተዓደመ። ኢየሱስ ክሰብክ ምስ ጀመረ እቲ ህዝቢ ንሱ ካብ ካልኦት ሰበኽትን መማህራን ፍልይ ዝበለ ከምዝኾነ ከለልዩ ክርእዩ ክኢሎም። እቶም ጸሓፍትን ክኢላታትን ንሕጊ ክገልጹ እንከለዉ ነቲ ዘሎ ሕጊ አይሁድ ትርጉሙ እዮም ዝገልጹ እዚ ኸአ አብ ታሪኽን ጽሑፋትን መሰረት ገሮም እዮም ዝገልጽዎ፥ ኢየሱስ ክገልጾ እንከሎ ግን ከም ብዓል ስልጣን ይምህሮም ነሩ። እቲ ህዝቢ እቲ ዘስተምህሮ ዝነበረ ካብ ካልእ ወሲዱ ዘይኮነስ ካብ ርእሱ የስተምህር ከምዝነበረ ክርእዩ ክኢሎም። ከምቲ አብ ወንጌል ማቴዎስ ከም እንረኽቦ “ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም . . . . . . አነ ግን እብለኩም አሎዅ” እዩ።
ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብ፡
ኢየሱስ ከም ብዓል ስልጣን ጥራሕ አይኮነን ዝዛረብ ዝነበረ ብስልጣን እውን ይገብር ነሩ እዩ። ኢየሱስ እናተዛረበ እንከሎ አብ መንጎ እቲ ህዝቢ ርኹስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብአይ ነበረ። እቲ ሰብአይ “እናአእወየ ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ምሳና ንሕና ምሳኻ እንታይ አሎና ክተጥፍአናዶ መጻእካ፥ መን ምዃንካ እፈልጥ እየ እቲ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢኻ” በለ። አብ ሕይወትኩም ርኹስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ ርኢኹም ትፍለጡዶ? አብዚ ክንዝክሮ ዘሎና አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበረ ርድኢት ዓለም ብሕማቕ ዝገብሩን ጽቡቕ ዝገብሩን መናፍስቲ ዝመልአት እያ ዝብል እዩ። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ አብ ኩሉ ቦታ እዮም ዝርከቡ ስለዚ አብ ዝኾነ እዋን ንሰባት ብኹሉ ከጥቅዑ ይኽእሉ እዮም። ወላ እውን ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ንሓደ እትጸልኦ ሰብ ከጥቅዑልካ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ ንአብነት ነቶም አብ ልዕለኻ ሕነ ክፈድዩ ዝደልዩ።
እዚ ርድኢት እዚ ናይ ቀደም ጥራሕ አይኮነን አብ ብዙሕ ክፍላት ዓለም አብ ሃገርና ከይተረፈ እናገነነ ዝኸይድ ዘሎ እዩ። ብዙሓት ጋኒን ሒዙኒ ቦዛይ ጠቢብ እናተባህለ ስም ሰባት ምክፋእ ንሰይጣን ዕድል ምሃብ ልሙድ ኮይኑ አሎ። አብ መዓልቲ መርዓይ፥ አብ ገዛይ፥ ሓራስ እንካል ተታሒዛ ቡዳ ጠቢብ እናተባህለ አብዚ እዋን ዳርጋ ዘየምልኽ የለን። ፈውሲ ተገሩለይ ፈዊሶምኒ እናተባህለ ዘይተፈላለየ ዳርጋ የለን። ሰብ ቀትሪ ብመቓብር ክኸይድ ይፈርሕ፥ አብ ማጨሎት በይንኻ አይክየድን ደቂ ሕድርትና አለዋ፥ ክጻወታ እንከለዋ ከበሮ ሰሚዕና ጸብሒ ዝግኒ ጨንይና እናበልካ ዝዝረብ ማእለያ የብሉን። እዚ ኹሉ እንታይ እዩ ምንጩ አብ እምነትና ብኸመይ ንርእዮ?
አብ ጊዜ ኢየሱስ ሓደ ሰብ እንተ ሓመመ ወይ እውን ዘይንቡር ነገር እንተ አርአየ ርኹስ መንፈስ ሒዝዎ ይብሃል ነሩ። ዘውድቕ ሕማም፥ ዘንፈጥፍጥ ሕማም ዝሓዞም፥ ናይ አእምሮ ጸገም ዝገበሩ ከም ርኹስ መንፈስ ዝሓዞም እዮም ዝሓስቡ ነሮም። ሰባት ብሰንኪ እቲ ርኹስ መንፈስ ምዝራብን ምንቅስቓስን ይኽእሉ አይነበሩን እቲ ርኹስ መንፈስ ይቆጻጸሮም። እዞም መናፍስቲ እዚኦም ሓቂዶ አለዉ እዮም? ብዓይኒ ሓቂ ክንርእዮም ከሎና አለዉ ክትብል ከቢድ እዩ። አብዚ እዋን ገሊኡ ሕማማት መድኃኒት ተረኺብሉ አሎ። አብ ዓድና ኾነ አብ ብዙሕ ክፍላት ዓለምና ዝእመን ርኹሳት መናፍስቲ ተመሊኾም ኩሉ ክፍአተ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ ተባሂሉ ሰብ ዳርጋ ኩሉ ጊዜ አብ ጭንቀት ይነብር አሎ።
ናይ እዋን ርኹሳት መናፍስቲ፡
አብ ዓለምና ርኹሳት መናፍስቲ የለዉን ኢልና ክንክሕድ ዘይክአል እዩ። ገለ ነገራት አብ ልዕሊ ሰባት ዝወርድ ስቓያትን መከራን ክንርኢ ከሎና ክንክሕዶ ዘይክአል እዩ። አብ ገለ ነገራት ግዳያት ኮና እናተሰመዓና እንከሎ ንባዕልና እውን ክፍሊ ናይ እቲ ጸገም ክንከውን ንኽእል ኢና።
አብ እዋን ኢየሱስ እዞም ርኹሳት መናፍስቲ ሰባት ከምዘለዉ ይአምኑ ነሮም ንብዙሕ ጸገማት ዘውርዱ ምዃኖም ይእመን ነሩ በዚ ኸአ ሰባት አብ ፍርሒ ይነብሩ ነሮም። ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሰባት ካብ ፍርሖም ነጻ ክገብሮም እዩ። እቲ ጸገም እቲ ርኹስ መንፈስ ዘይኮነስ እቲ ፍርሒ ናይ እቲ ግለሰብ እዩ። አብ ሕይወትና እቲ ቀንዲ ጸገም ዘምጽእ እቲ ናይ ሓቂ ነገር ዘይኮነ እቲ አብ አእምሮና ዝሓድር አባና ዘሎ ስምዒትን ፍርሕን እዩ። (ንአብነት ንሓደ ሰብ ተመን ዝመስል ሓደ ፕላስቲክ አብ ዓራት ናይ ሓደ ሰብ እንተ ገበርናዮ እቲ ሰብ ነቲ ተመን ዝመስል ፕላስቲክ ምስ ረአየ ይስንብድ ይብህርር። አብዚ እቲ ዘፍርሒ ዘሎ እቲ ፕላስቲክ ተመን ኮይኑ ዘይኮነ ተመን ስለ ዝመሰሎ እምበር ናይ ብሓቂ ተመን ኮይኑ አይኮነን ስለዚ እቲ ጸገም አብቲ ርድኢት እቲ ሰብ እምበር አብቲ ነገር ብርእሱ ተመን ኮይኑ አይኮነን።
ኢየሱስ ነቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ሰጋእ ከይበለ “ሱቕ በል ካብኡውን ውፃእ ኢልዎ” እቲ ርኹስ መንፍስ ነቲ ሰብ ከአ ፈርፈር አበሎ ብዓቢይ ድምፂ እንጨርሐ ኸአ ኻብኡ ወፀ። አብዚ እቲ ቀንዲ ነገር እቲ ሰብ ነጻ ከምዝኾነ ተሰሚዕዎ።
አብዚ እዋን እንፈርሖም እንታይ እዮም? ካብ ከመይ ዝበሉ መናፍስቲ ኢና እንፈርሕ? አብ ሕይወትና ነቲ ክንገብሮ ዝግብአና ከይንገብር ዘፍርሑና ሰባት ኮኑ ነገራት ወይ ቦታታት ነቲ ክንኮኖ ዝግብአና ከይንኸውን ዓጊቶምና ዘለዉ እንታይ አለዉ? መጀመርያ ክንርእዮ ዘሎና ንርእስና እዩ ማለት ነቲ ዘፍርሓና ክነለሊ ርኢና ክንክእል አሎና ቅድሚ ንሰባት ምሕማይና ወይ ምፍራድና። ሓንሳብ አብ ውሽጥና ዘሎ ክነለሊ እንተ ኸአልና አብ ኢየሱስ ቀሪብና ከመይ ገርና ካባና ከምእንውጽኦም ክንሓቶ አሎና። ንርእስና አብ ትሕቲ ስልጣን ኢየሱስ ንግበር እሞ ሽዑ ንሱ ሓራ ከውጽአና እዩ።
እቶም አብ ቤተ ጸሎት ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአዩ “ተገረሙ” ይብለና። “እንታይ ድአ እዩ እዚ ሓዲሽ ትምህርቲ እዚ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሥልጣን ዝእዝዝሞ ንሳቶም እውን ዝእዘዝዎ” እናበሉ ንሓድሕዶም እናተሓታተቱ ተገረሙ” ይብለና። አብ ዝኸድዎ ኸአ ብዛዕብኡ አውረዩ።
ዓለም ሎሚ ካብ አምላኽ ርሒቓ ንሰይጣንን አጋንንቱን እትስዕብ ዘላ እዩ ዝመስል ዘሎ ስለዚ አብ ኢየሱስ ቀሪብና ሓራ ክገብረና ንለምኖ እምነት ገርና ብክፍአትና ተአሚና እንተ ቀረብናዮ ከሕውየና እዩ። ካብ ክፍአትና ተመሊስና መገዲ አምላኽ ንሓዝ ነዚ ኸአ የብቅዓና። አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.